January 12, 2012

“ኤርትራ ናብ ባይዶዋ ሰለስተ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ልኢኻ” ተባሂሉ ብመንግስቲ ኬንያ ዝቐረበ ክሲ ሓሶት ምዃኑ ተቓሊዑ፣

እቲ “ኤርትራ ናብ ባይዶዋ ሰለስተ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ልኢኻ” ተባሂሉ ብመንግስቲ ኬንያ ዝቐረበ ክሲ። ሓሶት ምዃኑን ብፍጹም ከምኡ ዓይነት ተግባራት ከምዘይተኻየደን። ተቘጻጻሪ ጉጅለ ናብ ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ናይ ታሕሳስ 2011 ጸብጻብ ገሊጹ፣

እቲ ተቘጻጻሪ ጉጅለ ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ። ኤርትራ ናብ ሶማል 3 ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ልኢኻ ተባሂሉ ዝቐረበ ክሲ መሰረት ከምዘይብሉ። ብኣንጻሩ ናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ ሓይልታት ብዘይ ፍቓድን ብኣንጻር ብይን 1725 (2006) ኣብ መሬት ሶማል ኣትዩ ምህላዉ ሓቢሩ፣

“ኤርትራ ናብ ባይዶዋ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ልኢኻ” ንዝብል ክሲ። “በቲ ሓደ ወገን ሃናጺ ዞባውን ኣህጉራውን ጽምዶ ኤርትራ ንምዕንቃጽ፤ በቲ ኻልእ ወገን ድማ ኣህጉራዊ ሕግን ውሳነን ባይቶ ጸጥታ ጥሒሳ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ጐቢጣ ንእትርከብን ቀንዲ ምንጪ ዘይምርግጋእ ናይ’ዚ ዞባ ኮይና ዘላን ኢትዮጵያ ንምክንኻን” ዝተቐመረን ዝተራብሐን መሰረት-ኣልቦ ክሲ ምዃኑ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብ2 ሕዳር 2011 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር፣

ብኻልእ ወገን። ተቘጻጻሪ ጕጅለ ኣብ ናይ ታሕሳስ 2011 መግለጺኡ ደጊሙ። “ናይ ኤርትራ ወትሃደራዊ ሓበሬታ ንምርካብ እጽዕር ኣለኹ” ዝበሎ ይኹን “ኤርትራ ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ተዕጥቕ ምህላዋ” ዝሃቦ ሓበሬታ። ከምቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ደብዳበ ዝገለጾ። “እቲ ቀዳማይ ንሉዓላውነት ኤርትራ ዝግህስ ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ምዃኑ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ንዕኡ ዘረጋግጽ መርትዖ ዘይምቕራቡ። ናይ ኣቕረብቱ ኣጋውላ ዝሕብር ከምዝኾነ” ሓደ ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ገሊጹ፣

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Interview with President Isaias Afwerki

President Isaias Leaves for Egypt

Mohamed bin Zayed receives President of Eritrea

Eritrea 2017 in Review  – Part I

President Isaias Receives Credentials of Six...

الإيقاد .. الوجه الآخر للنظام الإثيوبى .. هل...