October 10, 2013

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

ሃብትኣብ ጽገ
ሳልሳይ ክፍሊ

IV ስለያዊ ሓገዝ
ምብ/ ጀርመን ኣብ ስለያዊ መደብ’ውን ንወተሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ተዋሲኣ ኢያ:: እዚ ኸኣ: ነቲ ብመንግስቱ ዝቐረበ ጻውዒት ብቐጥታ ንምድጋፍ ከምዝኾነ ይግለጽ:: ምእንት’ዚ ከኣ: እቲ ልክዕ ዕለቱ ድኣ ኣይፍለጥን’ምበር ኣብ ሓጋይ 1977 ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ውዕል ተፈሪሙ:: በዚ ውዕል መሰረት: ምብ/ጀርመን ኣማኸርትን: ኪኢላታትን ብምልኣኽ: ንምምሕዳራትን በዓል-መዝታትን ኢትዮጵያ ዘድልዮም ፍሉያት ዕማማት ከፍጽሙሎም ምእንቲ: ብዙሕ ስልጣናትን መሰላትን ክወሃቦም መደብ ወጺኡ:: ምብ/ጀርመን: ነቶም ኪኢላታት ዘድልዮም ምወላ ክትሽፍን ከላ: ንዐኦም ዘድልዮም መሳርሕታት ካብኣ ዝመጸ ኮይኑ: ብመሰረት ንግዳዊ ውዕላት ክልቲአን ሃገራት ክኸውን ተረዳዲአን:: እቶም: ኣማኸርቲ ብቐጥታ ንመንግስቱ ክረኽብዎ ከምዝኽእሉ ተገይሩ:: ብውዕል መሰረት: እዞም ኣማኸርቲ’ዚኦም ፍሉይ ተራ ዘለዎም ኢዮም:: ዓንቀጽ 2 ናይ’ቲ ውዕል ከምዝገልጾ: እቶም ኣማኸርቲን ኪኢላታትን ኣባላት ኤምባሲ ምብ/ጀርመን ኮይኖም ክርኣዩ: ግን ዲፕሎማስያዊ መዝነት ዘይብሎም ክኾኑን: ኣብቲ ሊስታ ዲፕሎማስያውያን ከኣ ከይምዝገቡን ይሕብር:: ብወገን: ማሕበርነታዊት ኢትዮጵያ ከኣ: ንኹሎም’ቶም ኣማኸርትን ኪኢላታትን: ውልቃዊ ሓለዋን: እቲ ንኹሎም ወጻእተኛታት ዲፕሎማሰኛታት ዝወሃብ „ኢሙኒቲ“ ክትህቦም ተወሲኑ:: ብግብሪ ክርአ ከሎ ከኣ: እቶም ንኣባላት ስለያ ምብ/ጀርመን ዝተዋህቦም መሰላትን ተራን: ልክዕ ከምቶም ኣማኸርቲ ገዛእትን ሓውሲ ገዛእትን ሃገራት: ዝወሃቦም ዝርአ ኢዩ:: ነቲ ንስለያዊ ትካላት ኢትዮጵያ ዝኸውን ቀረብ መሳርሕታት ካብ ምብ/ጀርመን ዝምልከት: ብ25.9.1977 ሓደ ንግዳዊ ውዕል: ኣብ ሞንጎ ክልቲአን መንግስትታት ተፈሪሙ:: ኣብዚ ውዕል’ዚ ሚኒስትሪ ሃገራዊ ጸጥታ ምብ/ጀርመን: ከም 1ይ መሻርኽቲ ተመዝጊቡ ክርከብ ከሎ: ዝተፈላለየ መሳርሕታት: ነቲ ኣብቲ ውዕል ተመዝጊባ ዘላ 2ይቲ መሻርኽቲ ማሕበርነታዊ ኢትዮጵያ: ክሸጠላ ተሰኒዱ ኣሎ:: ነዚ መሸጣ’ዚ ዘሳልጥ „ንግዳዊ ትካል ፎሩም“ ዝብል ትካል ምብ/ጀርመን ከካይድ ተወሲኑ:: እዚ ኣብቲ ውዕል: ብንጹር ትካል ምብ/ጀርመን ምዃኑ ተመዝጊቡ ዝርከብ ትካል: ነዚ ቀረብ ስለያዊ መሳርሕታት ምብ/ጀርመን ከተግብር ተመዚዙ::
ገለ ካብቲ መሳርሕታት:-
5 ረድዮ መቐበልን መልኣኽን ሓጺር ማዕበል SEG 15 D
5 ረድዮ FM ማእከላይ UFS 605
35 ረድዮ FM ኣብ መኪና ዘተተኽለ መደበር-ረድዮ
UFS 603
250 ስልኪ-ኣልቦ ረድዮ UFT 420
30 ቻርጀር 20
ዋጋ መግዓዚ ደሚርካ: ጠቕላላ ዋጋ ናይ’ዚ ንብረት’ዚ ኣስታት 230,000.= ዶላር ኣመሪካ ይኸውን:: እዚ ንብረት’ዚ ብሚኒስትሪ ሃገራዊ ጸጥታ ተዳልዩ ንሰደድ ተቐሪቡ:: ካብኦም ከኣ ብትካል ፎሩም ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኹ:: ብዕለት 19.11.1977 ናብ ወደብ ዓሰብ በጺሑ:: እቲ ኣብ ሓጋይ (ብኤውሮጳዊ ወቕቲ) ናብ ኢትዮጵያ ዝተላእከ ጉጅለ ኣማኸርቲ: ብለውትናንት ጀነራል ናይበር ዝምራሕ ኮይኑ: ካልኦት ብዙሓት ዓሰርተታት ሰባት ዝሓቖፈ ነይሩ:: እዚ ጉጅለ’ዚ ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት መንግስቲ ኢትዮጵያ: ኣዝዩ ኣጠቓላሊ ጽልዋ ከምዝነበሮ ዝብል ገምጋም ምዕራባውያን ተዓዘብቲ: በዚ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ውዕል ብተዘዋዋሪ መገዲ ይረጋገጽ:: ክሳብ ሕጂ ግን: ብዛዕባ ንጥፈታት ናይ’ዚ ጉጅለ’ዚ: ኣብ ኣርካይቭ ምብ/ጀርመን: ዘሎ ሓበሬታ ኣዝዩ ሒደት ጥራይ ኢዩ:: እዚ ጉጅለ’ዚ: ጸላኢ ዝቆጻጸረን ከተማታት ከመይ ኣብ ኢድካ ተእትወን ዝብል መጽናዕቲ ኣካይዱ ይበሃል:: ብተወሳኺ: እዚ ጉጅለ ኣማኸርቲ’ዚ: ኣብ ኣዲስ ኣበባን እቶም “ተነጸልቲ” ዝቆጻጸርዎን ቦታታት ኮይኖም ነጢፎም ይበሃል:: እቲ ፍሉይ ኣተኩሮ ዝነበሮ ትንታነ: እቲ ብዛዕባ’ቲ ብምዕራብ ጀርመን ዝተዋህበ ዝተባህለ መሳርሕታትን ዕጥቅን ናይቶም ኤርትራውያን “ተቓወምቲ” ኢዩ:: ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ግን: ብዛዕባ’ዚ ዝርዝራዊ ጸብጻባት ስለያዊ ስርሒታት ዳርጋ ኣይርከቡን ኢዮም:: ካብዚ ዝተላዕለ ንብድሕሪ ሕጂ ተዋሳኺ መጽናዕትታት ክካየዱ ከድሊ ኢዩ::

