September 30, 2013

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

ካብ ሰነዳት ታሪኽሃብትኣብ ጽገ – –
ኩነተ-ረብሓ ናይቶም ተዋሳእቲ
ንጥፈታት ምብ/ጀርመን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ: ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ብምርድዳእን ምውህሃድን ይትግበር ከምዝነበረ ይፍለጥ:: ስለዚ: ነቲ ንጥፈታት ምብ/ጀርመን ብዘዕግብ መገዲ ክግምገም እንተኾይኑ: ብዛዕባቶም ካልኦት ተዋሳእትን ረብሕኦምን ገምጋም ክካየድ ኣለዎ::

ሀ) ሕብረት ሶቭየት
ፖሊሲን ረብሓን ሕብረት ሶቭየት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ 1969/70 ጀሚሩ: ብቀንዱ ኣብ ጥቡቕ ዝምድና ምስ ሶማልያ ዘተኮረ ኢዩ ነይሩ:: ኣብ ሶማልያ: ብ1969 ንስርዓት ሲያድ ባረ ኣብ ስልጣን ዘመጽአ ወተሃደራዊ ዕልዋ ተኻይዱ:: ስያድ ባረ: ኣብ ሰራዊትን ፖሊስን ተሞርኪሱ: ማሕበርነታዊ ስርዓት ከቕውም ፈቲኑ:: ጸኒሑ ከኣ ምስ ማሕበርነታውያን ሃገራት ዝምድናታት ብምምስራት: ኣብ መስርሕ ከኣ ሶማልያዊት ወደብ በርበራ: ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ሶቭየት ክጥቀመላ ኣፍቂዱ:: እዚ ደጋፊ ሕብረት ሶቭየት ዝኾነ ፖሊሲ ሶማልያ: በቶም ኣብ ሕብረት ሶቭየት ዝሰልጠኑ ሓለፍቲ ሰራዊት ይረጋገጽ ነይሩ::

ባረ ግን: ሽሕ’ኳ ብቓል ኣብ ማሕበርነት ከምዝኣምን ይገልጽ እንተነበረ: ብመሰረቱ ግን ሃገራዊ መስመሩ ኣይገደፈን:: ማለት ብኤውሮጳዊ መግዛእቲ ዝተፈናጨለት ሶማልያ: ዳግማይ ኣብ ምሕባር ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ:: ብግብሪ ክርአ ከሎ: ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ግዝእቲ ፈረንሳ ዝኾነት ጂቡቲ: ኢትዮጵያዊት ዞባ ኦጋዴን: ገለ ክፋል ከንያ: ጥሙሕ ብምምዕባል: ነዘን ቦታታት’ዚአን ንምጉባጥ ይሰርሓሉ ነይሩ:: (….)

እዚ ኩነታት’ዚኣ ንሕብረት ሶቭየት ኣብ ወጥሪ የእትይዋ:: ሕብረት ሶቭየት: በቲ ሓደ ወገን: ሲያድ ባረ ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢኡ ኣብ ዕንደራታት ብሰንኪ ምእታዉ: ኣብ ሶማልያ ዝጸንሓ ረብሓ ከተጥፍእ ኣይደለየትን:: በቲ ሓደ ወገን ከኣ: እቲ ምስ ኢትዮጵያ ከተማዕብሎ ዝጀመረት ኣወንታዊ ዝምድናታት ከቋርጽ ኣይደለየቶን::

ስለዚ: ሶማልያን ኢትዮጵያን ከተላዝበንን ከተታዓርቐንን ጽዒራ:: ኣብዚ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ሶማልያ: ነቲ ኣብ ወርሒ 6 ክሳብ 8: 1977 ዝነበረ መርገጺ ሕብረት ሶቭየት ዝገልጹ 4 ኣገድስቲ ተርእዮታት እዞም ዝስዕቡ ነይሮም:-

1. ዘተን ንምርኽኻብ ዝዓለመ ጽዑቕ ጻዕሪ
2. ሶማልያ ናብቲ „ክዉን ማሕበርነታዊ ኣንፈት“ ንምምላስ ምጽዓር
3. ንሶማልያ ዛጊት ንኦጋዴን ጎቢጣ ከላ ብቐጻሊ ወተሃደራዊ ደገፍ
እንዳሃቡ: „ጥንቁቕ“ ዝኾነ ደገፍ ንኢትዮጵያ ምቕጻል:
4. ጉዳይ „ሕቶ ኤርትራ“ ዓፊንካ ምሓዙ

