May 16, 2013

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ንክራማት 2013 ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ምቅርራባት ዘትዩ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ንክራማት
2013 ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ምቅርራባት ዘትዩ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ንክራማት 2013 ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ምቅርራባት ዘትዩ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ንክራማት 2013 ብደረጃ ሃገር ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ምቅርራባት ንምዝታይ ብ16 ግንቦት ኣብ ዘቃነዖ ኣኼባ፣ በብዞባኡ ተታሒዙን ዝትግበርን ዘሎ መደባት ብመንጽር ትንቢት ዝናብን ዝሓቶ ጸጋታትን ብዝርዝር ተመልኪቱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘቕረቦ ሓፈሻዊ መእተውን መማእዘኒ ነጥብታትን፣ ቆፎኻ ከይመላእካ ብዛዕባ ካልእ ጽላታትን መደባትን ምዝራብ ከምዘይከኣል፣ እዚ ድማ ካብ ዝናብ ክራማት ጥራይ እናተጸበኻ ክሰምር ዝኽእል ስለዘይኮነ፣ ዘላቒ ፍታሕ ንምርግጋጽ ኣብ ምስፍሕፋሕ መስኖኣዊ ልምዓት፣ ምግባር ደገፍ ንእዋናዊ ሽግራት፣ ወለንታዊ ምግዓዝ ናብቲ ዝለምዕ ከባቢታት፣ ከምኡ’ውን ምድንፋዕ ኣፍራይነት ካልኦት ጽላታት ብዕቱብ ክስራሓሉ ከምዝግባእ ብምጥቃስ፣ ኣብዚ መዳይ’ዚ ምውህሃድ ምምሕዳራትን ዝምልከተን ኣካላትን ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

“ኣብ ዝናብ ጥራይ ዝምርኰስ ሕርሻዊ ንጥፈታት ኣየዋጽእን’ዩ” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ነቲ ዝርካቡ ዝናባዊ ጸጋታት ብዝግባእ እናተጠቐምካ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ መስኖኣዊ ኣገባብ ምስግጋርን ነቲ ገዚፍ ወፍሪ ዝተኻየደሉ ቀረብ ማሽነሪን ቴክኖሎጂን ብሰፊሑ ምጥቃምን ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ዜጋታት ብሓፈሻ ኣብ’ቲ ዝጥቀስ ሕርሻዊ ጸጋታት ዘይብሉ ከባቢታት ዝነብሩ ድማ ብፍላይ፣ ብወለንታኦም – ብቐዋምነት ወይ ብተመላላስነት ናብ’ቲ ዝለምዕ ከባቢታት ግዒዞም ከምዘፍርዩን ነብሶም ከምዝኽእሉን ንምግባር፣ ከም ፈተነ ኣብ 2013 ተታሒዙ ምህላዉ ኣብሪሁ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፣ ጐኒ-ጐኒ’ቲ መስኖኣዊ ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምድንፋዕ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፣ ኣፍራይነት ካልኦት ጽላታት ከም ሃብቲ ባሕሪን ሃብቲ ጥሪትን ምዕባይ’ውን ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ብምምልካት፣ እዚ’ውን ከም መደብ ተታሒዙ ልዑል ቈላሕታ ክወሃቦ ከምዝግባእ ኣነጺሩ።

ኣብቲ ኣኼባ፣ ሚኒስተራት ሕርሻን ዞባዊ ምምሕዳራትን በብወገኖም፣ ንኩነታት ዝናብ ኣዝመራ፣ መደባት ማሕረስ፣ ንማሕረስ ተዳልዩ ዘሎ ስፍሓት መሬት፣ ምብዛሕን ምዝርጋሕን ዝተመሓየሸ ዘርኢ፣ ተጠቃምነት ድዅዒ፣ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ’ውን ካልእ መደባት ዝምልከት መብርሂ ኣቕሪቦም።
ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ንጹር መደብ ምህላውን ትንቢት ክራማት ምፍላጥን ንዝግበር ምድላዋትን ዝወፍር ጸጋታትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ብዕቱብ ክስራሓሉ፤ ዜጋታት ናብቲ ኣብ ትሕቲ ዲጋታት ዝለምዕ ከባቢታት ሰፊሮም በብዓቕሞም ከልምዑ ዝውሰድ ስጕምቲ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ክድፋኣሉ፤ ምዕዛዝ ኣበርክቶ ካልኦት ጽላታት ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ተለልዩ ብውህደት ክስራሓሉ፤ ከምኡ’ውን ትንቢት ኩነታት ክሊማ ምፍላጥ ኣገዳስነቱ ልዑል ስለዝኾነ፣ ምውዳድ ሃገራዊ ዘመናዊ ማእከል ሓበሬታ ቀዳምነት ክወሃቦ ብሰፊሑ ተመያዪጡ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Address By Eritrea’s Foreign Affairs Minister To...

Eritrean community festival in Germany

President Isaias encourages national cycling team

Cabinet of Ministers holds meeting

Senior delegation holds talks with Chad President

Eritrean delegation participates at TICAD...