September 24, 2011

ኤርትራ፣ ኣብ ጎደና ምዕባለ እትርከብ ሰላም ዝሰፈና ሃገር ምዃና ወጻእተኛታት ገሊጾም።

ኤርትራ፣ ኣብ ጎደና ምዕባለ እትርከብ ሰላም ዝሰፈና ሃገር ምዃና ወጻእተኛታት ገሊጾም።

“ኤርትራ፣ ምሉእ ሰላም ዝሰፈናን ኣብ ቅልጡፍ ጎደና ምዕባለ እትርከብን ሃገር’ያ” ክብሉ፣ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።

እቶም በጻሕቲ፣ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝበጽሑ ጠቒስም፣ ኣብ ኤርትራ ዘስተማቐርዎ ቅሳነት ዝመልኦ ሂወት ግን እናሻዕ ንኽመጹ ከም ዝደረኾም ኣረዲኦም።

ኣብ 2005 መጺኡ ምንባሩ ዝገለጸ ጀርመናዊ ዶክተር ኡሉፍ፣ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዝተዓዘቦ ደረጃ ምዕባለ ምስ ናይ ሕጂ ብምንጽጻር ገዚፍ ለውጢ ተመዝጊቡ ከምዘሎ ክዕዘብ ከምዝኸኣለ ብምሕባር፣ ኤርትራ ኣብ ዓቕሚ-ሰብን ትሕተ-ቅርጽን ትገብሮ ዘላ ወፍሪ፣ ተወዳዳሪት ከምዝገብራ እምነቱ ገሊጹ።

“ኤርትራ፣ ኣንጻር’ቲ ብገለ ማዕከናት ዜና እትግለጽ – ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ኮይና ረኺበያ” ዝበለት ጀርመናዊት ዶክተር ሰራፊነ ሊንደማን ብወገና፣ ከተማታት ባጽዕ፣ መንደፈራ፣ ከረንን ኣስመራን ከምዝበጽሐትን ህዝቢ ቅሱን ሂወት ክመርሕ ከምእተዓዘበትን ኣነጺራ።

ቻይናዊ ጃክሰን ሊ ብግደኡ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ብስራሕን ዙረትን ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ፣ ሽቑረራ ዝመልኦ ህይወት የሕልፍ ምንባሩ ብምምልካት፣ ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ዝመልኦ ሂወት የሕልፍ ከምዘሎ፤ ልዕሊ ኩሉ ዘድንቖ ድማ ንቕሓትን ፍሕሹው ኣቀባብላን ሕብረተሰብ ኤርትራ ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

ኤርትራ ብኣቀማምጣኣ፣ እትውንኖ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ፍሕሹው ኣቀባብላ ህዝባን፣ ቍጽሪ በጻሕታ እናዛየደ ይኸይድ ከምዘሎ፣ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...