October 13, 2013

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

ሃብትኣብ ጽገ
ሻዱሻይ ክፍሊ

ካብ 1984 ክሳብ 1989 ዝነበረ ጻውዒት ሓገዝ ኢትዮጽያ
እዚ ስዒቡ ዝግለጽ: ነቲ ኣብቲ መጽሓፍ ብዝርዝር ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶ ተጾሚቑ ዝቐርብ ዘሎ ኢዩ:-

1. ጻውዒት 1984
እዚ ናይ 1984 ጻውዒት: ልክዕ ከምቲ 1977: ኮይኑ ኣብ 1988ን 1989 ዝስዓበ ጻውዒት ኢዩ:: መንግስቱ ሃይለማርያም ንኣምባሰደራት ማሕበርነታውያን ሃገራት ብዕለት 22.10.1984 ብምዕዳም: ብዛዕባ ድርቅን ሳዕቤናቱን ብፍላይ ኣብ ኤርትራ: ትግራይ: ወሎ ዘሎ ህዝቢ ንዓጸቦ ተቓሊዑ ከምዘሎ ኣመልኪቱ ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ገሊጽሎም:: መንግስቲ: ነቲ ሽግር ንምፍታሕ: ዓቕሙ ዘፍቅዶ’ኳ እንተገብረ: ነቶም ጸረ-ሰውራ ክቃለስ ስለዘለዎ: ዓቕሙ ከምዝተደረተ ገሊጽሎም:: ዝድለ ዘሎ ሓገዝ: መግቢ: ክዳውንቲ: ኮበርታታት: ተንዳታታት: መድሃኒታት:… ወዘተ ከምዝኾነ ሓቢሩ:: ብዙሕ ከባብታት ከኣ ብድሩትነት ዓቕሚ መጎዓዝያ: ብዙሕ መግቢ ክዝርጋሕ ኣይተኻእለን:: ነዚ ፍታሕ ክርከቦ ከኣ ኣብ ጽላት መጎዓዚያ’ውን: ከም መኻይን ጽዕነት: ነፈርቲ: ሀሊኮፕተራት ሓገዛት የድልያ ኣለዋ: ክብል መንግስቲ ገሊጹ::

ልክዕ ኣብቲ እዋንቲ ዝተጻሕፈ ጸብጻብ ክፍሊ ቁጠባዊ ምውህሃድ ምብራቕ ጀርመን: ከምዝገለጾ: 50% ካብ ምሉእ ሰራዊት ኢትዮጵያ: ኣብ ኤርትራ ተጸሚዱ ከምዘሎ ተሓቢሩ:: እዚ ሰራዊት’ዚ ኸኣ ኣዝዩ ከቢድ ክሳራታት ከምዘጋጠሞ ይንገር:: ንኣብነት: ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ጥራይ: 2000 ፖለቲካዊ መኮንናት ዘለዉዎም 30 000 ወተሃደራት ተቐቲሎም:: ተበግሶ ዝበዝሕ ግዜ: ኣብ ጎድኒ’ቶም „ተነጸልቲ“ ኢዩ:: ኣንጻር’ቶም „ተነጸልቲ“ ዝምዝገብ ዓወታት ዳርጋ የልቦን:: „መሰረታዊ ዋሕዲ ስንቂ (ስእነት ማይ) ንቀጻሊ ጥምየት: ሕማም: ድኻማት ንምውጋእ: የስዕብ ኣሎ::“ ኣብ ርእሲ’ዚ ከኣ ቀሊል ናይ ስለያ ድኻማት’ውን ኣሎ:: „ ሽሕ’ኳ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ፍጹም ዓብላልነት ኣብ ኣየር እንተሃለዎ: ብኹሉ’ቲ ብኣየር ዝግበር ስለያ ድኹም ኢዩ::“ እቲ ብኣጋር ሰራዊት ዝግበር ስለያ’ውን ዘምጽኦ ፋይዳ የብሉን:: ብንጻሩ ግን: ናይቶም ተቐናቐንቲ ስለያ: ቅርበት ክሳብ ደረጃ መሪሕነት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዘለዎ ይንገር:: እቶም ሓይልታት ተቓወምቲ: ኣብቲ ሰራዊት መንግስቲ ዝቆጻጸሮ ከተማታትን ከባቢታትን ከይተረፈ ብምንቅስቓስ: ካብ ህዝቢ ሓደሽቲ ተሰለፍቲ ከምዘጎሳጉሱ ይግለጽ:: (…)
ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ኩነታት: ሆነከር ንመንግስቱ ንምድጋፍ ብምውሳን: ነፈርቲ ከም An 26 ከምኡ’ውን IL 28 ኣብ ኢትዮጵያ ብምምዳብ: ናብቲ ብድርቂ ተጠቒዑ ዘሎ ከባቢታት ረድኤት ከበጻጽሓ ተባሂሉ:: ብግብሪ ግን: እዘን ነፈርቲ’ዚአን ኣብቲ መደባት ሰፈራን ወተሃደራዊ ስለያን ተራ ነይርወን ኢዩ:: ኣብ 1986: መንግስቲ ምብራቕ ጀርመን ነተን ነፈርቲ ካብ ኢትዮጵያ ክስሕበን ምስወሰነ: ጸሓፊ ሰልፊ ሸቃሎ ኢትዮጵያ: እተን ነፈርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክተርፋ ለሚኑ:: ዘቕረቦ ምኽንያት ግን ኣይነበረን:: ገምጋም ወተሃደራዊ ኣታቸ ሰራዊት ምብራቕ ጀርመን: ምርኩስ ብምግባር ግን (…) „ ብጻይ መንግስቱ ሃይለማሪያም ዘጠቓለለ መሪሕነት ሰልፊ ሸቃሎ ኢትዮጵያ: ኩነታት ክቕየር ከምዝኽእል ኣብ ግምት ስለዘእትዉ: ካብ ጸጥታዊ ስግኣት ዝተላዕለ: ንድሕነቶም እተን ነፈርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጸንሓ ደልዮም::“ ስለዚ: ጸሓፊ ሰልፊ ሸቃሎ ኢትዮጵያ: ዶክ. ኣሻግረ ምኽንያት ድልየቶም እንተዘይገለጸ ርዱእ ይመስል:: እዚ ሽፍንፍን ብዝበለ ዝቐረበ ኣዘራርባ: መሪሕነት ኢትዮጵያ: እቲ ወተሃደራዊ ኩነታት እንዳኸፍአን እንዳተቐየረን ኣብ ዝኸደሉን ግዜ: በተን ነፈርቲ ጌሮም ንወጻኢ ሃገራት ንኽሃድሙ ክጥቀሙለን ስለዝደለዩ ኢዩ::

ቀረብ 1988
ኣብ 1988 መሊሱ ሓደ ህጹጽ ጻውዒት ሓገዝ መንግስቱ ሃይለማርያም ናብ ምብራቕ ጀርመንን ካልኦት ማሕበርነታውያን ሃገራት ቀሪቡ:: ትሕዝቶ’ቲ ጻውዒት „ ክቡር ብጻይ ሆነከር! እዚ ብሓባር ዝሃነጽናዮ ሰውራ: ኩነታቱ ኣንጻር ትጽቢትና: ኣብ ሓደጋ ዕንወት ይርከብ:(…): እቲ ኩነታት ኣዝዩ ኣስጋኢ ኢዩ:: ዘሎና ግዜ: ኣዝዩ ድሩት ኢዩ::(…) ስለዚ: እዚ ዝስዕብ ሓገዝ ክትልግሱልና ንልምነኩም:- ሓደ ሚእቲ ሽሕ ፎኪስ ብረት ዓይነት rpd, ክልተ ሽሕ pkw-ፎከስቲ ብረት: ሓምሳ ሽሕ ወተሃደራዊ ዩኒፎርም ክዳውነቲ: ሓሙሽተ ሚእቲ ወተሃደራዊ መኻይን ዓይነት ኢፋታት (…): ካብ መንግስቱ ሃይለማርያም::“

ጠንቂ ናይ’ዚ ጻውዒት’ዚ ሓንቲ መዓልቲ ጸኒሑ ኣብ ዝተላእኸ ተለግራም ተገሊጹ ይርከብ:: እቲ ውሽጣዊ ኩነታት ኣዝዩ እንዳኸፍአ ናብ ጥርዚ በጺሑ ኣሎ:: ህ.
.ሓ.ኤ. ኣብ ኤርትራ መጥቓዕቲ ብምጅማራ: ከተማታት ተሰነይ: ሃይኮታ: ዓሊግድር: ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ የእትያተን ትርከብ:: ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣፍደገ ኣስመራ ኣላ:: ህ.ወ.ሓ.ት. ከኣ ብወገና ኣብ ትግራይ መጥቓዕቲ ብምኽፋታ: ኣብ’ታ ኣውራጃ ዘሎ መገድታት ትቆጻጸሮ ኣላ:: በዚ ንዋና ከተማ ናይ’ታ ኣውራጃ ከተማ መቐለ። ኣብ ሓደጋ የእትያታ:: መጥቃዕቲ ናይ’ቲ ብኢትዮጵያ ዝድገፍ SPLM ኣብ ሱዳን: ጽዑቕ ወተሃደራዊ ሓገዝ ሃገራት ዓረብ ንመንግስቲ ሱዳን ኣስዒቡ:: እቲ ኣብዚ ብፍሉይ ግንዛበ ዘድልዮ: እዞም ተጻረርትና ውድባት: ብኸፊል ካብ ኣመሪካን ኣድሓርሓርቲ ሃገራት ዓረብን ዝረኸብዎ ዘመናዊ ኣጽዋር ምህላዉ ኢዩ:: ዝጥቀምሉ ኣጽዋር’ውን ብኸፊል: ኣብ መስርሕ ግጥማት: ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሰልብዎ ኢዩ:: ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ኩነታት’ዚ ከኣ: ህ.

.ሓ.ኤ.ን ህ.ወ.ሓ.ት.ን ካብ ደባይ ቅዲ ኲናት ናብ ዘመናዊ (ኮንቨንሽናል) ኲናት: ናይ ምክያድ ዓቕሚ ኣጥርዮም ይርከቡ::
መንግስቲ ኢትዮጵያ: ነዚ ሓድሽ ኩነታት’ዚ ብዝተፈላየ መደባት: ክገጥሞ ከምዝፈተነ: ሓደ በዓል ስልጣን ምብራቕ ጀርመን: ከምዚ ዝስዕብ ጌሩ ኣጠቓሊሉ የቕርቦ:- ብቀዳምነት: ኣብተን ኣውራጃታት ኤርትራን ትግራይን ድንጋገ ህጹጽ ኩነታት ተኣዊጁ:: ብካልኣይ ደረጃ: ኣንጻር “ተነጸልቲ” ክዋግኡ ሓደሽትን ዕቑር ሰራዊትን ቆይሞምን ተጸዊዖምን:: ብሳልሳይ ደረጃ: ሓደ ንዕማም ፍሉይ ስርሒት ሓደ ዕቑር ሰራዊት ቆይሙ:: ራብዓይ: እቲ ተዋጋኢ ሰራዊት ንመንግስቱ እሙናት ብዝኾኑ ካድራት ናይ’ቲ ሰልፊ ከምዝእዘዙ ተገይሩ:: ሓሙሻይ: ንኩለን ማሕበርነታውያን ሃገራት ጻውዒት ሓገዝ ቀሪቡለን::

እሰን ከኣ ኣዝዩ ገዚፍ ዝኾነ ሓገዛት ብምሃብ። መልሰ-ተግባር ኣርእየን:: መሪሕነት ምብራቕ ጀርመን: አሪክ ሆነከር ባዕሉ: “መደብ ኢትዮጵያ 1988” ብዝብል መጸውዒ: ኣብ ወርሒ 4 ናይ’ቲ ዓመት ጀሚሩ ክሕግዝ ወሲኑ:: በዚ ከኣ ንሓደሽቲ ሰውራውያን ሚሊሻታት በጽዋር ምዕጣቕ ተጀሚሩ::

1. ኣስታት 36000 ፎኪስ ብረት ዓይነት AKM
2. 31.8 ሚሊዮን ጠያይት ዓይነት M 43
3. 2000 ፎኪስ ማሺንጋናት ዓይነት RPD
4. 3,9 ሚሊዮን ጠያይት ዓይነት M 39
5. 420 ጸረ-ታንኪ ብረት ዓይነት RPG 7
6. 10200 ቦንባታት: ዓይነት PG 7
7. 2200 ጸረ-ታንክ ብረት: ዓይነት RPG 18
8. 22000 ዩኒፎርምታት

ብተወሳኺ: 100 መኻይን ጽዕነት: W 50 ዝዓይነተን ተዋሂበን:: እዚ ማለት ከኣ: ካብቲ ዝተጠልበ ንብረት: ሓደ ሲሶ ክሳብ ፍርቂ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ: ተዋሂቡ:: እቲ ዝተዋህበ ንብረት ብዋጋ ክትመን ከሎ: ኣስታት 16.3 ሚሊዮን ዶላር ኣመሪካ ይኸውን:: ነዚ ንብረት’ዚ ብቅልጡፍ ክትቅርብን: ከተግዕዝን ዝፍጠር ልዑል ዋጋታት። ኣብ ርእሲ’ዚ ክድመር ዘለዎ ኢዩ:: ብሓቂ ክርአ ከሎ: ምብራቕ ጀርመን: ነዚ ዋጋታት ከም ህያብ ተቐቢላቶ ክበሃል ይከኣል:: ብተወሳኺ: መሪሕነት ኢትዮጵያን ምብራቕ ጀርመንን: ነዚ ቀጥታዊ ቀረብ ኣጽዋር: ዋግኡ ኣብ 1990 ክኽፈል ክጅምርሞ ኣብ 12 ዓመት ክሳብ 30.4.2001 ክዳቐስ ተሰማሚዐን:: ስለዚ: ብግብሪ ክርአ ከሎ: ምብራቕ ጀርመን: ነዚ ቀረብ ኣጽዋር’ዚን ምስኡ ዝተሓሓዝ ዋጋታትን ባዕላ ከምዝተሰከመቱ ኢዩ::
እዚ ኣጽዋር’ዚ ካብ ዕለት 30.3. – 28.4.1988 ኣብ ዝነበረ ግዜ ብነፈርትን መራኽብን ብምጉዓዝ ተዋሂቡ፣ ሽዑንሽዑ ከኣ ሓደሽቲ ሓረስቶት ሚሊሻ ብምዕጣቕ: ኣንጻር ህ.
.ሓ.ኤ.ን ህ.ወ.ሓ.ት.ን ከምዝዋግኡ ተገይሩ::

ድሕሪኡ ዝመጹ: ዲፕሎማስያዊ ጸብጻባት ምብራቕ ጀርመን: ከምዝገለጽዎ: እዞም ልዒሎም ዝተጠቕሱ ኣጽዋር: ኣወንታዊ ውጽኢታት ከምዝነበርዎም ኢዩ:: ኣብ ሓደ ባየርላኸር ዝተባህለ ሰብ ዝለኣኾ ተለግራም: እቲ ተኣፋፊ መድረኽ ተሰጊሩ’ዩ ይብል:: ሰራዊት ኢትዮጵያ: ዳግም ይዋጋእ ኣሎ:: ሞራል ሰራዊት ከኣ ኣብ ምድልዳል ይርከብ:: ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ክንዕወት ኢና ዝብል ስምዒት ክብ ይብል ኣሎ:: ከም ደምዳማዊ ገምጋም ከኣ “ነዚ ዝተገልጸ ምዕባለ: ኣብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ትርጉሙ: ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወተ: እቲ ብሕብረት ሶቭየትን ምብራቕ ጀርመንን ዝተገብረ ቁልጡፍን ሰፊሕን ሓገዝ ብምዃኑ: ብመሪሕነት ኢትዮጵያን ብመንግስቱ ክብ ዝበለ ክብሪ ተዋሂብዎ ኢዩ::“

እዚ ብዲፕሎማሰኛታት ምብራቕ ጀርመን ዝቐረበ ግጉይ ገምጋም ኩነታት ኢትዮጵያ: መሪሕነት ምብራቕ ጀርመን‘ውን ዝተቐበልዎ ይመስል:: እዚ ገምጋም‘ዚ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ ግን: ገምጋም ናይ „ነጻ“ ዝኾኑ ወገናት (ወተሃደራት ሃገራዊ ህዝባዊ ሰራዊት ምብራቕ ጀርመን): ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮጵያ ካብ ምሕታት ኣይተቖጠቡን:: ሓደ ካብዞም ጸብጻባት‘ዚኦም ናይ ወርሒ 3/ 1989: ኣብ ኣዝዩ ክውንነት ዝረገጸ መግለጺ ብዛዕባ‘ቲ ኩነታት ኣስፊሩ ይርከብ:: ኣብቲ መግለጺ ኣብ ወተሃደራዊ ሜዳይ „ጃላነት“ ከምዘሎን: እዚ ሕቶ ብሄራት ኣብ ኢትዮጵያ ብወተሃደራዊ መገዲ ጥራይ ጌርካ ክትፈትሖ ምፍታን ተስፋ ዘይብሉ ኣገባብ ከምዝኾነ ይገልጽ::

በቲ ዝተዋህበ ወተሃደራዊ ሓገዛት: ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕታት ኣብ ሰሜን ኣኽኢሉ ይኸውን: ክብል ኢቲ ጸብጻብ ገሊጹ:: እዞም መጥቃዕትታት‘ዚኦም ግን: ብጥልመት ምኽንያት እቶም መደባት ስለዝተቓልዑ: ከምዝፈሸሉ: እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣስፊርዎ ይርከብ:: ኣብ ኣውራጃ ትግራይ ጥራይ ኢዩ: ቁሩብ ዓወታት ተመዝጊቡ ክበሃል ይከኣል:: ምኽንያቱ ኣብኡ ህ.ወ.ሓ.ት. ኣብ ቅድሚ ኣዝዩ ገዚፍ ሓይሊ ኢትዮጵያ: ከትክሉ ስለዘይከኣሉ: ናብ‘ቲ ብቐሊሉ ዘይእቶ ጎቦታት ዝበዝሖ ከባቢ ብምንስሓቦም ኢዩ:: እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝበሃል ዘሎ: ማለት ኣብዚ ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊብና ዝበሃል: ነብስኻ ምዕሻው ኢዩ.: ምኽንያቱ: ህ.ወ.ሓ.ት. ኣብ ወርሒ 3/ ወርሒ 4 1989 ብሃንደበት ጸረ-መጥቃዕቲ ብምፍናዎም ኢዩ::
እቲ ጥቕሲ ብዝርዝር ከምዚ ይብል:- „ ሓደ 25000 ወተሃደራት ዝሓቖፈ ኣጥቃዒ ጉጅለ ህ.ወ.ሓ.ት.: ከይተፈልጠ ዝጸንሐ ነይሩ:: እዚ ጉጅለ’ዚ ሓደ ጨሪሱ በርቃዊ ዝኾነ መጥቃዕቲ ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝፈነወ ይንገር:: ከምሳዕቤን ከኣ: ሰራዊት ኢትዮጵያ: ብዘይተወደበ ኣገባብ ከንሳሕብን: ሓደ ዕብይ ዝበለ ክፋል ናይ ኮር 604: ኣብቲ ዳርጋ ፍርሒ ዝተሓወሶ ህድማ: ተደምሲሱ ኢዩ:: ምድምሳስ ናይ’ዚ 3ይ ቀንዲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ከኣ: እቲ ህ.ወ.ሓ.ት. ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝረኽቦ ደገፍን ዋሕዚ ሓደሽቲ ተሰለፍትን እንዳበዝሐ ከይዱ:: እቲ ግጭት ከኣ ዳርጋ መልክዕ ህዝባዊ ኲናት ኣንጻር ዕብለላ ኣምሓሩ ሒዙ ክበሃል ይከኣል:: ካብዚ ዝተላዕለ: መሪሕነት ኢትዮጵያ: ነቶም ዝተረፉ ኣሃዱታት ሰራዊት ካብ ፍጹም ምድምሳስ ከድሕኖም ብማለት: ካብ ትግራይ ከንሳሕቦም ተገዲዱ:: ነታ ኣውራጃዊት ዋና ከተማ መቐለ’ውን ራሕሪሒሞ ኢዮም:: „በዚ ከኣ እቲ ምሉእ ኣውራጃ ትግራይ: ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህ.ወ.ሓ.ት. ኣትዩ ማለት’ዩ::“