እታ „ላንድስሁት“ ትበሃል ዝተጨውየት ነፋሪት: መንግስቲ ሶማልያ: ክትህጀም ፍቓድ ምስሃበ: ሶማልያ ማሕበርነታዊ ኣንፈት ከምዘይብላ ስለዘርኣየት: ሕብረት ሶቭያት: ቆላሕትኣ ናብ ኢትዮጵያ ገጹ ዘቢሉ:: ካብኡ: ንንየው ከኣ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ቀዳምነት ስለዝተዋህቦ. ብዘይካ ቀጥታዊ ንዋታዊ ሓገዝ: ዲፕሎማሲ’ውን ተራ ክጻወት ጀሚሩ::

ቀቅድሚ’ዚ ሶቭያታዊ ፖሊሲ’ዚ ግን: ምብራቕ ጀርመን: ኣብ ክልተ መዳያት ኣገዳሲ ተራ ተጻዊታ ኢያ:: ብቐዳምነት: ንወተሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣንጻር ሶማልያ ኣብ ዝነበሮ ፖሊሲ ከይወድቕ: ሕብረት ሶቭየት ዛጊት ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ብጋህዲ ደው ክትብል ብዘይምውሳና: ንሕብረት ሶቭየት ብምውካል ምሕጋዛ ይጥቀስ:: ካልኣይ ከኣ: ንኢትዮጵያ ምድጋፍ ዝብል ወሳኔ ምስ ተገብረ ከኣ: ኣብ ሰሜን (ኣብ ኤርትራ) ኣብ ዝነበረ ግጭት: በቲ ድፕሎማስያዊ ንጥፈታት ምብራቕ ጀርመን ዝነበረ ተኽእሎታት: ንስርዓት ኢትዮጵያ ምድጋፋ ዝጥቀስ ኢዩ::

ዕላማታት ናይ’ዞም ፖሊሲታት’ዚኦም: „ብዘይሕብእብእ“ ኣብቶም ዲፕሎማስያዊ ሰነዳት ተመዝጊቦም ይርከቡ:: ናይቶም ቀዳሞት መድረኻት ምእታው ጣልቃታት ሕብረት ሶቭያት ዝገልጹ ሰነዳት’ኳ: እንተዘየለዉ: ናይ’ቲ ካልኣይ መድረኽ ግን: ብመሰረት ጸብጻብ ናይ’ቲ ኣምባሳደር ራቶኖቭ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት: ብንጹር ክዝርዘር ይኽእል:: እቲ እሱ ብዛዕባ’ቲ ወተሃደራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት ምስ ሶማልያ: ብኸምዚ ይገልጾ:- ሶማላውያን በቲ ካብ ሕብረት ሶቭያት ዛጊት ተዋሂብዎም ዝነበረ ከበድቲ መዳፍዕን ታንክታትን: ንኢትዮጵያ ጸብለል ምበልዋ:: ብተወሳኺ: ኢትዮጵያ ትውንኖም ታንክታት መዳፍዕን ክጽገንሉ ዝኽእሉ ጋራጃት ስለዘይነበርዋ: ብዙሓት ታንክታታ ሰኣን ጽገና: ዓዲ ዝወዓላ ነይረነኣ:: እዞም ጸገማት’ዚኦም ግን ብዓይኒ ሕብረት ሶቭየት: ብቐሊሉ ዝፍታሑ ኢዮም: ኩባን ምብራቕ ጀርመን ከምዝኣትዋ ጌርካ ወተሃደራዊ ሓገዛተን ምግባር ኢዩ::

ነቲ ኣብ ሰሜን ዝነበረ ኩነታት’ውን ብተመሳሳሊ ይብል ራቶኖቭ „ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ: ንኢትዮጵያ ትንፋስ ክትረኽበሉ ትኽእል ዕድል ፈጢርካ: ኩሉ ኣንፈታ ኣብ ግምባር ምብራቕ ጥራይ ከምዘተኮር ምፍታን ኢዩ::“ ኣብዚ: ግን ክልተ ቀለልቲ ጸገማት ነይሮም:: ፈለማ: (….) መሪሕነት ኢትዮጵያ: ንህዝቢ ኤርትራ: መሰል ርእሰ-ምሕደራ ኣብ ዝጸንሑ ዶባቱ ከፍቀደሉ ቁሩብ ኣይነብረን:: መሪሕነት ኢትዮጵያ ኣብዚ መርገጺ ቀጺሉ ከኣ: ናይ ዘተ ባይታ ክንጸፍ ኣይክእልን ኢዩ:: ስለዚ: ሕብረት ሶቭየት: ሓደስ ግዜ ንምኽሳብ ዕድል ዝህብ ደኣ ይኹን’ምበር: እዚ ፈተነ’ዚ: ከምዝፈሽል’ዚ ዝግምትዎ ዝነበሩ ይመስሉ:: ካልኣይ: ከኣ ሓደ „ተክኒካዊ“ ጸገም ነይሩ:: „ ሕብረት ሶቭየት: ምስ ምንቅስቓሳት ኤርትራ ዋላ ሓደ ዓይነት ርክብ ኣይጸንሖን::“ ይብል ኣብ ሓደ ሰነድ:: „ ካብ ንምብራቕ ጀርመን: ንዓና ስለዝኸብድ: ምብራቕ ጀርመን እንተድኣ ምስ ሓይልታት ኤርትራ ክትሰርሕን: ከተራኻኽብን እንተኺኢላ ዝሙገስ ኢዩ::“

