November 10, 2011

ኤርትራ ንብዙሓት ናይ ግዳም ኣውፈርቲ እተወናውን ሃገር ኮይና ምህላዋ ተገሊጹ።

ኤርትራ ንብዙሓት ናይ ግዳም ኣውፈርቲ እተወናውን ሃገር ኮይና ምህላዋ ተገሊጹ።

ኤርትራ – ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት፣ ኣውራ ድማ ኣብ ጽላት ዕደና፣ ኢንዱስትሪን ቱሪዝምን ብዘለዋ ሰፊሕ ናይ ወፍሪ ዕድላትን ካልእ ረቛሒታትን፣ ንብዙሓት ናይ ግዳም ኣውፈርቲ ኣህራፊት ኮይና ምህላዋ፣ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

እቲ “ኤርትራ፣ ንወፍሪ እተወናውን ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሓተታ፣ ካብቶም ኤርትራ እትውንኖም ንወፍሪ ዘተባብዑ ብዙሓት ረቛሒታት ብቐዳምነት ዝስራዕ፣ ፍጹም ርግኣት ዝዓሰሎ ሃዋህው ምዃኑ ብምግላጽ፣ ዘለናዮ መድረኽ – ንብዙሓት ሃገራትን ህዝብታትን እዋን ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ነውጺን ቅልውላውን፣ እዋን ረጽሚን ዕግርግርን ከምዝኾነ፤ ስለዚ ድማ ቀሲንካን ኣስተርሒኻን ክትነብር ምቹኣት ዝኾና ሃገራት ኣዝየን ውሑዳት ምዃነን ብምምልካት፣ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዓለማዊ ክውንነት – ኤርትራ ተጓናጺፋቶ ዘላ ዘተኣማምን ውሽጣዊ ርግኣትን ጸጥታን ብቐሊሉ ዝርከብ ጸጋ ከምዘይኮነ ኣስሚሩሉ።

“ርግኣት ቅድመ-ኩነት ኩለንትናዊ ንጥፈት ወዲ-ሰብ’ዩ” ዝበለ’ቲ ሓተታ፣ ጸጥታን ፖለቲካዊ ርግኣትን ኣብ ዘይብሉ ባይታ ዝፈስስ ወፍሪ ውሕስነት ከምዘይብሉ፤ ብውድዓውነት እንክጥመት ከኣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዞባና ይኹን ዓለምና ዘሎ ዘይውሑስ ፖለቲካውን ጸጥታውን ክውንነት፣ ከምኡ’ውን ግዕዙይን ጋሕማጥን ምሕደራ ንወፍሪ ምቹእ ባይታ ዝፈጥር ከምዘይኮነ ብምንጻር፣ ብኣንጻሩ ኤርትራ ኣዝዩ ንጹህ፣ ቅርጡው፣ ኣድማዒን ውጺኢታውን ምሕደራ ኣብ ምፍጣር ዝሓሸ ገስጋስ ከተርኢ ዝበቕዐት፤ ገበናት ስርቂን ብልሽውናን ከም ባህሊ ዘይሳዕረረላ ሃገር ምዃና ኣረጋጊጹ።

ዝርግሐ ትሕተ-ቅርጺን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ብኻልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ረቛሒታት ምዃኖም ዘመልከተ’ቲ ሓተታ፣ ኤርትራ ምስ ካልእ ከባቢታት ኣህጕርና ብምዝማድ ኣብ ዝተመሓየሸ ኵነት ከምእትርከብ፤ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንምውዳድ ትሕተ-ቅርጺ ከም እምነ-መሰረት ኩለንትናዊ ምዕባለ ወሲዶም ብዘሰላሰልዎ ሰፊሕ ሃገራዊ ወፈራ ልምዓት ድማ፣ ንወፍሪ ቍጠባውን ንግዳውን ምንቅስቓሳት ምቹእ ባይታ ዝፈጥር ውሑስን ዘተኣማምንን ትሕተ-ቅርጺ ኣብ ምንጻፍ ዓበይቲ ዕዮታት ከሳልጡ ከምዝበቕዑ ኣረዲኡ።

እቲ ሓተታ ኣስዒቡ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደና፣ ቱሪዝም፣ ኣግሮ ኢንዱስትሪን ሃብቲ ዓሳን ዝተፈላለየ ናይ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ወፍሪታት ኣብ ምብግጋስ ከምዝርከብ ብምጥቃስ፣ እቲ ገና ዘይተመዝመዘ ዕቑር ተኽእሎታት ኣመና ገዚፍ ምስ ምዃኑ፤ ኤርትራ እትርከቦ ከባቢ’ውን ኣዝዩ ስትራተጂያዊ ስለዝኾነ፣ ኣብ ጽላት ኣገልግሎታትን ፋይናንስያዊ ንጥፈታትን ናጻ ዞባ ንግዲን ካልእን ዘሎ ናይ ወፍሪ ተኽእሎታት ሰፊሕ ከምዝኾነ ኣነጺሩ።

እቲ ሰሙናዊ ሓተታ ኣብ መወዳእታ፣ እዚ ዕቑር ተኽእሎታትን ውሑስ ፖለቲካውን ጸጥታውን ርግኣት፣ ጻዕራምን ህርኵትን ህዝቢ፣ ከምኡ’ውን ንምዕባለን ብልጽግናን ህዝቡ ዝተወፈየ ንጹህን ሓላፍነታውን መንግስቲ ተደማሚርዎ፣ “ኤርትራ ንወፍሪ እተፈጥረት ሃገር’ያ” እንተተባህለ እቲ ልክዕ መግለጺኣ ከምዝኾነ ኣነጺሩ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...