May 14, 2013

ኤርትራ ንዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ-ሰብ ብመትከል ከምእትዅንኖን ብኹሉ ዓቕማ ከምእትቃለሶን፣ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣረጋጊጹ።

ኤርትራ ንዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ-ሰብ ብመትከል ከምእትዅንኖን
ብኹሉ ዓቕማ ከምእትቃለሶን፣ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣረጋጊጹ።

ኤርትራ ንዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ-ሰብ ብመትከል ከምእትዅንኖን ብኹሉ ዓቕማ ከምእትቃለሶን፣ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣረጋጊጹ።ኤርትራ ንዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ-ሰብ ብመትከል ከምእትዅንኖን ኣንጻሩ ኣበርቲዓ ከምእትቃለስን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ብ13 ግንቦት ኣብ ዝተቓንዐ ኣብ ምቅላስ ንግዲ ደቂ-ሰብ ዘተኰረ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ።

ንድሕሪት ምልስ ኢሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንዝተነፍጎ መሰል ርእሰ-ውሳነ ንምምላስ ንዝሓለፎ መስገደላትን ዘጋጠሞ ብድሆታትን፣ ከምኡ’ውን ንክልተ ናይ ወራር ውግኣት ንምምካት ዝኸፈሎ ረዚን ዋጋ መብርሂ ብምሃብ መደረኡ ዝጀመረ ሚኒስተር ዑስማን፣ ልኡላዊ መሬቱ ገና ኣብ ትሕቲ ወራር ምህላዉን ኣብ ልዕሊኡ ዘይሕጋዊ እገዳ ምብያኑን ከይኣኽሎ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዒላማ ዘይሰብኣውን ባርባራውን ገበን ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ-ሰብ ኮይኑ ምህላዉ ጠቒሱ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንምምካቱ ብደረጃ ሃገር፣ ዞባን ዓለምን ንዝካየድ ጻዕሪ ንምዕዋት ስጕምቲታት ክወስድ ምጽንሑ ኣነጺሩ።

“ምብራኽ ንቕሓት እቲ ቀዳማይን መሰረታውን ረቛሒ’ዩ” ዝበለ ሚኒስተር ዑስማን፣ ኤርትራ ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣብ ግዳያት፣ ስድራቤታትን ኮማትን ዘተኰረ ሰፊሕ ጐስጓሳት ክተካይድ ምጽናሓ፣ ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ዝግብኦም መቕጻዕቲ ክቕበሉ ድማ ኣበርቲዓ ትሰርሕ ከምዘላ ብምግላጽ፣ ግዳያት ብዘይ ኣፈላላይ ክሕገዙ ከምእትድግፍ ኣብሪሁ።

ሚኒስተር ዑስማን ኣስዒቡ፣ ነቲ ገበን ምግታእ ሓላፍነት ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ብምዃኑ፣ ዞባውን ኣህጉራውን ውህደት ክህሉ፤ ኣብ መንጐ’ተን እዚ ገበን’ዚ ዝርኣየለን ሃገራት ድማ ብፍላይ ጥቡቕ ርክብ ክምዕብል ኤርትራ ከምእትድግፍ፤ ምስ ግብጺ፣ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ትገብሮ ዘላ ርክባት ድማ ካብዚ ከምዝብገስ ኣነጺሩ።

ንግዲ ደቂ-ሰብን ኣካላት ሰብን፣ ተግበርቱ እቶም ንረብሓ ገንዘብ ኢሎም ዝኣትውዎ ዘይሞራላውያን ነጋዶ ጥራይ ዘይኮኑ፣ ብገንዘባዊ ደገፍን ፕሮፖጋንዳን ነቶም ነጋዶ ምቹእ ባይታ ዝፈጥሩሎም – ትካላት ሕቡራት ሃገራት ከይተረፉ ዝርከብዎም ወከልቲ “ተሓለቕቲ መሰል ደቂ-ሰብ ኢና” በሃልቲ ጉጅለታትን ሰበ-ስልጣን መንግስታትን ከምዘለዉ፣ ነዚ ብዝምልከት ድማ ኤርትራ ጭቡጥ መርትዖታት ከምዘለዋ ዝሓበረ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፣ ነዚኣቶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ንምውዓል ግሉጽን ኣድማዕን መርመራ ክካየድ ጸዊዑ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ መወዳእታ፣ ቃልሲ ኣንጻር ንግዲ ደቂ-ሰብ፣ ብቐጥታ ምስ ቃልሲ ንሰላምን ርግኣትን ከምኡ’ውን ማሕበረ-ቍጠባዊ ምዕባለ ሃገራት ከምዝተኣሳሰር ብምምልካት፣ ነዚ ንምስማር ድማ ኩለንትናዊ ቃልሲ ክካየድን ካብ ሃልኪ ዘረባ ወጻኢ ጭቡጥ ስጉምቲ ክውሰድን ብምዝኽኻር፣ ህዝብን መግስትን ኤርትራ ጎኒ-ጎኒ ህንጸት ሃገሮም፣ ንነገድቲ ደቂ-ሰብን ደገፍቶምን ንምቅላዕን ንምቅላስን ብዝለዓለ ክነጥፉ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Senior delegation held talks with Rwandan...

Senior delegation attends sworn in ceremony of...

Funeral service of veteran fighters Brig. Gen....

National Council of Eritrean Americans (NCEA)...

Eritrean Sensation Aron Kifle and Awet Habte...

Eritrean Community festival in Eastern Canada