ኣብ ትንተና ሕብረት ሶቭየት: ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኩነታት: ንመጻኢ ምዕባለታት ዝነበረ ግምታት: ዝተጻወቶ ኣገዳሲ ተራ ነይርዎ:: ሓደ ኡልያኖቭስኪ ዝተባህለ ኣይድዮሎጂስት ናይቲ ሰልፊ: ናብቲ ድሕሪ „ናጽነት“ ኤርትራ ዝፍጠር ሰናርዮ ኣመልኪቱ: እዚ ዝስዕብ ጺሒፉ: „ሓደ ዓረባዊ ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ስዑዲ ዓረብ: መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ናብ ምጽዋዕ ከስዕብ ማለት ኢዩ:: ስለዚ ሓራ ኤርትራ ማለት: ወድቀት ሰውራዊት ኢትዮጵያ: ከምሳዕቤኑ ከኣ ሶማልያ: ህ.ደ.ረ. የመን ማለት ኢዩ:: እዚ ኣብ ኩነታት ህንዳዊ ውቅያኖስ ጽልዋ ኣለዎ:: እዚ ኸኣ ንኣህጉራዊ ደርቢ ሸቃሎ: ንሰውራዊ ምንቅስቓሳት: ንህዝቢ ኤርትራ ንባዕሉ: ምቹእ ኣይኮነን::“

ለ) ሊብያ

ብዘይካ ምስ ሕብረት ሶቭያት ምትሕብባር: ብዙሕ ዘይተጸንዐ ኣገዳሲ ምትሕብባር ኣብ ሞንጎ ሊብያን ምብራቕ ጀርመንን ነይሩ::

ረብሓ ሊብያ ኣብዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነጥብታት ክጠቓለላ ይኽእላ:-
1. ሊብያ: ብምኽንያት ናይቲ ኣብ ፈለማ ሰብዓታት ብናህሪ ዋጋታት ነዳዲ:
ሓንቲ ካብተን ዝሃብተማ ኣፍራይት ነዳዲ ብምዃና: ዘይተኣደነ ሃብቲ ባጤራ ወጻኢ ኣዋህሊላ ኢያ:: እዚ ሃብቲ’ዚ ንውሽጣዊ ልምዓት ጥራይ ዘይኮነ: ንልምዓታዊ ፕሮጀክት ኣብ ካልኦት ሃገራት ክትጥቀመሉ ጀሚራ::
2. ኣብ መሪሕነት ናይ’ዚ ስርዓት’ዚ ኸኣ ናይ ጸጋም ሃገራዊ ኣተሓሳስባ
ዘለዎም ወተሃደራት ብምንባሮም: ኣንጻር „ዓረባዊ ምድሕርሓር“:
„ሃጸይነት“: „ጽዮናውነት“ ዝኾነ መርገጺ ነይርዎም:: (….)
3. እዞም ወተሃደራት’ዚኦም: ኣብ ልምዓታዊ ፖሊሲኦም: ብመሰረቱ
ዘመናውያን ኢዮም ነይሮም:: እዚ ማለት ከኣ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ:
ርትዓዊ: ኣድማዕቲን ኣዝዮም ልዑል ተክኖሎጂያዊ ምዕባለ ዝጠልቡ
ፍትሓት ይድግፉ ነይሮም::

ስለዚ ምስ ምብራቕ ጀርመን: ዝግበር ምትሕብባር: ንክልቲአን ወገናት ዝጠቅም ኢዩ ነይሩ:: ምብራቕ ጀርመን: ዱልዱል ዝኾነ ኢንዱስትርያዊ ሰረት ክነብራ ከሎ: ከቢድ ሸርፊ ወጻኢ ግን ትውንን ኣይነበረትን:: በንጻሩ ሊብያ ከኣ ዋላ ሓደ ኢንዱስትርያዊ ሰረት ዘይነበራ: ብከቢድ ሸርፊ ወጻኢ ግን ኣዝያ ሃብታም ነይራ:: ብተወሳኺ: ከኣ ብዛዕባ ጸላኢ ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ነይርወን:: ክልቲአን ኣንጻር „ዓረባዊ ምድሕርሓር“: „ሃጸይነት“: „ጽዮንነት“ ኔረን:: ኣብ ከባቢ ሃገራት ዓረብ ዝነበረን ገምጋም ከኣ ተመሳሳሊ ነይሩ:: ኣብ ደገፍ „ግንባር ጽንዓት“ ሓደ ኣረኣእያ: ስለዝነበረን: ብዛዕባ ወተሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ: ኣወንታዊ ገምጋም ነይርወን::

ካብዚ ዝተላዕለ: ኣብ ሓጋይ 1977: ኣብ ሞንጎ ምብ/ጀርመንን ሊብያን እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ዘለዎ ውዕል ከቲመን:- „ካብ ቁጠባውን: ኢንዱስትርያውን: ሳይንስ-ተክኒካዊን ፊናንስያውን ዘሎ ተኽእሎታት ተበጊሰን: ክሊቲአን መሻርኽቲ ውዕል: ንዝተሓርያ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም: ብሓባር ንልምዓተን ክሰርሓ ወሲነን:: (…..) እቲ ቁጠባውን ኢንዱስትርያውን ምትሕግጋዝ ኣብ ዝተሓርያ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም: ብወገን ምብ/ ጀርመን ከምዚ ይመስል ነይሩ:-
ቀረብ ምሉእ ፋብሪካታትን መሳርሕታትን: ካልኦት ሃለኽቲ ነገራት ዘጠቓለሉ ንብረታትን ናብ’ዘን ሃገራት
ዳህሳስን: ኩዕታን: መፍረን: ምምስራሕን ጥረ ነገራትን መፍረ ፍርቂ መስርሑ ዝወደአ ምህርቲ ኣብዘን ሃገራት’ዚአን
ንመደባት ወፍሪ ዝሕግዙ: ምድላው ተክኒካውን ቁጠባውን መጽናዕትታት:
ምልኣኽ ኪኢላታት: ብሕልፊ ምስቶም ናብዘን ሃገራት’ዚአን ዝቕረቡ መሳርሕታትን ሓገዛትን ምብ/ጀርመን ኣተሓሒዝካ

ህዝባዊ ማሕበርነታዊ መንግስቲ ሊብያ: ብወገኑ: ነቲ ናብ ምሩጻት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ዝለኣኽ ንዋትን ኣገልግሎትን ምብ/ጀርመን: ዋግኡ ክትከፍል ቅሩብነታ ትገልጽ:: ምእንትዚ ምስተን ሃገራት ውዕላት ክትፍርምን: ሰነዳት ናይ’ቲ ካብ ምብ/ጀርመን ዝተረከበኦ ንዋትን ኣገልግሎትን ምስ ኣቕረባ: ሊብያ ነቲ ዋጋታት ንምብ/ጀርመን ከምትኸፍል ኣረጋጊጻ:: ከምኡ’ውን ነዚ ዝኸውን LC ምኽፋት ምስዘድሊ’ውን ሊብያ ንዕኡ ዝኸውን ገንዘብ ክትቅርብ ምዃና መደባ ኣረጋጊጻ::

ኣብዚ ውዕላት’ዚ ቀንዲ ኣገዳሲ እቲ ፕሮጀክትታት ኢዩ:: እሱ ኸኣ ብቐንዱ ኣብዘን ዝስዕባ ሃገራት ዝተኮረ ኢዩ ነይሩ: ሲርያ: ኣንጎላ: ሞዛምቢክ: ኢትዮጵያ:: እቶም ናይ ስርያ ፕሮጀክትታት: ብዓይኒ ትርጉምን ዕብየት ክብርን ነቲ ልምዓት ናይታ ሃገር: ክርአ ከሎ: ብቐዳምነት ዝስራዕ ኢዩ:: ከም ኣብነት: ኣብ መደብ ዝነበሩ ክልተ ፕሮጀክትታት: ሓደ ኣስታት 725 ሚሊዮን ዶላር ኣመሪካ ዝዋግኡ ብሉጽ ዝኾነ መታል (steel) ዘፍሪ ኢንዱስትሪ ምትካል: ካልኣይ: ወፍሪ 44 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ብምግባር: ሓደ ሰመንት ኢንዲስትሪ ምህናጽ ኢዩ:: ብተወሳኺ: ካብቲ ቀንዲ መለለዪ: ንወጻኢ ዝልኣኽ ኢንዱስትርያዊ ምህርቲ ምብ/ጀርመን: መኻይን ጽዕነት ከም W-50 ዝኣመሰላ: ኮምባይን ሃርቨስተርስ: ትራክተራት ብዕድጊ ክወሃባ ኣብቲ መደብ ነይሩ:: ፕሮጀክትታት ኢትዮጵያ ከኣ ብካልኣይ ደረጃ ተሰሪዖም ነይሮም:: ገለ ካብቶም ዝተሰርሓሎምን ዝተተግብሩን ፕሮጀክትታት ምህናጽ ወደብ ዓሰብ: ምትካል ፋብሪካ ሰመንት: ፋብሪካ ማእለማ ጡጥ: ፋብሪካ ዘይቲ ይጥቀሳ:: እዚ ውዕል’ዚ ክታም ክንበረሉ ኣብ ዝኽእል ደረጃ ተዳልዩ ነይሩ:: ብዘይ’ዚ ከኣ: ብዛዕባ ኣስታት 200 ሚልዮን ስዊስ ፍራንክ ዝበጽሕ ክፍሊት ሊብያ ንምብ/ጀርመን: ስምምዕ ተበጺሑ ነይሩ::

ድሕሪ’ዚ ግን ሓደ ፍጻሜ: ብሃንደበት ንኹሉ ቀያይርዎ:: እሱ ኸኣ እቶም ተዛተይቲ ምብ/ጀርመን ዝነበሩ ቨርነር ላምበርስን ፓውል ማርኮቭስኪን በዘጋጠሞም ሓደጋ ሀሊኮፕተር ሞይቶም::

እቲ ኣብዚ ዝነበረ ኩነታት ረብሓታት ኣብ ግምት ክኣቱ ከሎ: እዚ ሓደጋ’ዚ: ቀሊል ዘጋጠመ ሓደጋ ሀሊኮፕተር ጥራይ ኢዩ ኢልካ ትጠራጠር:: በቲ ካልእ ኣንጻር ከኣ: ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ: ሓደጋ’ዩ ማለት ቅትለት’ዩ ኢልካ ክትዛረብ ከኣ: ጭብጥታት ወይ ዕቱብ ምልክታት የለዉን::

እዚ ኸኣ በጠቓላሊ ኣብቲ ጉዳይ ዓቢ ናይ ሕቶ ምልክት ኣሎ::

ኣገዳሲ ኮይኑ ዝርከብ: እቲ ፕሮጀክት ኢዩ:: እዚ ኸኣ ምብ/ ጀርመን ከም ተዋሳኢት: ወካሊት ረብሓ ሕብረት ሶቭየት’ኳ እንተኾነት: ናይ „ገዛእ ርእሳ“ ሽርክነታት’ውን ምስ ካልኦት ሃገራት ትፍጽም ከምዝነበረት ኢዩ:: እዚ ኸኣ ናይ ግድን ደገፍ ን„ግስጋሰን ማሕበርነትን“ ማለት ከምዘይነበረ: እቲ ነቲ ብምንግስቱ ሃይለማርያም ዝምራሕ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ቅብጥሮትን ሕንቃቐን የርእየካ::

ሐ) ግላዊ ረብሓ ምብ/ጀርመን

ከምቲ ፖሊሲ ምብ/ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ካብ ሃገራዊ ረብሓኣን ካብቲ ምውህሃድ ምስ’ቲ ብሕብረት ሶቭየት ዝምራሕ ኪዳን ሓይሊን ጥራይ’ዩ ዝብገስ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን:: ስለዚ „ሃገራዊ ግላዊ ረብሓኣ“ ኣብ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ዝነበራ ፖሊሲ እንታይ ይመስል ነይሩ: ዝበሃል ሕቶ ቅቡል’ዩ:: ንኣብነት: እቲ ኣብ 1977 ኣብ ምብ/ኣፍሪቃ ዘርኣየቶ ንጡፍ ተዋሳእነት: ፍሉይ ረብሓ ስለዝነበራ ኢዩ:: እዚ ኸኣ ቀጥታዊ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ፈለማ ሰብዓታት ዝነበረ ቁጠባዊ ረብሓ ምብ/ጀርመን: ኢዩ::

(…..) እቲ ቁጠባዊ ኩነታት ምብ/ጀርመን ኣብ ፈለማ ሰብዓታት ከምዚ ዝስዕብ ክጠቓለለ ይኽእል:-
1. መሪሕነት ሰልፊን መንግስትን ምብ/ጀርመን: ቁጠባውን ማሕበራውን ፖሊሲ ሓደ ዘይፈላለይ ኣካል ገይሩ ከምዝወስዶ: (…..) ከምኡ ስለዝነበረ: ብዙሕ ጽላታት ብድጎማ ይኸይድ ምንባሩ
2. ኣብቲ ኣህጉራዊ ዕዳጋ ዋጋታት ጥረ ነገራት ብፍላይ ነዳዲ: ብምንሃሩን ብፍላይ ከኣ ኣብ 2ይ ክፋል ሰብዓታት ኣብ ልዕሊ ምብ/ጀርመን ከቢድ ሃስያ ስለዝነበሮ ኢዩ:: ኣብዚ ክፍለጥ ዝነበሮ: ቀንዲ እታው ነዳዲ ምብ/ጀርመን ተቕርብ ዝነበረት ሕብረት ሶቭየት: ብምንባራ: ዋጋታት ከምቲ ህሉው ዋጋታት ኣብ ኣህጉራዊ ዕዳጋ ኣይነበረን:: እንታይ ደኣ: ካብቶም ናይ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ዝነበሩ ዋጋታት ገምጋም ኢያ ተኽፍል ነይራ:: እዚ ግን ነተን ዓማዊላ ሃገራት ምብ/ኤውሮጳ ካብ ክቡር ዋጋታት ነዳዲ ምኽፋል ኣየድሓነንን:: (….)
3. ምብ/ጀርመን ኣብቲ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነበረ ተክኖሎጂያዊ ውድድር ካብ ዓመት ንዓመት እንዳድሓረት ትኸይድ ነይራ:: እዚ ክስተታት’ዚ ኣብ 1977 ክርአ ጀሚሩ:: (….)
4. ነዚ እንዳዓበየ ዝኸደ ፊናንስያዊ ሃጓፋት ንምምላእ: ካብ ምዕራባውያን ሃገራት እንዳተለቀሐት ክትሽፍኖ ጀሚራ:: ኣብ 1970 ዝነበረ ዕድኣ ካብ 2 ቢልዮን ማርክ ምዕ/ጀርመን ክሳብ 1975 ናብ 11 ቢልዮን: ክሳብ 1980 ከኣ ናብ 25 ቢሊዮን ደይቡ::

መሪሕነት መንግስትን ሰልፊን ምብ/ጀርመን: ነዚ ሽግራት’ዚ ንምግጣም ፖሊሲ „ሰገን“ ክኽተል መሪጹ:: ብመሰረቱ: ዝነበረ ኩነታት ከይተቐየረ ከም ቀደሙ ክቕጽል መዲቡ:: ሆነከር ብዛዕባ ቁጠባዊ ፖሊሲ ክምድር ከሎ: „ዋላ ሓንቲ ነገር’ውን ንቕይሮ የብልናን ኢሉ::….“:: ማዕረማዕረ’ዚ ግን: ሰላሕታዊ ዝኾነ ብሕቡእ መገዲ: እቲ ፖሊሲ: ቁጠባ ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ ክስርሓሉ ጀሚሩ:: ኣብ ገለ ጽላታት ሓያል ባጤራታት ከምዝጎድል እንዳተገብረ: ኣብ ካልእ ከኣ ከምዝውህለል ይግበር ነይሩ::

ኣብዚ መደብ’ዚ እታውን ሃልኪ ቡን ንምንካይን ዝወጸ ፈተነ: ዝተጻወቶ ተራ ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይነበረን:: እዚ ኸኣ: ነቲ ፖሊሲ ምብ/ጀርመን ኣብ ልዕሊ’ተን ቡን ንወጻኢ ዝልእካ ሃገራት ኣፍሪቃ: ብፍላይ ንኢትዮጵያ ከቢድ ሳዕቤን ነይርዎ::

ምብ/ጀርመን: ነቲ ሃልኪ ቡን ንምቕያር ዝወሰደቶ ስጉምትታት: ከም’ዚስዕብ ክጠቓለል ይኽእል:-
ፈለማ: ነቲ ብ“ኮስታ“ ዝጽዋዕ ቡን: ብዘይቅድመ ሓበሬታ ካብ ዕዳጋ ተሳሒቡ:: እሱ ኸኣ በቲ „ሞና“ ዝበሃል ዓይነት ቡን ከምዝትካእን: 60% ናይቲ ዝሃልኽ ክሽፍንን ተገይሩ:: እዚ ዓይነት ቡን’ዚ 80.- ማርክ ንኪሎ ይሽየጥ ነይሩ:: ካልኣይ: እቲ ብ „ሮንዶ“ ዝበሃል ቡን ከኣ: ንኪሎ 70.- ማርክ ኮይኑ ዋግኡ: 15% ናይ’ቲ ሃልኪ ክሽፍን ተባሂሉ:: ሳልሳይ: እቲ ብ „ሞካ ፊክስ“ ዝፍለጥ ቡን ከኣ: ብ 70.- ማርክ ንኪሎ ዝሽየጥ ኮይኑ: 5% ናይ’ቲ ሃልኪ ክሽፍን ተወጢኑ:: ራብዓይ: ከኣ ሓደ ብ „ሕውስዋስ“ ዝፍለጥ ቡን: ብ 48.- ማርክ ዝሽየጥ ኮይኑ: 20% ናይ’ቲ ሃልኪ ክሽፍን ተባሂሉ::

እዚ ኸኣ ዋጋ ቡን ኣዝዩ ከምዝንሃረ የንጸባርቕ:: ንሓደ ኪሎ ካብ’ቲ ብሉጽ ወይ ማእከላይ ዓይነት ቡን ንምግዛእ: እቲ ተጠቃሚ ህዝቢ ክቡር ዋጋ ክኸፍል ተገዲዱ ማለት ኢዩ:: ሓደ ኪሎ „ኮስታ“ ቀደም 60.- ማርክ „ጥራይ“ ነይሩ ዋግኡ:: ሓደ ኪሎ „ሞና“ ቡን ግን 80.- ማርክ ቀጺሉ:: ሓደ ኪሎ „ሮንዶ“ ወይ ከኣ „ሞካ ፊክስ“ ከኣ ብ 70.- ቀጺሉ:: እዚ ማለት ከኣ: ህዝቢ ነቲ ብሉጽ ዓይነት ቡን ካብ 10.- ክሳብ 20.- ማርክ ዝያዳ ክኸፍለሉ ጀሚሩ:: ብተወሳኺ ናይቲ ሕስር ዝበለ ቡን: ዓይነቱ ዝያዳ እንዳተበላሸወ ከይዱ:: ንኣብነት እቲ „ሕውስዋስ“ ዝበሃል ዓይነት ቡን: 51% ቡን ክኸውን ከሎ: 49% ስገም ዝተሓወሶ ኢዩ::

እቲ ከም መተካእታ ዝርአ ዓይነት ቡን ፍርቁ: ስገም ምዃኑ: እቲ ሓቂ ንህዝቢ ኣይተነግሮን:: በንጻሩ: ነቲ መቐረት ቡን: ዝያዳ ዘጥዕም ቀመማት ተሓዊስዎሎ እንዳተባህለ ይሕበር ነይሩ:: እዚ ነቲ ሓቂ ንምሽፋን ዝውሰድ ዝነበረ ስጉምትታትን: ኣቲ ቡን ሓመድ-ሓመድን ዝጥዕም ምንባሩ: ህዝቢ ኣዝዩ ኣቖጢዕዎን ኣማሪሩን ኢዩ:: ኣብ ሓደ ኣብ ከተማ ካርል ማርክስ ትርከብ ቤት ዕዮ ሸቃሎ: ሃንደበታዊ ስራሕ ደው ብምባል ኣዲሞም ኢዮም:: ብሰንኪ’ዚ ኣስታት 50 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ናይ’ቲ መንግስቲ ተኣሲሮም ይበሃል::

ኪኢላታት ቁጠባ ምብ/ጀርመን: ግን እቲ ካብኦም ወጻኢ ዝህብዎ ዝነበሩ ምልክታት: ቡን ብዝጥዕም ውሑድ ዋጋ ከምዝገዝእዎ ኢዩ:: ኣብ’ዚ ጻዕሪ’ዚ ከኣ ምስተን ሓደሽቲ ካብ መግዛእቲ ፖርቱጋል ሓራ ዝወጻ: ቡን ዘፍርያ ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን ምስ ኢትዮጵያን ርክባቶም ፍሉይ ትርጉም ክረክብ ጀሚሩ:: እዘን ሃገራት’ዚአን ኣገደስቲ ኣፍረይቲ ቡን ኮይነን: ቀንዲ ዕዳጋታት ቡነን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ኢዩ:: እቶም ካብ 1974 – 1977 ፖለቲካዊ ለውጥታት ብዘንቀልዎ ግን: ምስ’ተን ማሕበርነታውያን ሃገራት መሰረታዊ ዝኾነ „ክፉትነት“ ብምርኣይ: ዝምድናታት ተጀሚሩ::

