November 24, 2012

ኤርትራውያን ተቐዳዳማይን ኣሰልጣኒን ብሽክለታ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድር ብሽክለታ ዙር ሻርጃ ( ኢማራት ዓረብ )

ኤርትራውያን ተቐዳዳማይን ኣሰልጣኒን ብሽክለታ ኣብ ኣህጉራዊ
ውድድር ብሽክለታ ዙር ሻርጃ ( ኢማራት ዓረብ )

ብድራር ፍሰሃየ
ካብ 21-24 ሕዳር ኣብ ሻርጃ( ሕቡራት ኢማራት ዓረብ) ይካየድ ኣብ ዘሎ ኣህጉራዊ ቅድድም ንኣህጉር ኣፍሪቃ ወኪሎም ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝነኣድ ተሳታፍነት ውጽኢትን የርእይዩ ምህላዎም ተፈሊጡ።

በዚ መሰረት ኣብቲ ውድድር ምስ ኣፍሪቃውያን መዛንኡ ብኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል እናተኣለየ ውድድሩ ዘካይድ ዘሎ ተቐዳዳማይ ተስፎም ዑቕባማርያም ብሓሙስ 22 ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ናይ 150 ኪ/ሜ ውድድዝ 8ይ ደረጃ ተሰሪኦኡ ውድድሩ ክዛዝም እንከሎ ደቂ-ጋንታኡ ምስራዊ ተቐዳዳማይ ሸሪፍ 3ይ ከምኡ’ውን ተወላዲ ቡርኪናፋሶ ዝኾነ ተቐዳዳማይ 9ይ ደረጃ ተሰሪዖም ውድድሮም ዛዚሞም፣ ተቐዳዳማይ ተስፎም ኣብቲ ዕለት ኣብ ዝነበረ ክልተ ናይ ዓቐብ ውድድራት ድማ ኣብ ክልቲኡ ክዕወተሉ ምኻኣሉ ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ውድድር ሎሚ 23 ሕዳር ብናይ 100 ክ/ሜ ውድድር ቀጺሉ ብምውዓል ተስፎም መበል 3ይ ደረጃ ክወጽእ እንከሎ ምስራዊ ሸሪፍ 9ይ ከምኡ’ውን ተወላዲ ቡርኪናፋሶ ዝኾነ ተቐዳዳማይ መበል 11 ብምውጻኣ ነታ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ነጥቢ ምምዝጋቦም ተፈሊጡ ኣሎ፣ ኣቲ ኣህጉራዊ ውድድር ድማ ቀዳም 24 ሕዳር 2012 ብዝካየድ ናይ 170 ክ/ሜ ቅድድም ክዛዘም ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፣፣

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

Eritrean Delegation in Khartoum

Eritrea participates at 37th AU Council of...

President Isaias returns home concluding working...

Electricity and Youth Empowerment: Eritrea’s...

Somali president returns home concluding two-day...

China: Contributing to World Peace and Development