October 25, 2012

ኤርትራውያን ተቐማጦ ህዩስተን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ድልውነቶም ንዝበረኸ መኸተ ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ህዩስተን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣
ድልውነቶም ንዝበረኸ መኸተ ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ህዩስተን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ልዑላውነት ሃገሮም ንምውሓስን መደባት ልምዓት ንምድንፋዕን ዝካየድ ጻዕሪ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንምዕዋት ከም ወትሩ ድልዋት ምዃኖም፣ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ ኣረጋጊጾም።

እቶም ዜጋታት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪን ዝምዝገብ ዘሎ ዓወትን ድሕሪ ምዝታይ፣ ብዝተፈብረኹን መሰረት ዘይብሎምን ጠቐነታት ዝተበየኑ ዘይሕጋዊ እገዳታት፣ ብስሙር ሓይሊን ውህደትን ኤርትራውያን ከምዝፈሽሉ ዘጠራጥር ከምዘየለ ኣነጺሮም።

ንሳቶም ኣብ መወዳእታ፣ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብዘሰላሰልዎ ዕማም ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ መዳያት ሕርሻ፣ ትሕተ-ቅርጺ፣ ትምህርትን ጥዕናን ተመዝጊቦሞ ንዘለዉ ምዕባለታት ዘለዎም ኣድናቖት ብምግላጽ፣ ተዓጻጻፊ ዕቤት ንምምዝጋብ፣ ጥምረቶም ኣትሪሮም ካብኣቶም ዝሕተት ከምዘማልኡ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Ethiopian Airlines resumes flight to Asmara

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias