June 28, 2012

ኤርትራ ኣብ ምዕቃብ ቅርስታት ትኽተሎ ዘላ ኣገባብ ዝድነቕ ምዃኑ፣ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኢጣልያ ገሊጹ።

ኤርትራ ኣብ ምዕቃብ ቅርስታት ትኽተሎ ዘላ ኣገባብ ዝድነቕ ምዃኑ፣ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኢጣልያ ገሊጹ።

ኤርትራ ኣብ ምዕቃብ ጥንታውን ታሪኻውን ህንጻታትን ቅርስታትን ትኽተሎ ዘላ ኣገባብ ዝድነቕ ምዃኑ፣ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኢጣልያ ሚስተር ኣንድሪያ ሪካርዲ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ኣንድሪያ ብ27 ሰነ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ፣ ባጽዕ ሓቚፋቶ ዘላ ጥንታውን ታሪኻውን ህንጻታት ብኸምዚ ኣገባብ ክዕቀብ ምኽኣሉ፣ “ኤርትራ ኣብ ምክንኻን ጥንታዊ ቦታታት ንእትኽተሎ ኣገባብ ዘርኢ’ዩ” ክብል ኣድናቖቱ ገሊጹ።

ሚኒስተር ኣንድሪያ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ታሪኻዊ ህንጻታት፣ መስጊድ ሳሓባ፣ ቤተ-መዘክርን ካልእ ከባቢታት ከተማ ባጽዕን ፍሉይ ተመስጦ ከም ዘሕደረሉ ብምጥቃስ፣ ኤርትራ ብእትውንኖ ጸጋታት ንበጻሕቲ ዘዕግብ ልዑል ቱሪዝማዊ ኣገዳስነት ከምዘለዋ ኣገንዚቡ።

ብድሕሪ’ዚ – ሚኒስተር ኣንድሪያ ምስ ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ ሓጺር ርክብ ድሕሪ ምክያድ፣ ኣብ’ቲ ዞባ ብዛዕባ ዝትግበር ዘሎ ዓበይቲ ልምዓታዊ መደባት መብርሂ ተዋሂብዎ።

ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ሪፓብሊክ ኢጣልያ ሚስተር ኣንድሪያ ሪካርዲ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ፣ ብ27 ሰነ ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ናብ ሃገሩ ተፋንዩ።

**** ኣ.ዜ.ኤ ****

وزير الإعلام الإرترى يمانى جبرميسكل لـ...

Interview with President Isaias Afwerki

President Isaias Leaves for Egypt

Mohamed bin Zayed receives President of Eritrea

Eritrea 2017 in Review  – Part I

President Isaias Receives Credentials of Six...