September 30, 2013

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኖርድ-ራይን-ቨስትፋለን (NRW) ጀርመን ብዕለት 21.09.2013 ኣብ ዱዘልዶርፍ ዕዉት ሰሚናር ህዝባዊ መኸተ ኣካይዶም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኖርድ-ራይን-ቨስትፋለን (NRW) ጀርመን
ብዕለት 21.09.2013 ኣብ ዱዘልዶርፍ ዕዉት ሰሚናር ህዝባዊ መኸተ ኣካይዶም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኖርድ-ራይን-ቨስትፋለን (NRW) ጀርመን ብዕለት 21.09.2013 ኣብ ዱዘልዶርፍ ዕዉት ሰሚናር ህዝባዊ መኸተ ኣካይዶም።

እቲ፡ መልስና ሕጂውን ኣይንምብርከኽን፡ እምቢ ንእገዳ፡ ድሕነት ሃገር ብመኸተ፡ ኣብ ዝብል ቴማ ብውህደት ሽማግለታት ህዝባዊ መኸተን ማሕበረ-ኮማትን ከተማታት ቢለፈልድ፡ ዱዘልዶርፍ፡ ከለን፡ ሞንሸን-ግላድባኽን: ቩፐርታልን ዝተዳለወ ሰሚናር፡ ብተክኒካዊ ምኽንያታት ደንጉዩ ንህዝቢ ዝተሓበረኳ እንተነበረ፡ ናይ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኖርድራይንቨስትፋለን ጽምኢን ድላይን መኸተ ንድሕነት ሃገር ሕሉፍ ብምዃኑ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ኖ/ራ/ቨስትፋለን ናብ ቦታ ሰሚናር ብምውሓዝ ዳርጋ ዕጽፊ ብዝሒ ናይቲ ትጽቢት እዩ ተኻፊሉ።

