February 27, 2013

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ንተጻብኦታት ብንቕሓት መኪቶም ንዓወት መደባት ልምዓት ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ንተጻብኦታት ብንቕሓት
መኪቶም ንዓወት መደባት ልምዓት ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ንተጻብኦታት ብንቕሓት  መኪቶም ንዓወት መደባት ልምዓት ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ጥሙር መደባት ልምዓትን መኸተን ንምዕንቃጽ ንዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት ብምዅናን፣ ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋጽ ብህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ንምዕዋት ካብኣቶም ዝሕተት ኩሉ ከማልኡ ቅሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

እቶም ዜጋታት ብ24 ለካቲት ኣብ ዘቃንዕዎ ህዝባዊ ሰሚናር፣ ምስሊ ኤርትራ ንምድዋንን ሕንፍሽፍሽ ንምፍጣርን ብጸላእትን ተጻባእትን ዝካየድ ሕሱር ዘመተታትን ናይ ህዝባዊ ርክባት ሃልኪን ዕምሩ ሓጺር ምዃኑ ብምጥቃስ፣ “ሎሚ’ውን ከም ወትሩ፣ ኣብ ጎኒ’ቲ ጸኒዑ ዘጽንዐ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብምዃኑ፣ ንኹሉ ዝመጽእ ተጻብኦታት ብንቕሓት ክንገጥም ድልዋት ኣለና” ኢሎም።

እቶም ዜጋታት ኣስዒቦም፣ ኣንጻር ኩሉ ሸርሕታት – ብመትከል ርእሰ-ምርኰሳ ተበጺሑ ንዘሎ ደረጃ ምዕባለ ዘለዎም ኣድናቖት ብምግላጽ፣ ዘላቒ ቍጠባዊ ዕቤት ንምጭባጥን ናብ ርህው መድረኽ ንምስግጋርን ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ገሊጾም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት ንተሳተፍቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ንህልው ኩነታትን ምዕባለታቱን፤ ከምኡ’ውን መድረኻዊ ሓላፍነት ዝምልከት መብርሂ ከምዝሃበ፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ መወዳእታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምውሓስን ሰናይ ጉርብትናን ሓድሕድ ምትሕግጋዝን ንምርግጋጽን ንዝጻወቶ ዘሎ ተራ ብምምጓስ፣ ትግባረ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክረጋገጽ፤ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተበዪኑ ዘሎ ዘይሕጋውን ዘይሓላፍነታውን እገዳ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ንኽለዓል፣ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነቱ ክስከም ጸዊዖም።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Funeral service of veteran fighters Brig. Gen....

National Council of Eritrean Americans (NCEA)...

Eritrean Sensation Aron Kifle and Awet Habte...

Eritrean Community festival in Eastern Canada

Diaspora News – Global compact for safe,...

Campaign to make Westerners aware of Ethiopia’s...