January 16, 2012

ኤርትራውያን ተቐማጦ ደቡብ ኣፍሪቃ። ኣብ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ብዝለዓለ ከምዝነጥፉ ኣረጋጊጾም፣

ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ኤርትራውያን። ውዳቤኦም ኣሐዪሎም ኣብ መደባት ልምዓት ብዝለዓለ ከምዝነጥፉ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝገበረሎም ሰሚናር ኣረጋጊጾም፣

ሚኒስተር ዑስማን። ንህልው ኩነታት ሃገርና። ዞባናን ዓለምን። ከምኡ’ውን ኣገዳስነት ጥርናፈን ሓያል መኸተን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝርዝር ድሕሪ ምብራህ። ናይ ተጻባእቲ ውዲታት ገና ዘፍ ስለዘይበለ ትኵርነቶም ከዛይዱ ኣዘኻኺሩ፣

ኣስዒቡ ሚኒስተር ዑስማን። ኣብ ዝሓለፈ ናይ መኸተ ዓመታት። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብዘካየድዎ ዘይሕለል ጻዕሪ ጻማ ዝሕፈሰሉ እዋን ተበጺሑ ምህላዉ ብምጥቃስ። ናይ ተጻባእቲ ሓሶትን ጸለመን ብመኸተ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ዜጋ ከምዝፈሽል ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ፣

“እናሓየልናን እናሰወድናን ኣብ እንኸደሉ። ተጻባእትና ጭንቀቶም መሊሱ’ዩ ዝዓርግ” ዝበለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ። ብዓሎቝ ዝግበር እገዳ ንኤርትራውያን ሓድሽ ስለዘይኮነ። ከም እሾኽ ተነቒሱ ከምዝስበር ኣረጋጊጹ፣

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ። ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ኣብታ ሃገር ምስ ዝነብሩ መንእሰያት ኣብ ዝካየዶ ርክብ። ኤርትራ ተጐናጺፋቶ ዘላ ዓወት ብቐንዱ ብመንእሰያት ዝመጸን ንመንእሰያት ዘገልግልን ከምዝኾነ ጠቒሱ። ኣብ ወጻኢ ዝነብር መንእሰይ ኤርትራ ተራኡ ኣብ ልምዓትን መኸተን ንምዕባይ። ክነቅሕን ክውደብን ብምዝኽኻር። ብሞያ። ትምህርትን ቍጠባዊ ዓቕሚን ናብ ዝበረኸ ደረጃ ንኽበጽሕ ኣብ ንሓድሕዱ ክተሓጋገዝ ኣተሓሳሲቡ፣

እቶም መንእሰያት ብወገኖም። ጥርናፈኦም ኣሐዪሎም ሃገራዊ ግቡኦም ብዝለዓለ ከምዝፍጽሙ ብምርግጋጽ። ንኹሉ እንተታት ድሉዋት ምህላዎም ቃል ኣትዮም፣

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ሰሚናር ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣቶ ሳልሕ ዑመር። ንተራ መንእሰያት ብምንኣድ። ኣብ’ዚ ናይ መኸተ እዋን ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ፣

**** ኣ.ዜ.ኤ ****

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...