June 30, 2017

ኤርትራን ካዛኽስታንን ክልተኣዊ ዝምድናታት ንምምዕባል ተሰማሚዐን

ኤርትራን ካዛኽስታንን ክልተኣዊ ዝምድናታት
ንምምዕባል ተሰማሚዐን

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐን ኣመኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ኣምባሳደር ጴጥሮስ ጸጋይን ዝርከብዎን ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ካዛኽስታን ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ብረቡዕ 28 ሰነ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካዛኽስታን ካሪያት ኣብድራኽማኖቭ ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ክልተኣዊ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ቊጠባውን ዝምድናታት ንምምዕባል ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ኣስታና ዝተገብረ ሕውነታዊ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ንግድን ወፍሪ ኣብ ጽላት ዕደናን፡ ከምኡ’ውን ሕርሻን መጓዓዝያን ካብ ቀዳምነታት ናይ’ቲ ሽርክነት ክኸውን ተረዳዲኦም። ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ኤክስፖ ኣስታና 2017 ዑደት ፈጺሙ።

Eritrean Delegation in Khartoum

Eritrea participates at 37th AU Council of...

President Isaias returns home concluding working...

Electricity and Youth Empowerment: Eritrea’s...

Somali president returns home concluding two-day...

China: Contributing to World Peace and Development