ኤርትራውያን ተቐማጦ ሎስ-ኣንጀለስ፣
ጽንብል መበል 22 ዓመት ናጽነት ብድምቀት ኣብዒሎም።
ኤርትራውያን ተቐማጦ ሎስ-ኣንጀለስ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ “መኸተ ድርዕና፣ ስራሕ ክብርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ – መበል 22 ዓመት ናጽነት ብድምቀት ከምዝጸንበሉ፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ’ቲ ጽንብል ተረኺቡ፣ ንህሉው ኩነታት ሃገር፣ ዞባናን ዓለምን፣ ከምኡ’ውን ኤርትራ ኣትያቶ ዘላ መድረኽ ቍጠባዊ ወፍሪን ተራሕዩ ዘሎ ዕድላትን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
ኣብ’ቲ ብምርኢት ኣልባሳትን ባህላዊ መደብን ማዕሪጉ ዝነበረ ጽንብል፣ ብርክት ዝበሉ ዜጋታትን መሓዙት ኤርትራን ተሳቲፎም ምንባሮም፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
***** ኣ.ዜ.ኤ *****