April 29, 2011

ኤርትራ፣ ንልዕሊ ሽሕ ኪሎ-ሜተር ዝተዘርግሐ – ድንግል ገማግም ባሕሪን ዘይተመዝመዘ ጸጋታት ባሕሪን ትውንን።

ኤርትራ፣ ንልዕሊ ሽሕ ኪሎ-ሜተር ዝተዘርግሐ – ድንግል ገማግም ባሕሪን ዘይተመዝመዘ ጸጋታት ባሕሪን ትውንን።

ነዚ ጸጋታት’ዚ ንምምዝማዝ፣ ኣብ ዝሓለፈ 20 ናይ ናጽነት ዓመታት ኣብ ምውዳድ ትሕተ-ቅርጺ ዓበይቲ ስርሓት’ዩ ተሰላሲሉ።
ብምኽንያት’ቲ ካብ 28 ክሳብ 30 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ዓሰብ ዝቃናዕ ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ፣ ኣርሴማ ኣስመሮም ንዘዳለወቶ ጸብጻብ፣ ትምኒት ፍስሃ ክተቕርበልና’ያ።

ኣብ ዝሓለፈ 20 ናይ ናጽነት ዓመታት፣ ጸጋታት ባሕሪ ብዝግባእ ንምምዝማዝ ምእንቲ ክከኣል፣ ኣብ ምውዳድ ትሕተ-ቅርጺ ዓበይቲ ስርሓት ከምዝተሰላሰሉ፣ ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ ገሊጹ።

ሚኒስተር ተወልደ ብምኽንያት’ቲ ካብ 28 – 30 ሚያዝያ ኣብ ዓሰብ ዝካየድ ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፣ መንግስቲ ኣብ’ቲ ህዝቢ ዝነብረሉ ገማግም ባሕሪ ብዙሕ ወጻኢታት ብምግባር፣ ትሕተ-ቅርጺ መራኸቢታትን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከምዘዋደደ ጠቒሱ፣ ፋሕ ኢሉ ዝነበረ ህዝቢ ድሕሪ ምስራሕ ጽርግያ ባጽዕ – ዓሰብ ተጠርኒፉ ተጠቃሚ ጸጋታት ባሕሩ ክኸውን ከምዝበቕዐ ኣብሪሁ።

ሚኒስተር ተወልደ ኣስዒቡ፣ ምዕሩይነት ተጠቃምነት ጸጋታት ባሕሪን ውሕስነት መግቢን ንምርግጋጽ፣ መንግስቲ መዝሓሊን መዐቀቢን ዓሳታት፤ ከምኡ’ውን ናውቲ መዝሓሊ ዘለወን ናብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ዓሳታት ዘመላልሳ መካይንን ብምውዳድ ቀረብ ዓሳ ብምዕሩይ ይዝርግሕ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ጸጋታት ባሕርና ቀጻልነቱ ንወለዶታት ንምውሓስን ብምሒር ምግፋፍ ከይበርስን ሓያል ናይ ምክትታልን ምዕቃብን ንጥፈታት ይካየድ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ፖሊሲ መንግስቲ ኣብዚ ጽላት’ዚ ንምዕዋት ዝሰርሕ ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብ ምፍራይ ወሳኒ ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ፣ ኣብ ከተማ ባጽዕ ዝተደኰነ ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ፣ ዛጊት ብግብሪን ክልሰ-ሓሳብን ዝተማህሩ ኣስታት 780 መንእሰያት ከምዘፍረየ ገሊጹ።

ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ ኣብ መወዳእታ፣ ንገፈፍቲ ዓሳ ዘመናዊ ኣገባብ ምግፋፍ ምምሃርን ብቑዕ መሳርሒታት ምዕጣቕን፤ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝቢ ኣፍልጦኦ ኣብ ጥቕሚ ዓሳ ከም መግቢ ንኽዓቢ ጎስጓስ ምክያድ፤ ደሴታትና መስሕብ ቱሪዝም ዝኾናሉ ኩነታት ምፍጣር፤ ሰበኽ-ሳግምዊ ህይወት ዝመርሑ ሓረስቶት፣ ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ሰፊሮም ጥሪት እናራብሑ ተጠቀምቲ ጸጋታት ባሕሪ ንክኾኑ ጻዕሪታት ምክያድ፤ ከምኡ’ውን ግራውቲ ጨው ምስፋሕ፣ ካብ ናይ መጻኢ መደባት ናይ’ቲ ሚኒስትሪ ምዃኖም ኣነጺሩ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Ethiopian Airlines resumes flight to Asmara

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias