June 5, 2013

ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ዝወለን ከባቢኣን – ሆላንድ፣ድልውነቶም ንዝበረኸ መኸተ ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ዝወለን
ከባቢኣን – ሆላንድ፣ድልውነቶም ንዝበረኸ
መኸተ ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ዝወለን ከባቢኣን - ሆላንድ፣ድልውነቶም ንዝበረኸ መኸተ ኣረጋጊጾም።ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ዝወለን ከባቢኣን – ሆላንድ፣ ድልውነቶም ንዝበረኸ መኸተ ብምርግጋጽ፣ ሃገራዊ መደባት ንምዕዋት ከም ወትሩ ድሉዋት ምህላዎም ብ2 ሰነ ኣብ ዘካየድዎ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ ሰሚናር፡ ሓላፊ ቈንስላዊ ጉዳያት ኣብ ሆላንድ ኣቶ ሰሎሙን መሓሪ፣ ንህሉው ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ ቍጠባውን ማሕበራውን ኩነታት ሃገርናን ተራ ዜጋታት ኣብ መደባት ቍጠባዊ ወፍሪን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ኣቶ ሰሎሙን ኣብ መብርሂኡ፡ ኤርትራ ንኹሉ ብድሆታት ሰጊራ ቍጠባዊ ሓርነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ንምርግጋጽ ወፍሪ ኣብ እተበግሰሉ መድረኽ በጺሓ ምህላዋ ብምምልካት፣ እዚ ወፍሪ’ዚ ዕዉት ንክኸውን ዕዙዝ ተሳትፎ ህዝቢ ከምዘድሊ ጠቒሱ፣ ዓቕሚ ዘለዎም ዜጋታት ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ነቲ ተኸፊቱ ዘሎ ዕድላት ወፍሪ ብግቡእ ክጥቀሙሉ ኣዘኻኺሩ።

ኤርትራዊ ምሁር – ዶክተር ተመልሶ ተስፋሚካኤል ብወገኑ፣ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝተዓዘቦ መደባት ልምዓት፣ ንሓያል ናይ መኸተ ወኒ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘነጸረሉ ብምጥቃስ፣ “ብውህደት ህዝብን መንግስትን – ብልጽግቲ ኤርትራ እንርእየሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን” ክብል ኣብሪሁ።

ኣቶ ገብረእግዚኣብሄር ፍስሓጼን ኣብ ዘቕረቦ ኣስተምህሮ ድማ፣ ናይ ደገ መራኸቢ ብዙሓን ንስእልን ምስልን ኤርትራ ንምድዋን ዝገብርኦ ጸለመታት ኣካል ናይ’ቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ዜጋታት ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ነዚ ብንቕሓት ክገጥምዎ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፣ ዜጋታት ኣብ ወፍሪ ቍጠባዊ ሓርነት ንኽሳተፉ መንግስቲ ንዘካይዶ ዘሎ ምትብባዕን ፈጢርዎ ንዘሎ ዕድላትን ዘለዎም ኣድናቖት ብምግላጽ፣ ሓድነቶም ኣትሪሮም ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ቅሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

******* ኣ.ዜ.ኤ. *******

Senior Eritrean delegation held discussion with...

Senior Eritrean delegation on working visit to...

Statement by Ms. TekeaTesfamicael President of the...

FDRE and Afar and Gambella opposition movements...

International Women’s Day colorfully...

International Women Day celebrated in Anseba and...