November 13, 2012

ኤርትራ ን3ይ ዓመታ ሻምፕዮን ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኮይና ናትናኤል ብርሃነ ናይ 20111 ክብሩ ዓቂቡ፣

ኤርትራ ን3ይ ዓመታ ሻምፕዮን ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኮይና
ናትናኤል ብርሃነ ናይ 20111 ክብሩ ዓቂቡ፣

Dirar Fessahaye | ካብ 7-11 ሕዳር 2012 ኣብ ቡርኪናፋሶ ክካየድ ዝጸንሐ ሻምፕዮና ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2012 ብኣንጸባራቒ ዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ተዛዚሙ።

ኣብቲ 16 ሃገራውያን ጋንታታት ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዝተሳተፋኦ ውድድር ብኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንሳልሳይ ተከታታሊ ዓመት ዓወት ብምምዝጋብ ዝለዓለ ክብሪ ክትረክብ እንከላ፣ ብውልቂን ብጋንታን ኣብ ዝተኻየዱ ሰለስተ ውድድራት 6 ወርቂ፣ 2 ነሓስን ሜዳልያታት ብምዕታር ውድድራ ዛዚማ። ብሰንበት 11 ሕዳር 2012 ኣብ ዝተኻየደ ናይ 146 ናይ ውሽጢ ከተማ ውድድር ድማ ተቐዳደምቲ ናትናኤል ብርሃነን ፍረቓልሲ ደበሳይን ቀዳማይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ’ዮም ውድድሮም ብዓወት ፈጺሞም። ኣብቲ ሓያል ምትህልላኽ ዝነበሮ ውድድር ዝተሳተፉ ካልኦት ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድማ

ተስፎም ዑቕባማርያም መበል 15፣
ዳንኤል ተኽለሃይማኖት መበል 25፣
ጃኒ ተወልደ መበል 30፣
በረኸት የማነ መበል 39 ደረጃታት ብምሓዝ ውድድሮም ፈጺሞም።

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ብ 2010 ኣብ ርዋንዳ ከምኡ’ውን ዝሓለፈ 2011 ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮናታት ኣፍሪቃ ብውልቂን ብጋንታን ጎብለል ኮይና ዓቢ ክብሪ ምርካባ ዝዝከር’ዩ።

Eritrean Sport Commission
Public Relations Dep’t

Ambassador Yohannes holds talks with South Sudan...

Minister Osman Saleh holds talks with Luxemburg...

President of Guinea arrives in Massawa

Official commemoration of Operation Fenkil

President Isaias met and held talks with Mr. Neven...

President Isaias Afwerki Meets Abu Dhabi Crown...