March 9, 2012

ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ። ብልጽግቲ ኤርትራ ንምርግጋጽ ከም ወትሩ ድልውቲ ከምዘላ። ሃማደኤ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ፣

ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ። ብልጽግቲ ኤርትራ ንምርግጋጽ ከም ወትሩ
ድልውቲ ከምዘላ። ሃማደኤ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ፣

ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ። ብልጽግቲ ኤርትራ ንምርግጋጽ ከም ወትሩ ድልውቲ ከምዘላ። ሃማደኤ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ፣

ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ። ጕዕዞ ምርግጋጽ ብልጽግቲን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈናን ኤርትራ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ። ብዝለዓለ ደረጃ እጃማ ንምብርካት ድልውቲ ከምዘላ። ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣነጺሩ፣

እቲ ማሕበር ኣብ መግለጺኡ። ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ኣብ ምምጻእን ልኡላውነት ኣብ ምርግጋጽን ረዚን ዋጋ ከምዝኸፈለ፤ ኣብ’ዚ ታሪኻዊ ቃልሲን መኸተን’ዚ ድማ ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ወሳኒ ተራ ከምእተጻወተት ብምንጻር። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተበዪኑ ዘሎ ዘይፍትሓዊ እገዳ ንምምካት ድልውነቱ ኣረጋጊጹ፣

ኣብ መወዳእታ ሃማደኤ። ደቂኣንስትዮ ዓለምና ብሓፈሻ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ድማ ብፍላይ። ድኽነት ካብ ሱሩ ንኽምሖ ውዳብኤን ኣሐዪለን ንመቚሕ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ክነቕሓሉን ንምምካቱ ክዓጥቃን። ከምኡ’ውን ፍትሒን ማዕርነትን ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ቃለን ከሐድሳ ኣዘኻኺሩ፣

ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ። “ሓድነትናን ጽንዓትናን ባብ ርህው መጻኢና የርሑ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ተዘኪሩ ክውዕል’ዩ፣

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...