I. ምዕጋት (blocking) ህ.
.ሓ.ኤ.

1. ትርጉም ዲፕሎማሲ
ማዕረ ማዕረ’ቲ ምሃብ ነገራዊ ሓገዝ: ምብ/ጀርመን: ኣብ
ዲፕሎማስያዊ መዳይ’ውን ንወተሃደራዊ ስርዓት
ኢትዮጵያ ንምሕጋዙ ነጢፋ ኢያ:: ንኣብነት: ኣብ ሞንጎ
ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ኤርትራን ደርግን: ብምእታው
ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምምጻእ ማእከላይ ተራ ክትጻወት
ጺዒራ ኢያ::
ትርጉም ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘተ: ንኢትዮጵያ ብሩህ
ኢዩ:: ብቀንዱ: ድሕሪ’ቲ ሰውራ 1974: እቲ ዝነበረ
ኣማራጺታት: ነቲ አትኒካዊ ባህላዊ ብዙሕነትን ምስ
ፍሉይ መንግስትን ኢትዮጵያ ዘተ ኣካይድካ ምቕባል:
ወይከኣ ሓደ ጉጅለ ነቲ ስልጣን ብምብሓት: ብወልቀ-
መላኽነት ነቶም ካልኦት ጉጅለታት እንዳስገደድካ
ምኻድ ዝብል ኢዩ:: ካብዘን ክልተ ኣማራጽታት
ኣየነይተን ምኽታል ዝብል ሕቶ: ኣብቲ ውጽኢት
ናይቲ: ኣብ ሞንጎ’ተን ዝተፈላለያ ዓሌታትን ብሄራትን
ዝካየድ ርክባትን ዘተታን ዝምርኮስ ኢዩ:: እዚ ኸኣ:
እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝነበረ ጽልእታት ኣብ
ግምት ክኣቱ ከሎ: ቀሊል ኣይኮነን::

ኣብዚ ኸኣ እቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያንን ተጋሩን ብሓደ ወገን: ወከልቲ ማእከላይ ዞባታት ኢትዮጵያ (መብዛሕትኦም ኣምሓሩ) በቲ ካልእ: ዝህሉ ዘተታት ወሳኒ ተራ ነይርዎ:: እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቕሱ ተቐማጦ: ኣብ ምቛም ሃገራዊ ቅርጺ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ: ኣብቲ ዞባ ኸኣ ብፍላይ: ዓቕሚ ከምዘለዎም ትዕዝብቲ ዝተገብረሉ ኢዩ:: ስለዚ: ከም ኣገደስቲ ጉጅለታት: እቲ ኣብ ሞንጎኦም ዝግበር ዘተ: ንመጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ ንምውሳን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ::
ካብቲ ዘሎ ሰነዳት ማሕበርነታዊ ሰልፊ ጀርመን (ማ.ሰ.ጀ.) ክበርሃልና ከምዝኽእል: ነቲ ክሳብ ሽዑ ዝነበረ ረብሓን ንጥፈታትን ናይ ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ናይ’ዚ ዘተታት: ብንጹር ክፍለጥ ከምዝኽእል ኢዩ:: እዚ ገምጋም’ዚ ብፍላይ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ጉዳያት ክጠቓለል ይኽእል:-
– ረብሓን መርገጺን ምብ/ጀርመን
– ረብሓን መርገጺን ናይተን ብቐጥታ ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ኣትየን ዝነበራ ሃገራት ከም ሊብያን: የመንን
– ረብሓን መርገጺን ወድባት ኤርትራ (ህ.
.ሓ.ኤ.:
ተ.ሓ.ኤ.-ሰ.ባ.: ተ.ሓ.ኤ.-ህ.ሓ.
.)
ብዘይካ’ዚ: እቲ ኣብ ሞንጎ ማሕብረነታዊ ሰልፊ ጀርመንን (ማ.ሰ.ጀ.) ውድባት
ኤርትራን: ከምኡ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝነበረ ዘተታት:
ብተዛማዲ ምክትታሉ ይከኣል:: ብወገን: ኤርትራውያን ክህሉ ዝኽእል
መግለጽታት እንተዝርከብ ከኣ: እቲ ኣፍልጦ ምሉእ ምኾነ ነይሩ::

2. እቲ ርክባት ከመይ ከምዝቖመ:
እቲ ኣብ ሞንጎ ምብ/ጀርመንን ውድባት ኤርትራን ዝተገብረ ርክብ: ንኽፍጸም ዘበርከተ ኣብ ካርቱም ዝነበረ ቤ.ጽ. ግንባር ሓርነት ፍልስጤም (
.ሓ.ፍ.) ኢዩ:: ሓደ „ኣዝዩ ምስጢር“ ዝተባህለ: ማ.ሰ.ጀ. ምስ ኤርትራውያን ናይ ዘካየዶ ዘተታት: ሰነድ: እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዎ:- ነቲ ርክብ ህ.
.ሓ.ኤ.ን ማ.ሰ.ጀ.ን: ክውን ንምግባር ተራ ዝነበሮ: ሓላፊ ቤ.ጽ.
.ሓ.ፍ.(ኣል ፋታሕ) ኣብ ካርቱም ኮይኑ: ኣብቲ ጉዳይ ካብ ቤ.ጽ.
.ሓ.ፍ.(ኣል ፋታሕ) ካይሮ: ዝመጸ ወኪል’ውን ተዋሲኡ ኢዩ:: ኣብዚ ክግምገም ከምዝተኻእለ:
.ሓ.ፍ. ንህ.
.ሓ.ኤ. ብንጥፈት ከምዝድግፍን: ብመገዲ ቤ.ጽ.
.ሓ.ፍ.: ካርቱም ከኣ: እቲ ምትሕብባር ክልቲአን ግምባራት ከምዝውደብን ኢዩ:: እቲ ብወገን ኤርትራውያን (ብሕልፊ ናይ ህ.
.ሓ.ኤ.) ዝነበረ ቀንዲ ድልየት. ዘተ ምስ ምብ/ጀርመን ከምዝስዕብ ተሰኒዱ ኣሎ:: ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሞንጎ ህ.
.ሓ.ኤ. ተ.ሓ.ኤ ብሓባር ንምድማዕን ንምትሕብባርን ዝሕግዝ ዘተታት ይካየዱ ነይሮም:: “እዚ ዘተታት’ዚ እንተፈሺሉ: ተ.ሓ.ኤ. ምስ ጉጅለ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ክትጽጋዕ ትጽቢት ዝግበረሉ ኢዩ:: እዚ ጉጅለ’ዚ: ብሓገዝ ስዑዲ ዓረብን ሱዳንን ሓድነት ኩለን ኤርትራውያን ውድባት ንምምጻእ ዝጽዕት ኢዩ:: ካብዚ ዝተላዕለ ህ.
.ሓ.ኤ. ከም እንኮ ገስጋሲት ውድብ: ኣብ ልዕሊኣ ዝመጽእ ጸቕጢ እንዳወሰኸ ይመጽእ:: ስለዚ: እቲ ብወገን ህ.
.ሓ.ኤ. ዘሎ: ኣብ ሃገራት ዓረብ መሻርኽቲ ናይ ምርካብ ሓያል ድልየት: ብዘይካ
.ሓ.ፍ. ንህ.
.ሓ.ኤ. ፖለቲካዊ ዕላማኣ ምሉእ ተፈላጥነት ዝህብ ስለዘይነበረ ኢዩ::
እዚ ኩነት’ዚ ከኣ ንመሪሕነት ምብራቕ ጀርመን: ንወተሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንምድጋፍ: ጽቡቕ መበገሲ ነጥቢ ገይሩ ዝገመቶ ይመስል::