ተኻፈልቲ ሰሚናር ቦቦትኦም ድሕሪ ምሓዞም መጀመርያ ብማ/ኮም ዱዙልዶርፍ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ምንዮት ንዓወት ሰሚናርን ቃል ቀረበ። ቀጺሉ ድማ ኣቦ መንበር ሽማግለ መኸተ ኖ/ራ/ቨስትፋለን ዓወት ዝመልኦ ሰሚናር ንኽኸውን ትምኒቱ ብምግላጽ ነቲ ሰሚናር ከፈቶ። ብድሕሪኡ ሕጽር ዝበለ ናይታ ስጋብ እዚ ወርሒ ዘገልገለት ፈጻሚት ሽማግለ ህዝባዊ መኸተ ጀርመንን ናይታ ሓዳስ ዝተመርጸትን ጽቡቕ ትምኒት ንዕዉት መኸተን ተነቢቡ።
ቀጺላ ዝሰዓበት፡ ኣታ፡ > በበይንና እንተ ኸድና ከም እንስበር ብሓባር እንተኼድና ግን ከም እንዕወት እትገልጽ< ብመንእሰያት ከለን ተዳልያ ወለድን መንእሰያትን ዝተሳተፉላ ሓጻር ተዋስኦ ኮይና ጽቡቕ ግብረ መልሲ ኢያ ረኺባ። ብድሕርዚ ዝቐጸለ ብዓቢኡ እቲ ብሽማግለ መኸተ ኖርድራይን ቨስትፋለን ዝተዳለወ ምጽናዕታዊ ጽሑፍ ኮይኑ ብውሕሉል ኣገባብ ብኣቶ መንግስትኣብ ኣርኣያ፡ ቀረበ። ትሕዝቶ እቲ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ መጽናዕቲ፡ ዓወትን ምዕባሌን መኸተና ንምድህሰሳን ምግምጋምን፡ ንዝጽበዩና ብድሆታት’ከ ብኽመይ ንገጠሞን ንዳሎን ዝብል ኮይኑ ንሰፊሕ ዘተ ዝዕድም እዩ ኔሩ። ቀጺሉ እቲ መጽናዕቲ ኣብቲ ብርግጽ መኸተና-ኸ ተዓዊቱድዩ ዝብል ሕቶ ኣትዩ ነቲ *እወ* ዝብል መልሱ፡ በቲ ህሉው ኩነታት ሃገርና ከምዝልካዕ ከብርህ ከሎ፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ጌሩ ይገልጾ፡>– ህሉው ኩነታት ሃገር፡ ክብሃል ከሎ ብጣዕሚ ሰፊሕ ስለዝኾነ በቲ ሂወት ወዲሰብ ንምምሕያሽ ተባሂሉ ሚለንዩም 2015 ዝተሰምየ ኣብ 2000 ዓ.ም. 189 መራሕቲ ሃገራት ዓለም ዝተኻፈልዎ እኼባ ዝወሰኖ፡ ስጋብ 2015 ብኹለን ሃገራት ዓለም ክማላእ ዝህቀን ዘሎ ዕላማ ምግላጹ ዝቐለለ ስለዝኾነ፡ ኤርትራ ንምምልኡ ኣበይ በጺሓ ከምዘላ እንተመሊስና፡ 100% እውን እንተዘይኮነ ከም መግለጺ ናይ ህሉው ኩነታት ሃገርና ግን ክውሰድ ዝከኣልዩ። ኤርትራ 6 ካብቶም 8 (ቁ.2 ስጋብ 7) ክብጽሑ ዘለዎም ሸቶታት ስጋብ 2015 ዓ.ም. ከተማልአን ከም እትኽእል ብሓምለ 8, 2012 እቲ ሎንዶን ዝመደበሩ think tank, Africa Research Institute and the United Nations Development Programme ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትካል፡ ምስክርነቱ ሂቡ ኣሎ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ቁጽሪ 1 ሰፊሩ ዘሎ ማለት ሕ-ሉ-ፍ ድኽነትን ጥሜትን ምጥፋእ ዝብል ውን ውሕስነት መግቢ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ሓጺር ጊዜ ከምዝረጋገጽ ርኡይ እናኾነ ይኸይድ ስለዘሎ፡ እሱውን ከምዝማላእ ጥርጥር የለን። እዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ምልክት ዓወታት መኸተናዩ። ብኡ ኸኣዩ ነቶም ጽቡቕና ዘይደልዩ ዘጨንቖምን ድቃስ ለይቲ ዝኸልኦምን ዘሎ።

እቲ 2ይ ክፋል ናይቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ታሪኽ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ዘቶኮረ ኮይኑ፡ ባዕዳውያን በብተራ ክቕልቀሉ ካብ ዝጅምሩ ካብ ቱርኪ ጀሚርካ፡ ግብጺ፡ ጥልያን፡ እንግሊዝን ብሓያላት መንግስታት ሶቭየትን ኣመሪካን ዝዓጠቑ ዝተፈላለዩ መንግስታት ኢትዮጵያን፡ ብሓያልን ስልጡንን መኸተኡ ከምዘፍሸለን ነቲ ብኣመሪካ ብ1950 ዝተኣወጀልና ኩናት ገና ኣብ ምምካቱ ከምዘሎናንዩ ዝገልጽ። ወኪል ኣመሪካ -ዳላስ- ፡ ነቲ ኩናት ብከምዚ ዝስዕብ ዓማጺ ቃለትዩ እቕሪብዎ።

ከም ግቡእ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ መጻኢ ዕድሉ ክውስን መሰል ክውሃቦ ኔርዎ፡ ምስ ረብሓና ስለዘይሳነ ግን ምስ ኢትዮጵያ ንኽንቆርኖ ወሲንና ኣሎና።