…ብሓፈሽኡ ኩነታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሕማቕ ከምዘሎ ይግለጽ:: እቲ ዝሰፍሐ ክፋል ናይቲ ሰራዊት: ነቲ ወተሃደራዊ ዕላማታት ናይቲ ስርዓት ኣይኣምነሉን ስለዝኾነ: ህይወቱ ንዘይኣምነሉ ዕላማታት ክህብ ቁሩብ ኣይኮነን:: ኣብ ሞንጎ’ቶም ጀነራላታትን ላዕለዎት መኮንናትን ከይተረፈ: ዓወት-ኣልቦ ዝኾነ ኲናታት: ተስፋ ከቑሩጾም ጀሚሩ ኢዩ:: እቶም ኲናት ክቕጽል ዝደልይዎ ወገነት ከኣ ንውልቃዊ ቁጠባዊ ረብሕኦም ድኣ’ምበር: እቲ ወተሃደራዊ ዕላማታት መንግስቱ ሃ/ማርያም ኣገዲስዎም ኣይኮነን:: (…)

እቲ ወተሃደራዊ ተበግሶ: ኣብ ጎኒ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘየሎ ይንገር ኣሎ:: ሰራዊት ኢትዮጵያ: ንሰፊሕን: ዓሚቕን: ዕዉትን መጥቃዕቲ ንምክያድ ዓቕሚ ከምዘይብሎም ይንገር:: (…) መንግስቱ: ኣብቲ ወተሃደራዊ ፍታሕ ብምእማን: ናብቲ ቅድሚ ምትሓዝ ኣፍዓበት ዝነበረ ኩነታት ንምምላስ ድልየት ከምዘለዎን ይሰርሓሉ ከምዘሎን ይንገር:: ነዚ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ሓሳብ’ዚ ግን ዋላ እቲ መሪሕነት በጠቓላሊ እንተተሰከሞ: ኣብቲ ፖለቲካዊ ቤ.ጽ. ከይተረፈ ዕቃበታትን ተቓውሞታትን ይስምዑ ከምዘለዉ ይግለጽ:: እቲ ቀንዲ ነቲ ኩነታት ኣብ ኣስጋእን ሓደገኛን ኩነታት ኣውዲቕዎ ዘሎ ከኣ እዚ ብወተሃደራዊ መገዲ ነቲ ሽግር ምፍታሕ ዝብል ኣተሓሕዛ ክም ዝኾነ ይግለጽ::

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...

Meeting of Cabinet Ministers

International Youth Day observed