February 9, 2012

ኤርትራውያን ተቐማጦ ፈረንሳ። መደባት ልምዓት ንምዕዋት ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም፣

ኤርትራውያን ተቐማጦ ፈረንሳ። መደባት ልምዓት ንምዕዋት ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም፣

ኤርትራውያን ተቐማጦ ፈረንሳ ኣብ ዘቃንዕዎ ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ። ብስም ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝሓለፈ ዘይፍትሓዊ እገዳ ኣመሪካ ድሕሪ ምዅናን። ብመትከል ርእሰ-ምርኰሳ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋት ከምወትሩ ድሉዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም፣

ኣብ’ቲ ኣኼባ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ፈረንሳ ኣቶ ፋሲል ገብረስላሰ። ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ዓለምን። ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ዝካየድ ዘሎ ኩሉመዳያዊ ገስጋስ ዘረጋግጽ ልምዓታዊ መደባት ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ፣

ኣምባሳደር ፋሲል ኣብ መብርሂኡ። “ብሓያል መኸተ – ኣንጻር ርእሰ ሓያላን ገጢሙ ናጽነቱ ዘረጋገጸን ዘውሓሰን ህዝቢ ኤርትራ። ልምዓታዊ ገስጋሱ ንምዅላፍን ንምንብርካኹን ንዝእለም ውዲታትን ሸርሕታትን ብሓያል መኸተኡ ከምዘፍሽሎ ዘጠራጥር የለን” ድሕሪ ምባል። ሃገራዊ ጥምረትን ሓድነትን ምስጢር ኩሉ ዓወታት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብምምልካት። ኣብ ፈረንሳ ዝነብሩ ዜጋታት መሳርዖም ኣስጢሞም ብንቕሓት ክሳተፉ ኣዘኻኺሩ፣

“ሂወት ኣሽሓት ብሉጻት ዝተኸፍሎ ናጽነትን ልኡላውነትን። ብልምዓት ክንድርዖ ኢና” ዝበሉ ተሳተፍቲ። ኣበርክቶኦምን ተሳትፎኦምን ከምዘዕዝዙ ደጊሞም ኣረጋጊጾም፣

******* ኣ.ዜ.ኤ *******

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ 3

President Isaias’ Speech on Martyrs Day

Activities of Eritrean Nationals in the Diaspora

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ 2 ቀዳማይ ምዕራፍ፣ ጥልያን...

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ ቀዳማይ ክፋል ህርፋን 1

President Isaias’ speech in connection with the...