ግን ከምቲ ዳላስ ዝተጸበዮ፡ ህዝቢ ኤርትራ ተቖሪኑ ኮፍ ክብል ኣይመረጸን፡ ብቕልጽሙን፡ ብርእስ ምርኮሳን፡ ብሉጻቱ ከፊሉ ንኹሉ ተጻብኦታት ብምዕጋት ናብቲ ዝለዓለ መኸተ ብረታዊ ቃልሲ ተሰጋጊሩ፡ ብመሪሕነት ህ.ግ. ብዓወት ካብቲ መቕረንቲ ተናጊፉ። እቲ እዉጅ ኩናት ግን ብኻልእ። መልክዕዩ ቀጺሉ። ወራር ወያኔ፡ ተደጋጋሚ ተጻብኦ ብሕብረት ኤውሮፓ፡ እቲ ብስሉሳዊ ኪዳን ሰንዓ ዝፍለጥ ዘይቅዱስ ኪዳን ወያኔን ሱዳንን የመንን ምስ ፍሹላት ፤ ናብ ሊስታ ናይ ግብረ ሽበራ ዝሕግዛ ሃገራት ንምእታውና ዝተገብረ ፈተነ ኣመሪካ ፤እቲ ብብይን 1907/2009 ዝፍለጥ ናይ ታሕሳስ 2009 ዘይፍትሓዊ እገዳ ፤እቲ ብብይን 2023/2011 ዝጽዋዕ፡ ተወሳኺ ናይ ዓመጽ እገዳ ፤ እቲ ስጋብዛ ደቒቕዚኣ ብቐጻሊ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ጸለመን ፕሮፓጋንዳን ስነ-ኣእሙራዊ ኩናት፤ እዚ ተጣበቕቲ መሰል ወዲ ሰብ መሲልካ ናይ ምኹናን ምኽንያታት ንምርካብ ሃሰስ ዝበሃል ዘሎ፤ ኩሉ ማዕከናት ዜናን ፕሮፓጋንዳን ተጠቒምካ ስነኣእሙሮኣዊ ኲናት ብምእጓድ፡ ህዝቢ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ብምድሃልን ተስፋ ከምዝቖርጹን ጌርካ ካብ ሃገሮም ከምዝወጹን ኣብ ናይ ሃገሮም ጉዳይ ከምዘይካፈሉን ንምግባር፡ ብዙሕ ሕቡእ እከይ ተግባራት ይካየድ ኣሎ። ይኹን እምበር ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ዜጋ ሓሊፉ ብምጽናሕ፡ ከም ወትሩ ነቲ እከይ ተግባር ናብ ዕድል ቀይሩ ተሳሒሉን ሰዊዱን ብምውጻእ፡ ኣብ ጕዕዞ ልምዓቱን ምድልዳል ሓድነቱ ክምህ ከይበለ ንቕድሚት ይምርሽ ኣሎ።
ምርጫና ርእስኻ ብምኽኣል ናጻ ፖለቲካዊ መስመርካ ካብ ኮነ፡ መኸተና ቀጻሊ እዩሞ፡ ከምቲ ክቡር ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ኒዩ ዮርክ ዝበሎ፡ ስጋብ ሕጂ ክንዕወት ዝኸኣልና ሓደ ክንዲ ኣርባዕተ/ሓሙሽተ ኮይኑ ስለዝተቓለሰ ስለዝኾነ ድማ፡ ሕጂውን እቲ ባህሊቲ ዓቂብና ንቕድሚት ንኺድ። ክንስዕር እንተኾንና ድማ ከምቲ ጀነራል ስብሓት ኢፍረም ዝበሎ፡ ቅድም ንነብስና ካብ ኩሉ ድሑር ስምዒታትን ኣተሓሳስባን ድኽመትን ነጻ ብምግባር ክንስዕራ ኣሎና። ስልዚ ንኺድ ጥራሕ ንመርሽ፡ ክንዕወት ድማ ኢና፡ ብምባል ኣቶ መንግስትኣብ መደረኡ ዛዘመ።
ቀጺሉ፡ ናይ ክብሪ ዕዱም ኮይኑ ኣብቲ ሰሚናረ ዝተረኽበ ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ ካብ ቤ/ጽ ህዝባዊን ኮማውን ጉዳያት ኤ/ሃ/ኤ ጀርመን፡ ኣብ ጉዳይ ጥርናፈ ወዳቤታት ሕበረትሰብ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብፍላይ መንእሰያትና ብዝሓየለ ሃገራውነት ንኽጥርነፉ ስድራቤትን ማሕበረኮማትን ክሰርሓሉን ጎስጓስ ከካይዳሉን ከምዘለወንን ቤ/ጽ ህዝባዊን ኮምዊን ጉዳያት ድማ ብወገኑ ዝኾነ ምትሕግጋዝ ክገብር ቅሩብ ምዃኑን ገሊጹ። ንመደብ ህዝባዊ መኸተ ኣብ ከተማ ዱዝልዶርፍ ዕዉት ዝገብሩ ሽማግለ መኸተ ኖርድራይንቬስትፋለንን፡ ኣእንገድቲ ተቐማጦ ከተማ ዱዘልዶርፍን፡ ንኹሎም ተሳተፍቲን ንኣብነታዊ ሓድነቶም ብምምስጋን ዘረብኡ ዓጸወ።

