January 3, 2013

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘቃንዖ ኣኼባ፣ ኣብ ‘ሃገራዊ ውጥን ምዕባለ ሕርሻ 2013’ን ናይ ትግባረ ዝርዝራቱን ዘትዩ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘቃንዖ ኣኼባ፣
ኣብ ‘ሃገራዊ ውጥን ምዕባለ ሕርሻ 2013’ን
ናይ ትግባረ ዝርዝራቱን ዘትዩ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘቃንዖ ኣኼባ፣  ኣብ ‘ሃገራዊ ውጥን ምዕባለ ሕርሻ 2013’ን  ናይ ትግባረ ዝርዝራቱን ዘትዩ።

ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ታሕሳስ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ርክባት ኮይኑ፣ ካቢነ ኣብ’ዚ ናይ 3 ጥሪ ርክቡ፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባታቱ – ከም መርሓ ገምጋማትን ኣቀራርባ መጻኢ ውጥናትን ከገልግል ኣብ ምርድዳእ ዝበጽሓሉ ወረቐት ስራሕ መሰረት ብምግባር ዝተዳለወ ‘ሃገራዊ ውጥን ምዕባለ ሕርሻ 2013’ን ናይ ትግባረ ዝርዝራቱን’ዩ ተመልኪቱ። ንትግባረኡ ዝጥለብ ባጀት ብምርኣይ’ውን ኣስፊሑ ተመያዪጡ።

ካቢነ ሚኒስተራት ዝዘተየሉ ‘ሃገራዊ ውጥን ምዕባለ ሕርሻ’፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ደረጃ ብደረጃ ክሰላሰል ዝጸንሐ መደባት ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ዝያዳ ንምጥንኻር ዝዓለመ’ዩ። በዚ መሰረት፣ ካቢነ፣ ፈለማ ኣብዚ ጽላት’ዚ ዝነጥፍ ዘሎ ሃገራዊ ዓቕሚ ብፍቕዲን ሞያውነትን እንታይ ከም ዝመስል ብምርኣይ፣ ብቕዓቱን ኣፍራይነቱን ንምሕያል ኣብ ዝተታሕዘ ስትራተጂ’ዩ ዘትዩ። ቀጺሉ ድማ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ኣብ ጽላት ሕርሻ ካብ ዓመት ንዓመት ክውህለል ንዝጸንሐ ዕብየት ገስጋሱ ብምግምጋም፣ ኣብ ዓመተ 2013 ዝበረኸ ጥሙር ዕብየት ንምርግጋጽ፣ ብዝናባዊ ይኹን መስኖኣዊ ሕርሻ ንውሽጣዊ ሃልኪን ሰደድን ዝቐንዕ ዝተፈላለየ ዓይነት ምህርቲ ንምኽዕባት፣ ከምኡ’ውን ሃብቲ እንስሳን ውሕስነት መግቢ እንስሳን ንምስሳን ኣብ ዝተታሕዘ መደባት ስራሕ ኣስፊሑ ዘትዩ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ብተወሳኺ፣ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከም ስሩዕ ፕሮግራም ቀጺሉ ኣድማዒ ስንብራት ዝገድፈሉ ኩነት ንምፍጣር፣ ከምኡ’ውን ዓቕሚ ክዘና ማይ ንምዕባይን መስኖኣዊ ትሕተ-ቅርጺታት ንምውዳድን ኣብ ዝተታሕዘ ውጥናትን ፕሮጀክትታት ልምዓትን ብዕምቈት ድሕሪ ምዝታይ፣ ሕርሻ ካብ ጉልበታዊ ዕዮ ናብ መካናይዘሽን ንምቕያር፣ ሕርሻዊ ምርምርን መጽናዕቲታትን ንምስፋሕ ኣብ ዝተሳእለ ውጥናት ስራሕን ኣብ ካልኦት ፕሮግራማትን ሰፊሕ ምይይጥ ኣካዪዱ።

ካቢነ ምስዚ ጽላት’ዚ ኣተኣሳሲሩ፣ ብደረጃ ሃገር ዘሎ ናይ መግቢ እታው መጠኑ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ዘብርህ – ዝርዝራዊ ሓበሬታ ዓይነት እታዋት መግቢን መጠን ወጻኢታቶምን ድሕሪ ምምልካት፣ ፕሮግራማት ሕርሻ ዝዓበየ ጠመተኡ ናብ ምትካእ እታዋት መግቢ ቀኒዑ፣ ሰደድ ምዕባይ’ውን ከም ተወሳኺ ዕላማ ልዑል ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ብዝሓየለ ውዳበን ድራኸን ክስራሓሉ ዘኽእል ውጥን ስራሕ ብምጽዳቕ ኣኼባኡ ዛዚሙ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Eritrean community festival in Germany

President Isaias encourages national cycling team

Cabinet of Ministers holds meeting

Senior delegation holds talks with Chad President

Eritrean delegation participates at TICAD...

National Association of Public Health Founding...