January 17, 2012

ኤርትራ ብመንነቶምን ባህሎምን ዝሕበኑ መንእሰያት እትውንን ሃገር ምዃና። ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ገሊጾም፣

ኤርትራ። ብመንነቶም። ባህሎምን ታሪኾምን ዝሕበኑን ዝዀርዑን መንእሰያት እትውንን ሃገር ምዃና። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዕረፍቲ ናብ ሃገሮም ዝመጹ ኤርትራውያን ገሊጾም፣

“ሃገራዊ ክብርታትና። ኣብ ብዙሕነትና ንዘሎ ጽባቐ። ከምኡ’ውን ንሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝናን ስኒትናን ዘጕልሕ’ዩ” ዝበሉ እቶም ኤርትራውያን። ነዚ ሃገራዊ ጸጋ’ዚ ንምዕቃብን ናብ መጻእቲ ወለዶታት ንምስግጋሩን ኣበርክቶኦም ከምዘሐይሉ ሓቢሮም፣

ካብ ሪያድ – ስዑዲ ዓረብ ዝመጸ መንእሰይ ዮሴፍ ሳሙኤል ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ። ኣብ ዝቕመጠሉ ሃገር ቤት-ትምህርቲ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ስለዘሎ ካብ ባህሎምን ሕብረተ-ሰቦምን ከይተፈለዩ ከምዝነብሩን ታሪኾም ንኽፈልጡ ከምዘይጽገሙን ኣረዲኡ፣

ካብ ምዕራብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሄነሪ ሚኪኤልን ሄርመላ ሚኪኤልን ብወገኖም። ስድራኦም ብዛዕባ ታሪኽን ባህልን ሃገሮም። ናጽነት ንምምጻእን ንምውሓስን ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋ። ከምኡ’ውን ከምኡ’ውን ክብርታት ሕብረተሰቦም ስለዘውረስዎም። ብዕረፍቲ ኣብ ዝመጹሉ እዋን ከምዘይጋየሹ ጠቒሶም። ነቶም ካብኦም ዝንእሱን ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱን ንምውራስ ጻዕርታት ከምዘካይዱ ኣነጺሮም፣

“ባህልታትካ። ልምድታትካን ቋንቋኻን ንደቅኻ ንኸተውርስ። መጀመርያ ኤርትራ ኣብ ገዛኻ ክትህሉ ኣለዋ” ዝበለ ኣቶ ሚኪኤል ሃብተገርጊስ። ኣብ ወጻኢ ዝውለዱ መንእሰያት ካብ ሃገራዊ ክብርታቶም ንኸይርሕቑን ብመንነቶም እናተሓበኑ ንኽነብሩን። መሰረታዊ ስራሕን ጻዕርን ናይ ወለዲ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ፣

እቶም ዜጋታት ቀጺሎም። ዝግበር ሃገራዊ ምትእኽኻባት ከምኡ ድማ ዓመት መጸ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝካየድ ፌስቲቫላት። ኤርትራዊ ባህላዊ ኣብ ምልላይን ምውራስን። ከምኡ’ውን ሓድሕዳዊ ተመኩሮታት ኣብ ምልውዋጥ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ሓቢሮም፣

እቶም ንዕረፍቲ ዝመጹ ኤርትራውያን ኣብ መወዳእታ። ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ናብ ሃገሮም ክመጹ ዕድል ዘይረኸቡ ኣሕዋቶምን መዛኑኦምን። ኤርትራ ብዛዕባ በጺሓቶ ዘላ ምዕባለ። ኣብ ውሽጢ ህዝቦም ዝተዓዘብዎ ስኒትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ክገልጹሎም ምዃኖም ቃል ኣትዮም፣

**** ኣ.ዜ.ኤ *****

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...