June 3, 2011

ከረን። ብዛዕባ ፖሊሲ ትምህርቲ ዝዝቲ ዋዕላ ተኻዪዱ

ከረን። ብዛዕባ ፖሊሲ ትምህርቲ ዝዝቲ ዋዕላ ተኻዪዱ

ንድፊ ፖሊሲ ትምህርቲ ኤርትራ ናይ መወዳእታ መልክዑ ንምትሓዝ ዝዓለመ ዋዕላ። ብ27 28ን ግንቦት ኣብ ከተማ ከረን ተቓኒዑ፣ ሚኒስተር ሰመረ ርእሶም ኣብ ዘስምዖ መደረ።

መሰረታዊ ዕላማታት ትምህርቲ ኤርትራ ምርግጋጽ ዝርግሐ። ምምሕያሽ ዓይነትን ብቕዓትን ትምህርቲ። ብዓቢኡ ከኣ ንማሕበረ-ቍጠባዊ ድሌታት ህዝቢ ዘማእከለ ከምዝኸውን ምግባር ምዃኑ ጠቒሱ። ነቶም ብደረጃ ዓለም ዝተኣትው መብጽዓታት ኣብ ግዜኡ ክንበጽሖም
ምእንቲ። ጽፉፍን ንጹርን ፖሊሲን ስትራተጂን ምሕንጻጽ ከምዘድሊ ገሊጹ፣ “ዓውዲ ሓበሬታ ዝውንጨፈሉን ኣብ ፍልጠት ዝተሰረተ ቍጠባ ዝዓብለለሉን መ ዋ እ ል ብ ም ህ ላ ው ና ። ዘለና ምርጫ ሰብኣዊ ዓቕምና ብቑዕን ተወዳዳርን ምግባር’ዩ” ዝበለ ሚኒስተር ሰመረ።

ዝሕንጸጽ ፖሊሲ ንዓለማዊ ብድሆ ብምግጣም ቍጠባና ዘሰስን፤ ንመንነትናን ታሪኽናን ዝዕቅብ፤ ሓድነት ሕብረተ- ሰብና ዝሕሉን ዘዕዝዝን፤ መሃዝነት ዘማዕብልን ተሳታፍነት ኩሉ ዜጋ ዘረጋግጽን ኮይኑ ክዳሎ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ፣ ኣብ’ቲ ክኢላታት ሚኒስትሪ ትምህርቲ። ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን መሻርኽትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ። መርሓ ሃገራዊ ፖሊሲ ትምህርቲ። ቅርጺ ስርዓተ-ትምህርቲ። ትምህርትን ምድላው ስልጠናን። ካሪክለምን ግምገማን። ምሕድራን ፋይናንስን ዝብሉ ኣርእስቲታትን ካልእን ዘጠቓለለ ንድፊ ሃገራዊ ፖሊሲ ትምህርቲ ብዓሚቚ ክዝተየሉ እንከሎ። ኣገደስቲ ርእይቶታትን ሓሳባትን ፈሲሱ፣ ሚኒስተር ሰመረ ርእሶም ኣብ መወዳእታ። ንድፊ ሃገራዊ ፖሊሲ ትምህርቲ ብሓያልን ውሁድን ጻዕሪ ኣብ ናይ መወዳእታ መልክዑ ከምዝበጽሐ ብምሕባር። ትምህርታዊ ፖሊሲታትና ንዝተገብሩ ኣገደስቲ ለውጥታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ፣

President Isaias met and held talks with Crown...

Agreement on Peace, Friendship and Comprehensive...

Meeting of Presidents Isaias Afwerki and Ismail...

President Isaias met and held talks with Crown...

Eritrean Delegation led by Mr. Abdelkadir Hamdan...

الملك سلمان يرعى اتفاقية السلام بين إريتريا...