May 12, 2011

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግቶን ዲሲ ሰሚናር 4ይ ህዝባዊ መኸተ ብዓወት ኣቃንዖም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግቶን ዲሲ ሰሚናር 4ይ ህዝባዊ መኸተ ብዓወት ከምዘቓንዑ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ጸብጻብ ኣረዲኡ። ኣደ-መንበር ሓይሊ ዕማም ሃገራዊ መኸተ ወይዘሮ ፍረወይኒ ተኸስተ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንዝተሰላሰለ ዕማማት ብዝርዝር ድሕሪ ምቕራብ፣ ናይ መጻኢ መደባት መኸተን ልምዓትን ዝሓየለ ከምዝኸውን ኣስሚራትሉ።

ቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ኣቶ ብርሃነ ገብሪሂወት ብወገኑ፣ ንተሳተፍቲ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርና ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፣ ዘጋጥሙና ብድሆታት ከም ወትሩ መኸተና ብምሕያል ከምእንዕወተሎም ከምዘየጠራጥር ብምሕባር፣ ኩሉ ዜጋ ብንቕሓት ክዋሳእ ኣዘኻኺሩ። ተሳተፍቲ ብወገኖም ከም ወትሩ ኣብ ጎኒ ህዝቦምን መንግስቶምን ብምዃን ኩሉ ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ድልውነቶም ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

*****ኣ.ዜ.ኤ*****

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...

Meeting of Cabinet Ministers

International Youth Day observed