December 27, 2012

ኤርትራውያን ተቐማጦ ሎስኣንጀለስን ከባቢኣን፣ ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ ኣቃኒዖም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ሎስኣንጀለስን ከባቢኣን፣
ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ ኣቃኒዖም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ሎስኣንጀለስን ከባቢኣን፣  ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ ኣቃኒዖም።ኤርትራውያን ተቐማጦ ሎስኣንጀለስን ከባቢኣን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ብውህደት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቱን ንዝሰላሰል ዘሎ ንጥፈታት ልምዓትን ጥሙር መኸተን ዘለዎም ኣድናቖት ብምግላጽ፣ እጃሞም ብዝለዓለ ከበርክቱ ድልዋት ምህላዎም፣ ኣብ ዘቃንዕዎ ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ ኣረጋጊጾም።

ኣቦ-መንበር ሽማግለ ህዝባዊ መኸተ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፣ “መኸተና – ካባና ብኣና ንዓና” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ መግለጺ፣ ብደሙን ረሃጹን ናጽነቱ ዘረጋገጸን ዘውሓሰን ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ልምዓት’ውን ምሉእ ምትእምማን ኣብ ነብሱ ጌሩ ዘሳልጦ ዘሎ ንጥፈታት መርኣያ ተዓዋትነት መትከል ርእሰ-ምርኰሳ ከምዝኾነ ብምምልካት፣ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሎስኣንጀለስን ከባቢኣን፣ ኣብ ጎኒ ህዝቦምን መንግስቶምን ኮይኖም ኣብ ልምዓትን መኸተን ዝገብርዎ ዘለዉ ኣበርክቶ ቀጻሊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣኼበኛታት ብወገኖም፣ ቍጠባዊ ዓቕሚ ምሕያል ማለት ምሕያል ህዝባዊ መኸተ ምዃኑ ብምግንዛብ፣ ዝካየዱ ዘለዉ ሃገራዊ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ኣበርክቶኦም ከምዘሐይሉ ቃል ኣትዮም።

ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ ሎስ-ኣንጀለስ ዝቘመ ማሕበር ምሕብሓብ ስድራ-ስውኣት ዘበገሶ 50 ስድራ-ስውኣት ናይ ምእላይ መደብ ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ ተገሊጹ።

**** ኣ.ዜ.ኤ ****

Ethiopian Airlines resumes flight to Asmara

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias