July 4, 2011

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

Part 2


ሃብትኣብ ጽገ
ካልኣይ ክፍሊ

I. ቀረብ መኻይን ጽዕነት
ማዕረ ማዕረ’ቲ ምዕጣቕ ሰራዊት: ምብራቕ ጀርመን: እቲ ዓቕሚ ምንቅስቓስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክብ ንምባልን ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ንምብጻሕን ዓቢ ተራ ነይርዋ ኢዩ:: ኣብቲ ቤ.ጽ. ናይ ሚስተር ላምበርት ዝተረኽበ: ናይ ዕለት 15.6.1977 ናብ አሪክ ሆነከር ዘተላእከ ተለግራም: ብዛዕባ’ዚ ሓበሬታ ሒዙ ይርከብ:: ብኡ መሰረት: ምብራቕ ጀርመን 500 ሓባ: W50 ዝዓይነተን መኻይን ጽዕነት ንኢትዮጵያ ክትህብ ድሉውቲ ከምዝነበረት ሆነከር ይሕብር:: እተን መኻይን ንወተሃደራዊ ወይ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ክውዕላ ኢዩ:: ኣብቲ ቀጺሉ ዝመጸ መዓልቲ ኸኣ ብግብሪ 530 ዘውህብ ስምምዕ ተፈሪሙ:: ኣብ ምድላው’ተን መኻይን ግን ሽግራት ተፈጢሩ:: ብመሰረት’ቲ ሚስተር ኪሊንከርትስ: ተኸታታሊ ጉዳያት ምብራቕ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ: ዝለኣኾ ተለግራም: ካብተን ዝለኣኻ መኻይን: እተን 200 ብሞደል ኣንጎላ ተሰሪሐን: ኣብ ወደብ ሮስቶክ ኣብ መርከብ ክጸዓና ክብላ ከለዋ: ስርዓት ኢትዮጵያ ከምተን ዝደለየን ሞደላት ከምዘይኮና ኣፍሊጡ:: ካብዚ ብምብጋስ: ኤምባሲ ምብራቕ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ: ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ: ነዘን ሞደላት’ዚአን ከምዝቕበለን ከፍቅድ ከእምኖ መምርሒ ተዋሂብዎ:: ክሊንከርት ግን ነዚ መምርሒ’ዚ ስለዘይተራእዮ: መልእኽቲ ጥርዓን ናብ ሚስተር ቨርነር ላምበርትስ ሊኢኹ:: ቨርነር ላምበርትስ: ኣብቲ እዋን’ቲ ኩሉ ንጥፈታት ምብራቕ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ዘወሃህድ ዝነበረ በዓል ስልጣን ኢዩ:: ክሊንከርት ኣብ ደብዳቤኡ ከምዝገለጾ: „ኢትዮጵያ ትደልየን ዘላ ዓበይቲ መኻይን: ንምግዕዓዝ ሰራዊት ዘገልግላ ኮይነን: ብምኽንያት ክሊማ ናይ’ዚ ሃገር: ማለት ከበሳ: ዝናም: ለይቲ ዛሕሊ: ብተንዳ ዝተሸፈና ክኾና’ዩ ዝመርጽ:: እንተድኣ: እዘን ዘይተደለያ – ሞደል ኣንጎላ- ተሰዲደን ግን: እቲ ኣብ ልዕሊ ምብራቕ ጀርመን ዘለዎ እምነት ክትንከፍ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ:: እዚ ኸኣ ኣብቲ ቁጠባውን ፖለቲካውን ዝምድናታትና ምስ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣይሓልፍን ኢዩ::“

እዚ ኩነታት’ዚ ኣብ መወዳእታ ካልእ ተዋሳኣይ: ተራ ከምዝህልዎ ጌሩ:: እሱ ኸኣ: ኣለክሳንደር ቻልክ ኮይኑ: ሓላፊ ጽላት ንግዳዊ ምውህሃድ ኢዩ:: ናብ ኤምባሲ ምብ/ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ: ተለግራም ብምልኣኽ ከኣ: እተን ኢትዮጵያ ዘጠለበተን ዓበይቲ መኻይን ክለኣኻ ከምዝኾና ሓቢሩ:: ብዛዕባ’ተን ኣብ ሮስቶክ ክጽዓና’የን ዝተባህላ መኻይን: ዝተዋህበ ሓበሬታ ልክዕ ከምዘይኮነን: ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሚኒስ. ምክልኻል ኢትዮጵያ: ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት ከይግበርን ኣጠንቂቑ:: ኣብዛ ተለግራም’ዚኣ: ብመኪና ዝተጻሕፈ ክታም ኣለክሳንደር ቻልክ ሃልይዎ: ኣብ ትሕቲ ክታሙ ከኣ ብኢድ ዝተጻሕፈ ክታም ቨርነር ላምበርትስ ኣለዎ:: እዚ ማለት ከኣ ቻልክ ድልየት ኢትዮጵያ ንምምላእ: ብፉሉይ ከምዝነጥፍ የርኢ:: ኣብዚ: እቲ ምስ መሪሕነት ኢትዮጵያ ዘሎ መንፈስ ሓባራዊ ምትእምማን ንምድልዳል: ዝዓለመ ፖለቲካዊ ገምጋማት ተራ ከምዝተጻወተ ዝስሓት ኣይኮነን:: እዚ ማለት ከኣ ፖለቲካዊ ደገፍ ናይ’ቲ ሰልፊ ንምርካብ: ብዝምልከቶ ኣባል ናይ’ቲ ሰልፊ ብምፍራም ኣረጋጊጹ:: ካልኣይ ሰፊሕ ቀረብ ዓበይቲ መኻይን ሞደል W50 ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት 1978 ተኻይዱ:: እዚ: ብመሰረት’ቲ ናይ 10.2.1978 ዝቐረበ ጠለብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ኮይኑ: ኣብቲ ኣንጻር ሶማልያ ዝተኻየደ መጥቃዕታዊ ስርሒታት ከገልግላ ዝተባህላ: ሓደ ሽሕ ዓበይቲ መኻይን ሞደል W50 ዘጠቓለለ ኢዩ:: ብተወሳኺ ከኣ: 300 ሞደል W50 ንሲቪላዊ መዓላ ተጠሊበን:: ነቲ ዝነበረ ወተሃደራዊ ኩነታት ንምግላጽን: ኣድላይነት ወተሃደራዊ ሎጊስቲክ ብዝያዳ ንምብራህ: ከኣ ሓንቲ ኮሚቴ ተመዚዛ ንምብ/ጀርመን ብምኻድ: ምስ ቨርነር ላምበርትስ ተራኺባ:: ላምበርትስ ብወገኑ: ነቲ ልኡኽ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ መርትዖታት ብመልክዕ ደብዳቤ ጺሒፉ: ናብ አሪክ ሆነከር ከምዝስዕብ ጌሩ ኣቕሪብዎ:- መጥቃዕትታት ኢትዮጵያ: ብኸምቲ ዝተሓንጸጾ ይኸይድ ከምዘየሎ: (…) ኣብ ምክልኻል ከተማ ሃረርን: ሓድሓደ ቦታታት ከባቢ ድሬዳዋን: ዝዓለመ መጥቃዕትታት ሶማል: ሰራዊት ኢትዮጵያ: ብሃንደበት: ኣብቲ ወተሃደራዊ መስመራት ሰራዊት ሶማል ዝነበረሉ ወገን: ኣብ ምዉት ቦታ ኣትዩ:: በዚ ምኽንያት: ኢትዮጵያ ኣብ ገለ ከባብታት 30 ኪ.ሜ.: 60 ኪ.ሜ.: ኣብቲ ገሊኡ ከኣ ክሳብ 100 ኪ.ሜ. ክትደፍእ ኪኢላ:: እዚ: ምስ ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ሶቭየታውያንን ኩባውያንን ብሓባር ዝተሓንጸጸ መደብ: ንሰራዊት ሶማል ኣብ ሃረርን: ድረዳዋን: ጅጅጋን ከርዲንካ: ናብ ሶማል ከየንሳሕቡ መንገዲ ንምዕጋት ዝዓለመ’ዩ ነይሩ:: እዞም ዝተጠቕሱ ሰራዊት ሶማል: እቶም ብሉጻትን ዳርጋ ፍርቂ ናይ’ቶም ምዱባትን ዕጡቓትን ሰራዊት ሶማል ብምዃኖም (30000): ነዚኦም ምስዓር: ወራር ሶማል ምሕምሻሽ ማለት ከምዝኾነ ክፍለጥ ይግባእ::

እዚ መጥቃዕቲ ኢትዮጵያ: ብቀንዱ ኣብ መወዳእታ ወርሒ 2 ወይ ፈለማ ወርሒ 3 ኢዩ ተመዲቡ ነይሩ:: ስለዚ: እዚ ሕጂ ብሃንደበት ተፈጢሩ ዘሎ ምቹእ ወተሃደራዊ ዕድል: ብዝበለጸ ንምምዝማዝ: ኣገዳሲ ኢዩ:: ኣብ ግብሪ ኸኣ: ማሕንቖታት መጎዓዝያ: ብዝያዳ ጎሊሒ ይርአ ኣሎ:: ብፍላይ: ቀረብ ወተሃደራዊ ሎጊስቲክስ ንምግዕዓዝን: ህዝባዊ ኣገልግሎት ንምርግጋጽን: ናብ ወጻኢ ብዓሰብ ዝለኣኽ ሰደድ ንምግዕዓዝ: እዘን መኻይን ጽዕነት የድልያ ኣለዋ::

ኣብቲ ዘተን ውዕልን: ኢትዮጵያ ክሳብ 30% ምንካይ ዋጋ ኣብተን ዓበይቲ መኻይን ክግበር ደፊኣ:: ብተወሳኺ: ኣብ ነዊሕ ዝኽፈል ለቓሕ ሓቲቶም:: ነዚ ዝተዋህበ ምኽንያት ከኣ: እተን ናይ 5ቶን መኻይን ጽዕነት: ናይ ምብ/ጀርመን ጥራይ ክኾና: መንግስቲ ኢትዮጵያ መደብ ኣለዎ:: ካብ ካልኦት ሃገራት ንምግዛእ ዝነበሮ መደብ ከቋርጽ እንተድኣ ኮይኑ: ምብራቕ ጀርመን ተወዳዳሪ ዝኾነ ኩነታት መሸጣ ክትፈጥር ትጽቢት ዝግበረላ ኢዩ:: ስለዚ: ናይ’ዘን ልዕሊ 1000 መኻይን ሞደል W50 ንምሻጥ ዝግበር ውዕል: ንመጻኢ ውዕላት ባብ ክኸፍት ተስፋ ይግበረሉ::

ብወገን ልኡኽ ምብ/ጀርመን: ከምኡ ዝኣመሰለ ተኽእሎታት ከምዝመጽእ ጥርጥር ስለዘይነበሮም: ኣብ ርእሲኡ’ውን መሪሕነት መንግስትን ሰልፍን ምብ/ጀርመን: ንኢትዮጵያ ኣብቲ ኣጋጢምዋ ዝነበረ ወተሃደራዊ ኩነታት ንምድጋፋ ድልየት ስለዝነበሮም: እቲ ውዕል ንምኽታሙ: መተካእታ ኣይነበሮምን:: ካብዚ ብምብጋስ ብዕለት 15.2.1978 ንኢትዮጵያ ኣዝዩ ምቹእ ዝኾነ ውዕል ክፍረም ተኻኢሉ:: በቲ ውዕል መሰረት: ምብ/ጀርመን ንኢትዮጵያ 500 ዓበየቲ ወተሃደራዊ መኻይን W50: ብተወሳኺ 300 ዓበይቲ መኻይን ንሲቪላዊ ስራሕ ዝኾና መደላት: 200 ከኣ ቦጣት ክትሸጠላ ነይርዋ:: ዋጋ ሓንቲ መኪና ካብ ነፍሲ ወከፍ ሞደል: ካብ 11000 ክሳብ 15000 ዶላር ኣቢሉ ክኸውን ከሎ: ዋግአን ብድምር 48.5 ሚልዮን ዶች ማርክ ኣቢሉ ይኸውን:: እቲ ክፍሊት ኣብ 5 ተመቓቒሉ: ማለት 15.12.78, 15.6.79, 15.12.79, 15.6.80, 15.12.80 ክኽፈል ተረዳዲኦም:: ኣብ’ዚ ውዕል’ዚ ካልእ ዘገረም ነገር እንተነይሩ: ምብ/ጀርመን ኣብ ካልእ ጽላታት’ውን ደገፍ ምሃባ’ዩ:: ንኣብነት: ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎት: ግብሪን ቀረጽን…ወዘተ ኣዝዩ ምቹእ ኩነታት ምፍቃዳ ኢዩ:: ካልእ ዘገርም ከኣ: ምብ/ጀርመን ኣብ ሃይማኖት ዘይትኣምን ክንሳ: ኣብቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ውዕል: ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ዝኾነ መለኮታዊ ሓይሊ (ፎርስ መጆር) ዕንቅፋት እንተተፈጢሩ: ክፍሊት ከቋርጽ ተሰማሚዐን::

II. ወደባት
ሓገዛት ምብ/ጀርመን ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ እንተኾይኑ: እቲ ፍሉይ መራኸቢ ባሕሪ: ወደብ ዓሰብ ብምዃኑ: ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮ ኢዩ:: ብዕለት 1.7.1977 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ምብ/ጀርመን: ብዛዕባ ወደብ ዓሰብ ከምዝስዕብ ይመስል ነይሩ:-
ብድምር 14 መራኽብ ዘራግፋን: ክራጋፋ መስርዐን ዝጽበያን መራኽብ ኣብቲ ወደብ ነይረን
ቀጥታዊ ተኽእሎ ሰደድ ድሩት ነይሩ
ኣስታት 5 ሽሕ ቶን ቡን ንሰደድ ዝተዳለወ ኣብቲ መኽዘናት ናይቲ ወደብ ነይሩ
እቲ ውዳበ ሰደድ ቡን: ኣብ ኢድ ናይ ግሊ ኩባንያታት ብምንባሩ: እቲ ጉዳይ: ምስ መደብ ግዜአን ክሰማማዕ ነይሩዎ::
ስለ’ዚ ጉጅለ መጽናዕቲ ምብራቕ ጀርመን: እዚ ጽላት ሰደድ: ኣብ ኢድ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሰጋገር ሓሳብ ኣቕሪቡ:: ከም ሳልሳይ ነጥቢ: እቲ ወደብ ኣብ ተክኒካዊ ብቕዓቱ: ብዙሕ ጉድለታትን ሕጽረታትን ከምዝነበሮ ተራእዩ:: ንኣብነት: ሓንቲ 25 ቶን ተልዕል: ቀዋሚት ክሬን ጥራይ ነይራ:: ካብ 3 ክሳብ 5 ቶን ዘልዕላ ከኣ 5 ተንቀሳቐስቲ ክሬን: 10 ፎርክሊፍት: ነይረን:: ዓቕሚ ምጽዓንን ምርጋፍን ናይ’ቲ ወደብ: 800 ቶን ቡን ወይ እኽሊ ንመዓልቲ: ምዃኑ ብተዛማዲ ትሑት ኢዩ:: ኣብ ርእሲ’ዚ: ክልተ ሰሓብቲ መኻይን ጥራይ ኣለዋ:: ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ዓመታት: ነዞም ማሕንቖታት’ዚኦም ፍታሕ ምምጻእ: ቀንዲ ቆላሕታን ሓገዝን ምብራቕ ጀርመን ሲሒቡ:: ኣብ መጨረስትኡ: ኸኣ ብመልክዕ ፕሮጀክት ምብ/ጀርመን: እቲ ምህናጽ ናይ’ቲ ወደብ ክካየድ ተመዲቡ::

ድሕሪ ጥሪ 1977 ሚኒስትሪ ትራንስፖርትን መራኸብታትን ኢትዮጵያን ሚኒስትሪ ህንጻ ምብ/ጀርመንን ሓባራዊ ዘተታት ከካይዱ ጀሚሮም:: ብወገን ኢትዮጵያ: ምጽዋዕ ብኸፊል ንሓደ ሓጺር ግዜ’ውን ኣብ ኢድ ህ.
.ሓ.ኤ. ብምውዳቓ: እዚ ፕሮጀክት’ዚ ዓቢ ቁጠባውን ፖለቲካውን ትርጉም ከምዘለዎ ተገሊጽ:: ብተወሳኺ: ወደብ ዓሰብ: እቲ ዝዓበየ ወደብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምግባሩ ምዃኖም ኣብሪሆም:: ብወገን ምብ/ጀርመን ከኣ: ነዚ መደብ’ዚ ክውን ንምግባር: ክሕግዙ ቁሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጾም:: ምእንት’ዚ ከኣ ሓባራዊ ፕሮቶኮል ተፈራሪሞም::

ነቶም ኪኢላታትን: ኢንጂኔሪታትን: መንበሪ ትኸውን መርከብ ክትዳሎ ከኣ ሓሳብ ቀሪቡ:: ብተወሳኺ: ምዝርጋሕ መገዲ ባቡር ካብ ዓሰብ ናብ ኣዲስ ኣበባ: ከም ፕሮጀክት መጽናዕቲ ክካየደሉ ሓሳብ ቀሪቡ:: ብመሰረት ፕሮቶኮላዊ ውዕል 10.2.78: ምብ/ጀርመን ንምምራሕን ንምውህሃድን ናይ’ቲ ሓፈሻዊ መደብን ፕሮጅክትታትን: ከም ሓላፍነት ተቐቢላ:: ብተወሳኺ: ፍሉይ ህንጻዊ ስራሕ: ከም ምህናጽ መዐሸጊ መራኽብን ምእላይ ጭቃን ባዕላ ከተካይድ መዲባ:: ኣብ ርእሲ’ዚ: ቀረብ መሳርሕታት ወደብን: ህንጻዊ መሳርሕታትን መኻይንን: ምድላው ሰራሕተኛታትን ኪኢላታትን ህንጻ: ንዝምልከት ዕማም ንምፍጻም ቅሩብነታ ገሊጻ:: እቲ ስራሕ ኣብ ሰለስተ መደብ ተኸፋፊሉ ክፍጸም መደብ ወጺኡ:: ኣብቲ ቀዳማይ መድረኽ: ዓቕሚ ምጽዓንን ምርጋፍን ናይ’ቲ ወደብ ዘሐይል ህጹጽ ስጉምቲታት ክውሰድ ተመዲቡ:: ኣብቲ ካልኣይ መድረኽ: መርበብ ክረናት ወደብ ብምዝርጋሕ: እቲ ወደብ ከምዝዓቢ ክግበር ኢዩ:: ብተወሳኺ: ዕምቆት’ቲ ወደብ ክውስኽን: ወደብ ንኣሽቱ መራኽብ ክሰፍሕን: ሓደሽቲ መኽዘናት ክስራሕን መደብ ወጺኡ:: ኣብ ሳልሳይ መድረኽ: ሓደሽቲ መዐሸጊ መራኽብን መኽዘናትን: ቀረብ “ዘመናዊ” መሳርሕታት ወደብ ክዳለውን ተመዲቡ:: ብተወሳኺ: ቅድሚ ወደብ ዘሎ ከባብታት ክፈሓር መደብ ወጺኡ:: ብግዜ ክርአ ከሎ: እቲ ስራሕ ካብ 1978 -1981 ክፍጸም ተመዲቡ:: እቲ ፕሮጀክት: ብቐረብ ቡን ኢትዮጵያ ክምወል ተወሲኑ::

…..ይቕጽል

President Isaias Leaves for Egypt

Mohamed bin Zayed receives President of Eritrea

Eritrea 2017 in Review  – Part I

President Isaias Receives Credentials of Six...

الإيقاد .. الوجه الآخر للنظام الإثيوبى .. هل...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...