December 16, 2012

ኤርትራ ክትሃንጾ እትደሊ ቍጠባዊ ስርዓት፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋግጽ ምዃኑ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ኤርትራ ክትሃንጾ እትደሊ ቍጠባዊ ስርዓት፣
ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋግጽ ምዃኑ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

0718+

ኤርትራ ክትሃንጾ እትደሊ ቍጠባዊ ስርዓት፣ ድሌት ዝበዝሐ ህዝቢ ዘርውን መነባብሮኡ ዘመሓይሽን፣ ኣብ መላእ ሃገር ድማ ምዕሩይ ዝርግሐ ዘለዎ፣ ግላዊ ወፍሪን ተበግሶን ውድድርን ዘተባብዕ፣ በዚ መገዲ’ዚ ድማ ተመጣጣኒ ዕቤት ብምፍጣር ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋግጽ ቍጠባዊ ስርዓት ምዃኑ፣ ነዚ ዕላማ’ዚ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ስትራተጂ ከኣ ብቐንዱ ኣብ ርእሰ-ምርኰሳን ሱታፌን ህዝቢ ዝተመስረተ ከምዝኾነ፣ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

እቲ “ምርጫና፣ ውሑዳት ዘይብሕትዎ መላእ ህዝቢ ዝሳተፎ ወፍሪ’ዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሓተታ፣ ብቑዕ ትሕተ-ቅርጺን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ብምውዳድ፣ ውሽጣዊ ሰብኣውን ባህርያውን ዓቕሚ እናበራበርካ ንናይ ውሽጥን ወጻእን ወፍሪን ቍጠባዊ ንጥፈትን ምቹእ ባይታ ምንጻፍ ግደ መንግስቲ ስለዝኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሙ፣ ህዝቡን ጸጋታቱን ተመርኲሱ ወሰንቲ ስርሓት የካይድ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

“ብሕታዊ ወፍሪ ምስ ዓበይቲ ኩባንያታት ወጻኢ ጥራይ ኣተኣሳኢርካ ዝርአ ኣይኮነን” ዝበለ እቲ ሰሙናዊ ሓተታ፣ ዕቤቱን ኣገዳስነቱን ምስ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ወፍርታት ከተነጻጽሮ ዘይከኣል፣ ኣብ ህንጸት ሃገርን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢን ዓቢ ተራ ዝጻወት ከም ምልማዕ ጀራዲን፣ ንኣሽቱ ሸቐጣ-ሸቐጥን ዝኣመሰለ መጠነ ንኡስ ዋኒን’ውን ኣካል ብሕታዊ ወፍሪ ብምዃኑ ዝያዳ ክተባባዕን ክድገፍን ከምዘለዎ ኣብሪሁ።

እቲ ሰሙናዊ ሓተታ ኣብ መወዳእታ፣ ግዳማዊ ወፍሪ ብኣድማዕነት ኣብ ረብሓ ሃገር ክውዕልን ንሓዋሩ መሻርኽቲ ናይ ውሽጢ ወፍሪ ዝኾነሉ ዕድል ንኽፍጠርን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ቍጠባ ውሽጣዊ ዓቕሚ ምምዕባል ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

******* ኣ.ዜ.ኤ ********

Address By Eritrea’s Foreign Affairs Minister To...

Eritrean community festival in Germany

President Isaias encourages national cycling team

Cabinet of Ministers holds meeting

Senior delegation holds talks with Chad President

Eritrean delegation participates at TICAD...