December 5, 2011

ኤርትራ፣ ምስ ባይቶ ጸጥታ ክትላዘብ ዘለዋ መሰል ብምግሃሱ ተቓውሞኣ ገሊጻ።

ኤርትራ፣ ንዘለዋ ርትዓውን ሕጋውን መሰል ተጠቒማ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብኣካል ተረኺባ ንኸይትላዘብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንእትገብሮ ዘላ ውዲታዊ ፈተነ ብትሪ ኰኒና።

ነዚ ብዝምልከት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብ4 ታሕሳስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እዚ ብኣመሪካ ተወሲዱ ዘሎ ስጕምቲ፣ ኣሽካዕላል ኣብ ልዕሊ ባይቶ ጸጥታን ኣገባባት ስርሑን ከምዝኾነ ብምጥቃስ፣ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ግቡእ ሓለፍነተን ብምስካም፣ ንተኣማንነት ባይቶ ጸጥታ ብምክልኻልን ብምጥባቕን ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ኤርትራ ክውን ክገብራ ጸዊዑ።

ምሉእ ትሕዝቶ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ድሕሪ ዜና ክቐርብ’ዩ።

****** ኣ.ዜ.ኤ.******

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...

Meeting of Cabinet Ministers

International Youth Day observed