March 11, 2013

ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ቐጠር፣ ሱዳንን ጀርመንን 8 መጋቢት ብድምቀት ጸንቢለን።

ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ቐጠር፣
ሱዳንን ጀርመንን 8 መጋቢት ብድምቀት ጸንቢለን።

ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ቐጠር፣ ሱዳንን ጀርመንን 8 መጋቢት ብድምቀት ጸንቢለን።ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ፣ ጀርመን፣ ቐጠርን ሱዳንን ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ን8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ፣ ንቅያን ኣበርክቶን ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ብዘንጸባርቕ ዝተፈላለየ መደባት – ብክብ ዝበለ ድምቀት ጸንቢሎምዋ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማታት ለንደን፣ በርሚንግሃም፣ ሸፊልድ፣ ኖቲንግሃም፣ ካቨንትሪን ማንቸስተርን ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ዘካየድኦ ጽንብል፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝተበየነ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን እገዳ ብምዅናን፣ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ንምድንፋዕ ኣበርክቶአን ከምዘዕዝዛ ኣረጋጊጸን።

ኣብ’ቲ ብዝተፈላለየ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ዝተሰነየ ስነ-ስርዓት፣ ኣምበሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ኣብ ምምጻእ ናጽነትን ምውሓስ ልኡላውነትን ዝተራእየ ቅያ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ህንጸት ሃገር’ውን ይቕጽል ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት፣ ሃገራዊ ጥምረትናን ውዳቤና ኣሐዪልና ንኹሎም ተጻብኦታት ገጢምና ኣብ እነፍሽለሉ ዘለና እዋን ይካየድ ምህላዉ ፍሉይ ከምዝገብሮ ኣብሪሁ።

ኣብ ከተማ ካርቱም – ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ጽንብል ዝተሳተፉ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ድማ፣ ሃገራዊ መደባት ንምዕዋት ከካይድኦ ንዝጸንሓ ንጥፈታት ንምድንፋዕ ውዳቤአን ኣሐዪለን ከምዝጽዕራ ሓቢረን።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ መሓመድ ስዒድ ማንታይ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ህዝባዊ ግንባር ተራን ቦታን ደቂኣንስትዮ ንምዕዛዝ ዘካየዶን ድሙቕ ውጽኢት ዘመዝገበን ቃልሲ ክሳብ ምሉእ ኣግእዞ ከምዝቕጽሎ ብምርግጋጽ፣ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ብመስዋእተን ንዘረጋገጽኦ መሰላት ንምዕቃብ፣ ኣብ ትምህርትን ሞያን ክደፍኣ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ከተማ ፍራንክፈርትን ከባቢኣን – ጀርመን ዝነብራ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ፣ “ዕዙዝ ሱታፌ ደቂኣንስትዮ ኣብ ወፍሪ፣ ደራኺ ንሃገራዊ ልምዓት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ዘካየድኦ ተመሳሳሊ ጽንብል፣ ድልውነተን ንዝበረኸ መኸተ ኣረጋጊጸን።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ቐጠር ብወገነን ኣብ ዘካየድኦ ጽንብል፣ ከም’ቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ፣ ኣብ መኸተ ተጻብኦታትን ህንጸትን ሃገር’ውን ኣበርክቶአን ከዕዝዛ ድልዋት ምህላወን ገሊጸን።

**** ኣ.ዜ.ኤ ****

Senior delegation held talks with Rwandan...

Senior delegation attends sworn in ceremony of...

Funeral service of veteran fighters Brig. Gen....

National Council of Eritrean Americans (NCEA)...

Eritrean Sensation Aron Kifle and Awet Habte...

Eritrean Community festival in Eastern Canada