November 11, 2012

ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዳናኤል ተኽለሃይማኖት ንሳልሳይ ጊዜኡ ሻምፕዮን ክሮኖሜተር ኣፍሪቃ ኮይኑ

ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዳናኤል ተኽለሃይማኖት
ንሳልሳይ ጊዜኡ ሻምፕዮን ክሮኖሜተር ኣፍሪቃ ኮይኑ

ብድራር ፍሰሃየ
ካብ 7 ሕዳር 2012 ጀሚሩ ቡርኪናፋሶ ይካየድ ኣብ ዘሎን 16 ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃን ይሳተፋሉ ኣብ ዘለዋ ሻምፕዮና ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2012 እትሳተፍ ዘላ ሃ/ጋ/ብሽክለታ ኤርትራ ንሳልሳይ ዓመታ ብተቐዳዳማይ ዳንኤል ተ/ሃይማኖት ሻምፕዮን ናይ ውልቂ ናይ ክሮኖሜተር ውድድር ኮይና።

ተቐዳዳማይ ዳንኤል ብዓርቢ 9 ሕዳር 2012 ኣብ ዘካየዶ ውድድር’ዩ ነዚ ኣንጸባራቒ ዓወት ብምምዝጋብ ተሸላሚ ሜዳልያ ወርቂ ዝኾነ፣ ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈ ካልእ ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናትናኤል ብርሃነ እውን መበል 7ይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ክዛዝም እንከሎ ኣብ ናይ ትሕቲ-23 ዓመት ውድድር ግን 3ይ ደረጃ ብምሓዙ ተሸላሚ ነሓስ ሜዳልያ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዛጊት ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣካይዳቶ ኣብ ዘላ ውድድር 5 ወቂን ሓንቲ ነሓስ ሜዳልያን ብምዕታር ብዓብላሊ ዓወት ነቲ ኣህጉራዊ ውድድር ትመርሖ ኣላ፣ ጽባሕ ሰንበት 11 ሕዳር 2012 ኣብ ዝካየድ ሓያል ናይ ከተማ ውድድር ድማ ነቲ ኣመዝጊባቶ ዘላ ዓወት ዓቂባ ንሳልያይ ተኸታታሊ ዓመታ ጎብለል መላኣ ኣፍሪቃ ክትከውን ልዑል ትጽቢት ይግበረላ።

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias

Seminar by President Isaias in Sawa