January 8, 2012

ኤርትራውያን ተቐማጦ ፖርት ሱዳን፣ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ፖርት ሱዳን፣ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ፖርት ሱዳን ኣብ ዘቃንዕዎ ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ፣ ንዘይፍትሓዊ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ድሕሪ ምዅናን፣ ብመትከል ርእሰ-ምርኰሳ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋት ከም ወትሩ ድሉዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፣ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ሱዳን ኣቶ መሓመድ ስዒድ ማንታይ፣ ንታሪኽ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ፣ መደባት ዳግመ-ህንጻን ተራ መንእሰያትን ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሱዳን ብሓፈሻ፣ መንእሰያት ድማ ብፍላይ፣ ጥርናፈኦም ኣሐዪሎም፣ ዓንዲ-ሕቘ ዝካየድ ሃገራዊ መደባት ክኾኑ ኣዘኻኺሩ።

ቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ ኢብራሂም እድሪስ ብወገኑ፣ ንዝምድናታት ኤርትራን ሱዳንን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ምዕባለን፤ ከምኡ’ውን ኤርትራ ተመዝግቦ ዘላ ኩሉመዳያዊ ምዕባለን ዓወትን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ፣ ከም’ቲ ዝሓለፈ ብሓያል ሃገራውነት፣ ሓድነትን ጽንዓትን ኤርትራውያን ክምከት ምዃኑ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሱድን – ዶክተር መሓመድ ጣህር ኤላ፣ መንግስቲ ሱዳን ብሓፈሻ ዞባኡ ድማ ብፍላይ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወሰነ እገዳ ንመደባት ልምዓትን ገስጋስን ኤርትራ ንምትዕንቓፍ ዝዓለመ ስለዝኾነ ብመትከል ከምዝዅንኖ ኣነጺሩ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Government of Eritrea sends message of condolences

Southern region 18th regular Assembly meeting

Omhajer-Humera border point re-opened

Senior Eritrean delegation on working visit to...

Eritreans welcome New Year 2019 with enthusiasm

Ambassador Semere Russom presents credentials