October 12, 2011

ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ኣደላይድ፣ መኸተኦም ንምሕያል መደባት ሓንጺጾም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ኣደላይድ – ደቡባዊ ኣውስትራልያ፣ ዘሰላሰልዎ ንጥፈታት ንምግምጋም ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ኣብ ጎኒ ህዝቦምን መንግስቶምን ኮይኖም ሃገራዊ መደባት መኸተ ንምድንፋዕ ዘኽእሎም መደባት ሓንጺጾም።

ጠቕላሊ ቈንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ኣቶ በሺር እድሪስ ኑር ንተሳተፍቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብጥሜት ኣብ ዝልለዋሉ ዘለዋ እዋን፣ ኤርትራ ነብሳ ክኢላ ናብ ዝበረኸ መድረኽ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ምምራሻ፣ ውጽኢት መትከል ርእሰ-ምርኰሳ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቶም ዜጋታት፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ መኸተ ዓመታት፣ ብሓያል ውዳበ ኣብ ምድንፋዕ ወፈያታት፣ ምምላእ ሃገራዊ ግቡኣትን ምንባይ ስድራ ስዉኣትን ልዑል ኣበርክቶ ከምዝገበሩ፣ ካብ ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ቈንስል ሃገረ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣባላት ህግደፍ ከተማ ኣደላይድ ራብዓይ ጉባኤኦም ብምክያድ፣ ንንጥፈታቶም እተወሃህድ ኣካያዲት ኣካል ከምዝመረጹ፣ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...

Meeting of Cabinet Ministers

International Youth Day observed