November 18, 2012

ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠር፣ ፈስቲቫል – ባህሎምን መንነቶምን ዓቂቦም ንክኸዱ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ገሊጾም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠር፣ ፈስቲቫል – ባህሎምን
መንነቶምን ዓቂቦም ንክኸዱ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ገሊጾም።

ኣብ ሃገረ ቐጠር ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ካብ 2009 ጀሚሮም ዓመታዊ ዘካይድዎ ዘለዉ ፈስቲቫል፣ ባህሎምን መንነቶምን ዓቂቦም ንክኸዱን ደቆም ብክብርታት ሕብረተሰቦም ንክዅስኰሱን፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓድነቶም ኣትሪሮም ኣበርክቶኦም ኣብ ሃገራዊ መደባት ንኸዕዝዙ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ገሊጾም።

ፈስቲቫል፣ ሃገራዊ ናይ ምትእኽኻብ ሃዋህው ብምፍጣር ህልው ኩነታት ሃገሮምን ህዝቦምን ዝምዝገብ ዘሎ ገስጋስን ዝፈልጡሉ’ውን ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ዜጋታት፣ ዓመት መጸ ብሃንቀውታ ከምዝጽበይዎን ልዑል ምድላዋት ከምዘካይዱሉን ብምምልካት፣ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ዝተራእየ ድምቀን ብዙሕነት መደባትን ካብዚ ከምዝነቅል ኣብሪሆም።

“ኪኖ ሃገርና እንሰርዖ ስለዘየለ፣ ንፈስቲቫልና ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ” ዝበላ ወይዘሮ ሙና ዑስማንን ወይዘሮ ኣመተገርጊስ ሃይለሚካኤልን፣ ደቂኣንስትዮ ኣብ ምድማቕ’ቲ ፈስቲቫል ልዑል ተራ ከምዝነበረን ጠቒሰን፣ ዝቐረበ ስእላዊ ምርኢት፣ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ልምዓታዊ መደባት ንጹር ሓበሬታ ክረኽባ ከምዝሓገዘን ኣነጺረን።

ኣቶ ዓብዱሰላም መሓመድ ስዒድን ኣቶ ዳውድ ዓሊ ገቢልን ድማ፣ ሎሚ ዓመት ንራብዓይ ዓመቱ ብዝተኻየደ ፈስቲቫል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠር ዕጉባት ምዃኖም ብምግላጽ፣ ተሳትፎ ህዝቢ ልዑል ምንባሩ ሓቢሮም።

ነቲ ፈስቲቫል ንምድማቕ ካብ ኤርትራ ዝኸደት ጉጅለ ባህሊ ሳሊና፣ ብ16 ሕዳር ኣብ ኣዳራሽ ረጀንሲ ካብ ሰዓት 8፣00 ምሸት ክሳብ ሰዓት 2፣00 ወጋሕታ ንተሳተፍቲ ከምዘዘናግዓቶም፣ ልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ካብ ከተማ ኣደውሓ ገሊጾም።

******* ኣ.ዜ.ኤ *******

Eritrean community festival in Germany

President Isaias encourages national cycling team

Cabinet of Ministers holds meeting

Senior delegation holds talks with Chad President

Eritrean delegation participates at TICAD...

National Association of Public Health Founding...