ኪኢላታት ቁጠባ ምብ/ጀርመን: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣለክሳንደር ሻልክ-ጎሎድኮቭስኪ: ነዚ ኩነታት’ዚ: ነቲ ናይ ቡን ዝነበረ ጸገማቶም ከም መፍትሒ ክምዝምዝዎ ፈቲኖም:: ሓደ ካብ ጉንተር ሚታግ ዝመንጨወ ሓበሬታ ከምዘረጋገጾ: ኣብ 1977 እዚ ዝስዕብ ውዕላት ምስ ኣንጎላ: ሞዛምቢክ: ኢትዮጵያን ክፍረሙ ብምኽኣሎም: ብድምር 15000 ቶን ቡን ካብአን እታው ከገብሩ ተሰማሚዖም:: „ብመሰረት ፍሉይ ውዕል ምስ ማሕበርነታዊ ሃገር ኢትዮጵያ: ከኣ ን1978: 10 000 ቶን ቡን ቀረብ ክርከብ ኢዩ:: እቲ ነዚ ጥረ ቡን ዝኸውን ክፍሊት ከኣ ኣቑሑት ምብ/ጀርመን ናብ’ታ ሃገር ብምልኣኽ ክኸውን ኢዩ:: እቲ ክልኣኽ ዝበሃል ዘሎ ኣቑሑት ብፍላይ: እቲ ኣብተን ማሕበርነታውያን ዘይኮና ሃገራት ዕዳጋ ዝሰኣነ ኢዩ:: (ንኣብነት: መኪና ጽዕነት W 50). ትግባረ ናይ’ዚ እታውን ወጻእን ውዕላትን ከኣ: ነቲ ጾር ሚዛን ምጣነ ሸርፊ ከፍኩሶ ኢዩ::“

እቲ ንትግባረ ናይ’ዚ ውዕላት’ዚ ዝተሃንደሰ „ቅዲ ንግዲ“: ብቐሊሉ ኣብ ለውጢ ኣቑሑት ዝዓለመ ኢዩ:: ንኣብነት: ምብ/ጀርመን ኣስታ 70 000 ብረታት ምስ ጠያይቱን: ንኣጋር ሰራዊት ዝኸውን መሳርሕታት ከም 500 መኪና ጽዕነት: ክትህብ ከላ: ኢትዮጵያ ከኣ: ኩሉ’ቲ ኣብ መኽዘናት ወደብ ዓሰብ ዝነበረ ብድምር 10 000 ቶን ቡን ቀሪባ:: እዚ ኸኣ ሓደ ርብዒ ናይ ምህርቲ ቡን ኢትዮጵያ’ውን ኣይከውንን:: ምብ/ጀርመን ነቲ ዝነበራ ጸገም:
ቡን በዚ ዝተጠቕሰ ኣገባብን ብሕስር ዝበለ ዋጋን ምርካብ ፈቲሓቶ ኢያ:: ብተወሳኺ: ከኣ ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ: ዕዳጋታት ዘይረኸቡን ክወዳደሩ ዘይክእሉን ምህርታ ዕዳጋ ምርካቦም ንዓኣ ኣርቢሕዋ ኢዩ:: ወተሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ: እቲ ብህጹጽ ኣንጻር መጥቃዕቲ ሶማልያን ውሽጣዊ ተቓውሞን ንምክልኻል ዘድልዮ ዝነበረ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ብምርካቡ ጸገሙ ፈቲሑ::

8. ክትዕ ብዛዕባ’ቲ ገምጋም

ኣብ ምብ/ጀርመን: ቅድሚ 1989: ነቲ ክሳብ ሽዑ ኣብ ሃገራት 3ይ ዝነበረ ንጥፈታት ምብ/ጀርመን: ብነቐፌታዊ ዓይኒ ተገምጊሙ ኣይፈልጥን:: ኣብ ምዕ/ጀርመን ግን ነቐፌታዊ ገምጋም ይዛይድ ነይሩ:: እቶም ድሕሪ 1989 ዝተኻየድዱ መጽናዕታት: ሃቀነኦም: ነቲ ዝነበረ ግድል ተጻራሪ ገምጋማት ንምፍታሕ ኢዩ::

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...