November 7, 2012

ኤርትራ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2012 – ቡርኪናፋሶ

ኤርትራ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ብሽክለታ
ኣፍሪቃ 2012 – ቡርኪናፋሶ

ብድራር ፍሰሃየ
ኤርትራ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2012 ብናይ ጋንታ ውድድር
ክሮኖሜተር ቀዳመይቲ ወጺኣ

ሎሚ 7 ሕዳር 2012 ኣብ ዝጀመረ ሻምፕዮና ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2012 ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ብውድድር ክሮኖሜተር ናይ ጋንታ ንሃገራውያን ጋንታታት ቱኒዝያን ኣልጄርያን ኣኸቲላ ቀዳመይቲ ኮይና ውድድራ ብምዝዛም ተሸላሚት ኣርባዕተ ሜዳልያታት ወርቂ ኮይና።

ኣብቲ 16 ሃገራውያን ጋንታታት ቅድድም ብስክለታ ኣፍሪቃ ዝተሳተፋኦ ውድድር ንተቐዳደምቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፣ ናትናኤል ብርሃነ፣ ጃኒ ተወልደን ፍረቓልሲ ደበሳይን ዘሳተፈ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ንዝተመደበላ ናይ 42.4 ኪ/ሜ ውድድር ብ 51 ደቒቕ ብምዝዛም’ያ ፋልማይ ዓወት ኣመዝጊባ ዘላ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንሃገራውያን ጋንታታት ደቡብ-ኣፍሪቃን ሞሮኮን ኣኸቲላ ተሸላሚት 4 ወርቂ ሜዳልያ ኮይና ምንባራ ዝዝከር’ዩ።

እዚ ካብ ሎሚ 7 ሕዳር 2012 ጀሚሩ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ ውድድር ዓርቢ 9 ሕዳር 2012 ብናይ ውልቂ ናይ ጋንታ ናይ ክሮኖሜቴር ውድድር ቀጺሉ ድሕሪ ምውዓል ሰንበት 11 ሕዳር 2012 ኣብ ውሽጢ ከተማ ኡጋዱጉ ብዝካየድ ናይ ቸርኪቶ ቅድድም ክዛዘም ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...