December 23, 2013

ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል፡ ንዜጋታት ተራሕዩ ኣብ ዘሎ ዕድላት ወፍሪ ክሳተፉ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም፣

ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል፡ ንዜጋታት ተራሕዩ ኣብ ዘሎ ዕድላት ወፍሪ ክሳተፉ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም፣

ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል፡ ንዜጋታት ተራሕዩ ኣብ ዘሎ ዕድላት ወፍሪ ክሳተፉ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም፣

ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል፡ ውዳቤኦምን ጥርናፈኦምን ብምሕያል መኸተኦም ኣንጻር ተጻብኦታት ንምድንፋዕን ንዜጋታት ተራሕዩ ኣብ ዘሎ ዕድላት ወፍሪ ክሳተፉን ድልዋት ምህላዎም፡ ብ21 ታሕሳስ ኣብ ዘካየድዎ ሰሚናር ኣረጋጊጾም፣

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣቶ ተስፋማርያም ተኸስተ፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገር፡ መኸተ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ብህዝብን መንግስትን ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባትን ተራ ዜጋታትን ኣመልኪቱ፡ ንተሳትፍቲ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ፣

ኣስዒቡ ኣምባሳደር ተስፋማርያም፡ ዜጋታት ነቲ ኣብ ሃገሮም ተፈጢሩ ዘሎ ንወፍሪ ዝዕድም ዕድላትን ምቹእ ሃዋህውን ብግቡእ ክምዝምዝዎ ብምዝኽኻር፡ ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ነቲ ዕድል ተጠቒሞም፡ ንነብሶምን ንሃገሮምን ከርብሑ ኣተባቢዑ፣

ምስጢር ዓወትን ርግኣትን ኤርትራ ሓድነት ህዝባ ምዃኑ ዝጠቐሱ ተሳተፍቲ፡ ነዚ ሓድነት ብምዕቃብን ብምድንፋዕን፡ ኣብ ዝሕንጸጹ መደባት ልምዓት ተሳትፎኦም ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም፣

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

A Look Back on Eritrea’s Historic 1993...

5th YPFDJ Conference in Saudi Arabia concludes

Sixteen years of unbridled violence and defiance

Cabinet of Ministers holds meeting

14th YPFDJ Conference concludes

14th YPFDJ conference in Europe underway