October 14, 2014

ኤርትራ ኣብ ጒዕዞ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣመዝጊባቶ ዘላ ገስጋስ፡ ንዘይተጸዓድነት ህዝባን መንግስታን ዘነጽር ምዃኑ ተገሊጹ

ኤርትራ ኣብ ጒዕዞ ምርግጋጽ ማሕበራዊ
ፍትሒ ኣመዝጊባቶ ዘላ ገስጋስ፡ ንዘይተጸዓድነት
ህዝባን መንግስታን ዘነጽር ምዃኑ ተገሊጹ

ኤርትራ ኣብ ጒዕዞ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣመዝጊባቶ ዘላ ገስጋስ፡ ንዘይተጸዓድነት ህዝባን መንግስታን ዘነጽር ምዃኑ ተገሊጹኤርትራ ኣብ ጒዕዞ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣመዝጊባቶ ዘላ ገስጋስ፡ ንሓያል መኸተን ዘይተጸዓድነትን ህዝባን መንግስታን ዘነጽር ምዃኑ፡ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ብ4 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ጊሰን – ጀርመን ኣብ ዘካየዶ – ብመንእሰያት ህግደፍ ዝተወደበ ሰሚናር ገሊጹ።

ብሳላ ውሁድ ጻዕርናን መኸተናን፡ ከም ሃገር ኣብ ድልዱል መንጠሪ ባይታ ረጊጽና ምህላውና ዝጠቐሰ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል፡ ንዝበለጸን ውሑስን መጻኢ፡ ዜጋታት ብሓያል ሃገራዊ ሓድነት፡ መኸተን መንነትን መደባት ህንጸት ሃገር ንምዕዋት ተሳታፍነቶም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።

“ሓባራዊ መረዳእታ ብምምዕባል፡ ንቑሕ፡ ውፉይን ውሕስነት ሃገር ዘረጋግጽን መንእሰይ ምምልማል እዋናዊ መድረኽ ዝጠልቦ’ዩ” ዝበለ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል፡ እዚ ድማ ንቕሓትን ተወፋይነትን ናይ ኩሉ ዜጋ ዝሓትት ሃገራዊ ዕማም ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ ብወገኑ፡ ወረስቲ ሕድሪ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንሃገሮም ደው ኢሎም ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልስን መኸተን፡ ሓደ ካብቲ ሃብታም ኤርትራዊ ባህሊ ምዃኑ ብምምልካት፡ ሸርሕታትን ብድሆታትን ኣለልዮም ንምግጣሙን ንምፍሻሉን ክሕይሉን ክተሩን ጸዊዑ።

ወኪል ቤት-ጽሕፈት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ ብግደኡ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ብቓልሱን ጽንዓቱን ንዘረጋገጾ ሃገራዊ ክብርታቱ ብምዕቃብ፡ ውፉያት መንእሰያት ኣብ ምምልማል ንዘርእዮ ዘሎ ቀጻሊ ተወፋይነት መጒሱ።

Remarks by Ms. Elsa Haile, Director International...

High level Eritrean military delegation delivers...

President Isaias Afwerki and Prime Minister Abiy...

President Isaias returned home concluding working...

President Isaias held talks with President Al Sisi

President Isaias Afwerki on working visit to Egypt