December 18, 2012

ካልኣይ ዋዕላ ቍጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ተኸፊቱ።

ካልኣይ ዋዕላ ቍጠባዊ ወፍሪ
ኣብ ኤርትራ ተኸፊቱ።

ካልኣይ ዋዕላ ቍጠባዊ ወፍሪ  ኣብ ኤርትራ ተኸፊቱ።ካልኣይ ዋዕላ ቍጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ፣ “ልምዓት ህዝቢ፣ ብህዝቢ ንህዝቢ” ብዝብል ቴማ ሎሚ 17 ታሕሳስ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቀትሪ ተጀሚሩ።

ኣብ መኽፈቲ ናይ’ዚ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልዕሊ 700 ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ዝሳተፍዎ ዘለዉ ዋዕላ፣ ዳይረክተር ማእከል ወፍሪ ኤርትራ ዶክተር ወልዳይ ፍጡር ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ኤርትራውያ ኣውፈርቲ – መንግስቲ ንዘቕረቦ ናይ ወፍሪ ጻውዒት ተቐቢሎም ብኸምዚ ድሙቕ አገባብ ክሳተፉ ምርኣይ፣ መግለጺ ናይቲ ኣብ ሃገሮም ዘለዎም እምነትን ፍቕርን ምዃኑ ብምሕባር፣ ንተሳተፍቲ ኣብ ፖለሲታት ወፍሪን ዘሎ ተኽእሎታትን ዘተኰረ ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም ብወገኑ ንፊናንሳዊ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፣ ብመሰረት ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ቍጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ዝፈሰሰ ሓሳባት፣ ነዚ ንኣትዎ ዘለና መደረኽ ወፍሪ ንቊጠባዊ ዕብየት ዝያዳ ንምምችቻእ መንግስቲ ሓደ ሓደ ናይ ፖሊሲ ምትዕርራይ ክገብር ወሲኑ ምህላው፤ እዚ ምትዕርራይ ድማ ካብ መጀመርያ 2013 ኣብ ግብሪ ንኽስራሓሉ ኣድላዪ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ኣብ’ዚ ንክልተ መዓልታት ዝቕጽል ሃገራዊ ዋዕላ ቍጠባዊ ወፍሪ፣ ኣብ ምዕማቝን ምስፋሕን ሱታፌ ዜጋታት ኣብ ቍጠባ፤ ተኽእሎ ወፍሪ ኣብ ጽላታትት ሕርሻ፣ መሳንዕን ቱሪዝምን፣ ከምኡ’ውን ወፍሪ ማዕከን መልዕሎን ምዕዛዝ ሱታፌ ደቂኣንስትዮ ኣብ ወፍሪ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ቀዳማይ ዋዕላ ቍጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ፣ ብ27ን 28 ነሓሰ 2012 ምክያዱ ይፍለጥ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...