February 17, 2013

ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመናዊት ከተማ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን፣ ድልውነቶም ንዝበረኸ መኸተ ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመናዊት ከተማ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን፣ ድልውነቶም ንዝበረኸ መኸተ ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመናዊት ከተማ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን፣ ድልውነቶም ንዝበረኸ መኸተ ኣረጋጊጾም።ኤርትራውያን ተቐማጦ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን – ጀርመን፣ በብእዋኑ ሕብሩን መልክዑን እናቐያየረ ንዝመጽእ ዘሎ ሸርሕታትን ውዲታትን ጸላእትን ተጻባእትን ብንቕሓት ብምፍሻል፣ ድልውነቶም ንዝበረኸ መኸተ ኣረጋጊጾም።

እቶም ዜጋታት ብ17 ለካቲት ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ፣ ቍጠባውን ልምዓታውን ገስጋስ ኤርትራ ኣብ ዘተኣማምን መድረኽ ምድያቡ በቲ ሓደ፣ ዜጋታት ዝውንኑዎ ፍልጠትን ማልን ኣብ ረብሓ ህዝቦምን ሃገሮምን ንምውዓል ኣብ ዝሸባሸቡሉ ዘለዉ እዋን ድማ በቲ ካልእ ዝካየድ ተጻብኦታት ከም ወትሩ ፈሻሊ ምዃኑ ብምሕባር፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ዜጋ መሳርዑ ኣስጢሙ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ ብሽማግለ መኸተ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን ዝተወደበ ሃገራዊ ምትእኽኻብ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ፣ ንመደባት ጥሙር ሃገራዊ መኸተን ገስጋስ ልምዓትን ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ተራ ማሕበረ-ኮም ኣብ ምድልዳል መንነትን ሃገራውነትን ዘአኰረን መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ብኤርትራውያን ምሁራት ድሕሪ ምቕራቡ፣ ተሳተፍቲ ብርእይቶታትን ሃነጽቲ ሓሳባትን ከምዘሀብተምዎ፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Activities of Eritrean Nationals in the Diaspora

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ 2 ቀዳማይ ምዕራፍ፣ ጥልያን...

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ ቀዳማይ ክፋል ህርፋን 1

President Isaias’ speech in connection with the...

Eritrean nationals celebrate Independence Day...

መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