April 22, 2013

ኤርትራዊት ፊልም ‘ኣቕላስያ’ ተሸላሚት ‘ረሚ ኣዋርድ’ ኮይና።

ኤርትራዊት ፊልም ‘ኣቕላስያ’
ተሸላሚት ‘ረሚ ኣዋርድ’ ኮይና።

ኤርትራዊት ፊልም ‘ኣቕላስያ’ ተሸላሚት ‘ረሚ ኣዋርድ’ ኮይና።ብኤርትራዊ ዓቕሚ ኣብ ኤርትራ ዝፈረየት ፊልም ‘ኣቕላስያ’፣ ብ20 ሚያዝያ ኣብ ህዩስተን -ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ መበል 46 ዓለም-ለኻዊ ውድድር ፊልም፣ ‘ዝበለጸት ናይ ወጻኢ ፊልም’ (Best foreign film) ኮይና ተዓዋቲት ወርቃዊ ሽልማት ‘ረሚ ኣዋርድ’ ክትከውን ከምዝበቕዐት፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብ’ቲ ውድድር፣ ካብ መላእ ዓለም ልዕሊ 3 ሽሕ ፊልምታት ንውድድር ክቐርብ እንከሎ፣ ብደራስን ዳይረክተርን ዳኒኤል ተስፋማርያም እተዳለወት ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ዘተኰረት ፍርያት 2013 ዝኾነት ፊልም ‘ኣቕላስያ’ እትርከበን 51 ፊልምታት ንናይ መጨረሻ መድረኽ ከምዝሓለፋ፤ ፊልም ‘ኣቕላስያ’ ድማ ወደብቲ ናይቲ ውድድር ብዘቐመጥዎ ረቛሒታት ካብ ኩለን ብልጽቲ ኮይና ከምእተሸለመት፣ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኤርትራዊት ተዋሳኢት ጽገ ተኽለሰንበት ንብሉጽ ቀንዲ-ተዋሳኢ ንዝወሃብ ሽልማት ካብ ዝተረቝሑ 6 ብሉጻት ተዋሳእቲ ዓለም ክትከውን በቒዓ።

ኣብቲ ውድድር፣ ኣብ እንግሊዝ፣ ኢጣልያ፣ ፈረንሳ፣ ካናዳ፣ ፊንላንድ፣ ጃፓን፣ ኣየርላንድን ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተሰርሓ ፊልምታት’የን ንውድድር ቀሪበን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ‘ትዕግስቲ’ ዘርእስታ ኤርትራዊት ፊልም ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ተሳቲፋ ከምእተዓወተት ይፍለጥ።

እዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ዝካየዱ ውድድራት ፊልም ብዕብየቱ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከምዝስራዕ ዝንገረሉ ልዕሊ 50 ዓመታት ዘቝጸረ ፈስቲቫል ህዩስተን፣ ትሕዝቶ ድረሰት፣ ምውሳእ፣ ስእሊ፣ ከምኡ’ውን ኣርትዖትን ካልእን ከም መምዘኒ ረቛሒታት ከምዝጥቀም ይንገር።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...

Meeting of Cabinet Ministers

International Youth Day observed