November 26, 2012

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ተስፎም ዑቕባማርያም ኣብ መዛዘሚ ኣህጉራዊ ውድድር ብሽክለታ ዙር ሻርጃ ( ኢማራት ዓረብ ) ተዓዊቱ

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ተስፎም ዑቕባማርያም ኣብ መዛዘሚ ኣህጉራዊ
ውድድር ብሽክለታ ዙር ሻርጃ ( ኢማራት ዓረብ ) ተዓዊቱ

ብድራር ፍሰሃየ
ካብ 21-24 ሕዳር ኣብ ሻርጃ( ሕቡራት ኢማራት ዓረብ) ይካየድ ኣብ ዘሎ ኣህጉራዊ ቅድድም ንኣህጉር ኣፍሪቃ ወኪሎም ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝነኣድ ተሳታፍነት ውጽኢትን ብምምዝጋብ ውድድሮም ዛዚሞም፣፣

በዚ መሰረት ብ25 ሕዳር 2012 ኣብ ዝተኻየደ ናይ 170 መዛዘሚ ውድድር ተቐዳዳማይ ተስፎም ዑቕባማርያም ንመወዳድርቱ ብምርሕራሕ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት ኣድናቖት ክረክብ ክኢሉ ኣሎ፣ ተቐዳዳማይ ተስፎም ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ መድረኻት’ውን መበል 5ይን 8ይን ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ምስ ብሉጻት 10 ተቐዳደምቲ ተሰሪዑ ምንባሩን ኣብ ውድድር ዓቐብ ምዕዋቱን ዝዝከር’ዩ።

ሕርይቲ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኣብዚ ካብ 21-24 ሕዳር 2012 ኣርባዕተ መድረኻት ዘጠቓለለ ናይ ሻርጃ (ኢማራት-ዓረብ) ኣህጉራዊ ውድድር ካብ 15 ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝተዋጻኡ 15 ተቐዳደምቲ ኣብ ክልተ ጋንታታት ሓቚፋ ብኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄልን ካልኣዩ ኣፍሪቃዊ ኣሰልጣኒን እናተኣለየት ዝነኣድ ተወዳዳርነትን ውጽኢትን ምምዝጋባ ድማ ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል ድሕሪ ምዝዛም’ቲ ኣህጉራዊ ውድድር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓቢሩ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

Statement by H.E. Ambassador Beyene Russom, Head...

Seminars on implementation of development programs

Sudanese senior delegation on official visit to...

Press Release

Official visit by Prime Minister of Sudan to...

Seminar to Eritrean nationals in Riyadh