3. ብዛዕባ’ቲ ኩነታትን ዕላማታት ናይ’ቲ ዘተን ዝነበረ ገምጋም መሪሕነት
ምብ/ጀርመን
ናይ’ቲ ኩነታትን ዕላማታት ዘተን ዝነበረ ገምጋም
ምብ/ጀርመን መበገሲኡ: ኣብ ሓደ ዕለቱ ብልክዕ
ዘይተመዝገበ ሰነድ: ምናልባት ብ ቨርነር ላምበርስ
(Werner Lamberz) ወይ ሀርማን ኣክሰን (Hermann Axen)
ዝተጻሕፈ ክኸውን ዝኽእል: ብዝርዝር ሰፊሩ ከምዘሎ „ኣብዚ
እዋን’ዚ እቲ ንሰውራ ኢትዮጵያ ዘሰግኦ ቀንዲ ሓደጋ: ካብ
ኤርትራ ዝብገስ ከምዝኾነ ኢና ንሕና ንኣምን“ ይብል እቲ
ነቲ ጽሑፍ ዝጸሓፈ:: ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ሃጸይነት: ኤርትራ

ካብ ኢትዮጵያ ንምፍንጫልን ኣብትሕቲ ደገፍቲ ሃጸይነት ዝኾኑ ባእታታት ትመሓደር ዝተፈልየት ሃገር ኤርትራ ንምምስራት ጻዕርታት የካይድ ኣሎ:: በቲ በጺሑና ዘሎ ሓበሬታ: ነጻነት ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክእወጅ’ዩ ዝብል ኢዩ:: ኣድሓርሓርቲ ስርዓታት ዓረብ: ብፍላይ ስዑዲ ዓረብ: ግብጺ: ሱዳን ዘቖመኦ ስሉሳዊ ኮሚቴ: ዝደፍእሉ ዘለዎ: ብዘተኣዊ መገዲ ፍታሕ ንኸይመጽእ ንምኹላፍ ኢዩ:: ነቲ ብዑስማን ሳልሕ ሳበ ዝምራሕ ጉጅለ ተ.ሓ.ኤ.-ህ.
.ሓ.: ብጽዑቕ ክድገፍዎን ኣብ ኤርትራ ከም ውድብ ከቑምዎን ይጽዕሩ ኣለዉ::
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ከኣ: ነቲ ሃጸያዊ መደባት ብሃናጺ ዝኾነ መገዲ ንምፍሻሉ: ንጉዳይ ኤርትራ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክርከበሉ ምጽዓር ኣገዳሲ ኢዩ:: ሕመረት ናይ’ዚ ጻዕሪ’ዚ ከኣ: ነጻነት ኤርትራ: ብበይናዊ መገዲ ከይእወጅ ኢዩ::

ስለዚ’ዩ ከኣ: ማሕበርነታዊ ሓድነታዊ ሰልፊ ጀርመን: ምስ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ኤርትራ ርክብ ብምግባር: ብዛዕባ ኣድላይነት ፖለቲካዊ ፍታሕ ከእምነን ዝፈተነ::
ዕላማ ናይ’ዚ ዘተታት’ዚ ከምዚ ዝስዕብ ይግለጽ „ እቲ ፈለማ ክግበር ዘለዋ ጻዕሪ: ነተን ምንቅስቓሳት ኤርትራ ፈናጭልካ: ነቶም ገስገስቲ ብመገዲ ዘተ ምስ ሰውራ ኢትዮጵያ ከምዝቋረን ምግባር ኢዩ:: እዚ ግን ቀሊል ከምዘይኮነ ብሩህ ኢዩ:: ምኽንያቱ: እቶም ገስገስቲ ሓይልታት ኤርትራ’ውን ነቲ ን 16 ዓመታት ዝኣክል: ኣንጻር መስፍናዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ዝተኻየደ ቃልሲን ታሪኽን ኤርትራ ክነጽግዎ ኣይክእሉን ኢዮም:: ስለዚ: እሳቶም’ውን እንተኾኑ ነቲ ንነጻነትን ንሓርነትን ዘሎ ትምኒት ኤርትራውያን ኣብ ግምት እንተዘይኣእትዮም: ነብሶም ከምዝንጽሉ ይፈልጡ ኢዮም::

ስለዚ: ኣብቲ ዘተታት: ከም ስልቲ ኣቐዲሞም እቶም ዝተሓላለኹን ወይ ዝፈላልዩን ሕቶታት ክቐርቡ የብሎምን:: (….) ኣብ ክንድኡ: እቲ ተመሳሳሊ ርእይቶታት ዝርከበሎም ነጥብታት ምእካብን: ካብኣቶም ብምብጋስ ከኣ ነቲ ናይ ዘይምትእምማን ኩነት ምቕያሩ ኢዩ: (….)
ትሕዝቶ ዕላማታት ምብ/ጀርመን: ኣብ ምፍታሕ ጉዳይ ኤርትራ ክርአ ከሎ: ብቀንዱ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምጥርናፋ ኢዩ:: ካብዚ ብምብጋስ: ኣብ ሓደ ብ ክላውስ ቪለርዲንግስ (Klaus Willerdings) ብዕለት 30.1.1978 ዝቐረበ ወረቐት: ንምፍታሕ ሽግር ኢትዮጵያን ኤርትራን: ሰለስቲ ተኽእሎታት ቀሪቦም: 1. ኤርትራ ከም ርእሳ ተመሓድር ዞባ 2. ንኤርትራ ኣብ ፈደረሽን ምእታው 3. ንኤርትራ ኣብ ኮንፈደረሽን ምእታዋ ዝብሉ ኢዮም::

„እቲ ንኤርትራ መሰል ርእሰ-ምሕደራ“ ምሃብ ማለት -ይብል ቪለርዲንግስ – ነጻ ፖለቲካዊ ህላዉነት ዘለዋ ሃገር ዘይኮነትን ውሻጣዊ ጉዳያ ከም ኮማዊ ምሕደራ: ኮማዊ ቤት ፍርዲ: ባህላዊ: ትምህርታዊ ጥዕናዊ ፖሊሲ: ዘፍቅድ ጥራይ ኢዩ።

እቲ ፈደረሽን ክበሃል ከሎ ከኣ: ብክልሰ-ሓሳብ ብዙሕ መለክዕታት ሓደ ሃገር ዝሓቖፈ ኮይኑ: ልዑላውነት ዘይብሉ ኢዩ:: ንኣብነት ጉዳያት ምክልኻል: ጉዳያት ወጻኢ: ፋይናንስ ዝኣመሰሉ: በቲ ማእከላይ መንግስቲ ክምርሑ ከለዉ: እቶም ካልኦት ግን በቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢዩ:: ናይ በይንኻ ቅዋም: ባይቶ: መንግስቲ: ቤት ፍርዲ: ፖሊስ: ባጀት ዘፍቅድ ኢዩ።
ሓደ ኮንፈደረሽን ከኣ: ብኣህጉራዊ ሕጊ ርእሱ ዝኽኣለ መንግስቲ ኣቚምካ: ጉዳያት ወጻኢኻን ሰራዊትካን ፋይናንስካን ባጤራኻን ባዕላኻ ተካይደሉ ምሕደራ ኢዩ። እተን ኣብ ኮንፈደረሽን ዝኣትዋ ሃገራት ናይ ሓባር መራሒ ፕረሲደንት ብምምራጽ ኢየን ዝልለያ

ካብዘን ሰለስተ ምርጫታት: መንግስቲ ምብ/ጀርመን ነየነይተን ከምዝመርጽ ኣብቲ ጽሑፍ ኣይገልጽን ኢዩ:: ኣብቲ ጽሑፍ ተገሊጹ ከምዘሎ ግን: እቲ ኣብ ወሳኔታት ሕቡራት ሃገራት ናይ 1950 ዘሎ ክርአ ከሎ: ኤርትራ ሓንቲ ነጻን ርእሳ ዝኸኣለትን ምስ ኢትዮጵያ ከኣ ብፈደራላዊ ስርዓት ዝተኣሳሰረት: ኣሃዱ ከምዚሪኣ ተጠቒሱ ኣሎ:: እዚ ካብ ሓንቲ ርእሰ-ምሕደራ ጥራይ ካብ ዘለዋ ንላዕሊ ኢዩ:: ካብዚ ዝተላዕለ: ምስቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበሮ መርገጺ: ማለት ኤርትራ መሰል ድሩት ርእሳ-ምሕደራ ንምሃብ: ብተዘዋዋሪ መገዲ ዝጋራጮ ርእይቶ ምዃኑ የአንፍት:: ምናልባት: ንወከልቲ ማ.ሓ.ሰ. ጀርመን: ኣብ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን: ከምቲ ኣብ 1914 ዝነበረ ሞደል ሃገር ንግስነት ጀርመን: ወይ ከኣ ነቲ ካብ 1949 ኣብ ምዕራብ ጀርመን ዝነበረ ዝምድናታት ፈደራላዊ መንግስቲታት ዝመስል ፍታሕ ንምምጻእ ይፍትኑ ነይሮም ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም:: ማለት እተን ፈደራላዊ ዞባታት ናይቲ ሃገር ብዙሕ ርእሰን ዝኽእላሉ ህላውነት ሃልየወን: ነንሓድሕደን ግን ብሓያል ማእከልነት ዝተጠምራ ክኾና ኢዩ::

ኣብ መስርሕ ናይ’ቲ ዘተ: እቲ ሰልፊ ምብ/ጀርመን: ናይ ገዛእ ርእሱ ተበግሶ ሒዙ ክንቀሳቐስ ተራእዩ:: ማለት ክልቲአን ወገናት: ሰለስተ ነጥብታት ከተግብራ ርእይቶ ኣቕሪቡ: 1. ኣንጻር ሓድሕድካ ዝካየድ ፕሮፖጋንዳ ደው ክብል 2. ምቁራጽ ውግእ 3. ነቲ ቅጥዒ ምቁራጽ ተኹሲ ዘመሓድርን: ነቲ ንምጽዋዕን ኣስመራን ዘራኽብ መስመር ዘኽፍትን: ኮሚሽን ምቛም::
እዚ ተበግሶ’ዚ ናይ ክልቲኡ ወገን ረብሓ ዘንጸባርቕ ኢዩ:: እቲ መስመር ምጽዋዕ-ኣስመራ „ምኽፋት“ ዝብል ርእይቶ ግን ሰልፊ ምብራቕ ጀርመን ብቐዳምነት ንረብሓ ወተሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ከምዝሰርሕ ስለዘሪኢ: ከም ዘይሻራዊ ወገን ክርአ ዘኽእሎ ዕድል ኣጽቢብዎ ኢዩ::

ብዘይንሱ ግን: እቶም ምብ/ጀርመናውያን መራሕቲ ናይ’ቲ ዘተ: ሚስተር ቨርነር ላምበርስ: ሚስተር ፓውል ማርኮቭስኪ: ዘሕዝን ኩነታት ገጢምዎም:: ክልቲኦም ኣብ ሊብያ ሓደጋ ሀሊኮፕተር ስለዘጋጠሞም: ኣብኡ ሞይቶም:: ኣብ ሞንጎ’ዚ ሓደጋ’ዝን ፖሊሲ ምብ/ጀርመን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ርክብ ክህሉ ከምዝኽእል ዝግመት ኢዩ:: እቲ ዘተኣሳስሮ ግን ብደቂቕ እንታይ ከምዝኾነ: ቀጻሊ መጽናዕቲ ክካየደሎ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ::
…..ይቕጽል

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...

STATEMENT BY H.E. MR. OSMAN SALEH, MINISTER OF...