ስዒቡ ብመንእሰያት ማርታን ክፍለማርያምን ዮኤል ክፍለማርያምን ዝቐረበ ንመንእሰያትን ወለድን ዝምልከት እዋናዊ ዛዕባ ኮይኑ፡ ወለዲ ደቆም ከምዝጥርነፉ ንምግባር ዘለዎም ሓላፍነት ዓቢ ብምዃኑ ከይተሓለሉ ክሰርሑሉን ክደኽሙሉን ዘተሓሳስብ እዩ ኔሩ። መንእሰያት ድማ፡ በዚ ናይ ሎሚ መድያ ከይታለሉ፡ ነቲ ኮነ ኢሎም ኣዊጆሙልና ዘለዉ ስነ ኣእምራዊ ኲናት ክምክቱን ንሃገሮም ክከላኸሉላን ኣተሓሳሲቦም። እቲ፡ ተራ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ መኸተ ንወፍሪን ልምዓት ሃገርን ኣብ ዘቶኮሩ ኣስተምህሮኦም ንተሳተፍቲ ዓቢ ኣፍልጦ ዝህብ ብምንባሩ ብተሳተፍቲ ዓቢ ኣድናቖትዩ ረኸቡ። መንእሰይ ዮኤል ብተወሳኺ ኣብ ዘቕረቦ ትሕዝቶ፡ መንእሰይ ኣብ ኤርትራ ንሃገሩ ብኹሉ መዳያት ይሰርሕ ከምዘሎን፤ ኣብ ስደት ንርከብ መንእሰያት ከኣ ንሃገርና ብዓቕምና ከነገልግል ግዴታ ከም ዘሎና፤ ነዚ ንኽንገብር ግን ብመጀመርያ ክንጥርነፍ ከም ዝግባኣና ዝብል ኣገዳሲ መግለጺ ብምሃብዩ ዘርብኡ ዛዚሙ።
ካብዚ ቀጺሉ ዝስዓበ ንህዝቢ ናይ ሕቶን ርእይቶን መደብ እዩ ኔሩ። ኣብቲ ዝቐረበ ርእይቶታት፡ ብተዳጋጋሚ፡ ከምዚ ዓይነት ናይ መኸተ ሰሚናራት ብቐጻሊ ንኽግበር፡ መንእሰያት ዝጠራነፍሉ ሃዋህው ንኽፍጠር ዝጠልብዩ ኔሩ። ድሕሪ ምስማዕ ርእይቶታት፡ እቲ ሰሚናር ነዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ድሕሪ ምሕላፍ ብጭርሖታትን ሃገራውን መዝሙር ብዓወት ተዛዚሙ።

1. ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ውጹእ ሓሶታት ወያኔ ተመርኩሱ ብድፍኢት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኤርትራ ዘሕለፎ ጭብጥን መርትዖን ዘይብሉ እገዳታት ብህጹጽ ንኸልዕሎ ንጽውዕ።
2. ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን እተን ነቲ ዛጊት 12 ዓመቱ ጌሩ ዘሎ ናይ መጨረሽታን ቀያድን ዝኾነ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኸተግብራ ውሕስነት ዝወሰዳ ብዓል ኣልጀርያን፡ ምምሕዳር ኣመሪካን፡ ሓድነት ኤውሮጳን፡ ንወያኔ ምቅብጣር ደው ኣቢለን ብህጹጽን ብዘይቅድመ- ኩነትን ንኸተግብርኦ ጻውዒትና ነቕርብ።
3. ነቲ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ልምዓትን ዲፕሎማሲያዊ ጎስጓስን ዝገብርዎ ዘለዉ ዝንኣድ ስራሕ እናኣሞጎስና፡ ሎሚ’ውን ከም ወትሩ ኣብ ጎኒ ህዝብናን መንግስትናን ከም ዘሎና ደጊምና ነረጋግጽ።
4. ነቶም ንሓንቲ ደቒቕውን ትኹን ከነዕርፍ ከይበሉ ልዑላውነት ሃገር ኣውሒሶም ናይ ቁጠባዊ ሓርነትን ልምዓትን መንኮርኮር ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኤርትራ ነቲ ዘይሕለል ንጥፈታቶም እናሞጎስና ኣብ ጎኖም ከም ዘሎና ነረጋግጽ። ነቲ ብዝተፈላላየ ሜላታት ተወፋይነቶም ንምቕሃም ዝግበር ውዲታት ድማ ኣትሪርና ንኹንን።
5. ነቲ ኣብ ጊዜ ሰላሳ ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ብጸላእቲ ዝዓነወ ቁጠባን ትሕተ-ቅርጽን ሃገርና ንምሕዋይ ብነጻ ድልየትና ንክኽፈል ዝወሰንናዮ 2% ንኸይክፈል ከልኪሉ፡ ኢድናን እግርናን ኣሕጺሩ፡ ምስ ህዝብናን ሃገርናን ዘሎና ምትእስሳር ንምብታኽ ዝዓለመ ተንኮል ኣመሪካን ወያነን እናኾነንና፡ ንጥፈታትና ኣብ 2% ኮነ ተኻፋልነትና ኣብ ወፍሪ ክብ ንምባል ከም ወትሩ ድልዋት ምዃንና ደጊምና ነረጋግጽ።
6. ነቲ ብዝተፈላለየ ሜላታት፡ ስኒት ህዝቢ ክዘርግን፡ ተወፋይነት መንእሰያት ከማህምንን ሓድነት ህዝብን መንግስትን ከጥፍእ ዝሃቀነ ተንኮላትን ርኹስ ሕልሚታትን ኣጥቢቕና ንኹንን። ንትኩርን ዓቃልን ኣተሓሕዛ መንግስቲ ኤርትራ እናኣሞጎስና ነዞም እከይ ተግባራት ንምብዳህ ድሉዋት ምዃና ነረጋግጽ።
7. ባይቶ መሰል ደቂ ሰብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብቲ ብቐደሙ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዝመንቀሊኡን ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ዘየማልአን፡ ወካሊቱ ዝኾነት Mrs. Sheila B.Keetharuth ካብ ደመኛታት ጸላእቲ ኤርትራን መወልቶምን ኣኻኺባ ዘቕረበቶ፡ ጭብጥን መርትዖን ዘይብሉ ጸብጻብ ነቒሉ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ዘሕለፎ ውሳኔ ኣትሪርና ንነጽግ:: ንግህሰት ሰብኣዊ መሰል ናይቶም ኣብቲ ብኢትዮጵያ ዝተጎብጠ መሬት ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ኣጀንዳ እቲ ባይቶ ሰፊሩ ዘሎ ብዓንቀጽ 7 ዝፍለጥ ህጹጽ ስጉምቲን ግቡእ ኣተሓሕዛ ክገብረሉ ንጽውዕ::
8. ኩሉ ደላይ ሰላም ብፍላይ ድማ ኩሎም ኣፍሪቃውያን ነቲ ንኣመሪካ ንምድጋፍ ብስሞም ብመንግስታቶም ዝግበር ዘሎ በደል ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝኾነት ኤርትራ ኣትሪሮም ንክኹንኑ ንጽውዕ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ዓወት ንሓፋሽ :

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...