June 5, 2013

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዳላስን ኮሎምቦስን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ከምኡ’ውን ሙኒኽ – ጀርመን በዓል ናጽነት ጸንቢሎም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዳላስን ኮሎምቦስን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣
ከምኡ’ውን ሙኒኽ – ጀርመን በዓል ናጽነት ጸንቢሎም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዳላስን ኮሎምቦስን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ከምኡ’ውን ሙኒኽ - ጀርመን በዓል ናጽነት ጸንቢሎም።ከም ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኤርትራውያን ኣብ ዝነብሩለን ሃገራትን፣ “መኸተ ድርዕና፣ ስራሕ ክብርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ክካየድ ዝቐነየ ጽንብላት መበል 22 ልደተ ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ከተማታት ዳላስ – ቴክሳስ፣ ኮሎምቦስ – ኦሃዮ፣ ከምኡ’ውን ሙኒኽ – ጀርመን ዝነብሩ ዜጋታት፣ ድሙቕ ጽንብላት ከምዘካየዱ፣ ከካብ ቦታኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዳላስ ኣብ ዘካየድዎ ልዑል ሱታፌን ኣበርክቶን መእሰያትን ቈልዑን ዝተንጸባረቐሉ – ኣብ ምሕያል ሃገራዊ መኸተን ምውርራስ ክብርታትን ዘተኰረ ጽንብል፣ ሓድነቶም ዓቂቦም ልምዓታዊ መደባት ሃገሮም ንምድንፋዕ ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

እቲ ኣጋጣሚ፣ ንርዝነትን ክብርን ናጽነት፣ ሃገራዊ ክብረት ንምጉንጻፍ ዝተሓልፈ መሰናኽልን ዝተኸፍለ ዋጋን፣ ከምኡ’ውን ኤርትራ ወለዶታት ዝሕበኑላ ንምግባራ ዝካየድ ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ብዘንጸባርቕ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ደሚቑ ምንባሩ፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኮሎምቦስ – ኦሃዮ ብወገኖም፣ ህዝቢ ኤርትራ ብዓመጽ ንዝተነፍገ መሰሉ ንምምላስ ብዘካየዶ ኣብ ዓለም ውሑድ መዳርግቲ ጥራይ ዝርከቦ ሓርነታዊ ተጋድሎ ዘረጋገጾ ሃገራዊ ናጽነት ፍሉይነት ከምዘለዎ ብምጥቃስ፣ “ብፍላይ ድማ ጽንብል መበል 22 ዓመት ናጽነት፣ ብውህደትናን መኸተናን ንኹሉ ሸርሕታት ኣላሽ ኣቢልና ሓቀኛ ምስልና ኣብ ዝዀላዕናሉ እዋን ይበዓል ምህላዉ፣ መልእኽቱ ዕዙዝ’ዩ” ክብሉ ኣስሚሮምሉ።

ብተመሳሳሊ፣ ኣብ ከተማ ሙኒኽ – ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን ዝተሳተፍዎን ልዑል ሃገራዊ መንፈስ እተንጸባረቐሉን ምዕሩግ ጽንብል ከምእተኻየደ፣ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

Funeral service of veteran fighters Brig. Gen....

National Council of Eritrean Americans (NCEA)...

Eritrean Sensation Aron Kifle and Awet Habte...

Eritrean Community festival in Eastern Canada

Diaspora News – Global compact for safe,...

Campaign to make Westerners aware of Ethiopia’s...