January 10, 2014

ኣፍልጦ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ሕጊ ንምዕባይን ዝምድና ህዝብን ፖሊስን ንምድንፋዕን፡ ተራ ማዕከናት ዜና ክሕይል፡ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኣዘኻኺሩ፣

ኣፍልጦ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ሕጊ ንምዕባይን ዝምድና ህዝብን ፖሊስን ንምድንፋዕን፡ ተራ ማዕከናት ዜና ክሕይል፡ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኣዘኻኺሩ፣

ኣፍልጦ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ሕጊ ንምዕባይን ዝምድና ህዝብን ፖሊስን ንምድንፋዕን፡ ተራ ማዕከናት ዜና ክሕይል፡ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኣዘኻኺሩ፣ኣፍልጦን ንቕሓትን ሕብረተ-ሰብ ኣብ ሕጊ ብምዕባይ ዝምድና ህዝብን ፖሊስን ንምድንፋዕ፡ ከምኡ’ውን እዋናዊ ሓበሬታ ብቅልጡፍ ኣብ ምትሕልላፍ ጻዕሪ ማዕከናት ዜና ዝያዳ ክሕይል ከምዘድሊ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ብ9 ጥሪ ንኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር ገሊጹ፣

ኮሎኔል መሓሪ ዝሃቦ ሰሚናር፡ ተርእዮ ገበናት ብደረጃ ሃገር ኣብ ዓመተ 2013 ከምዝነከየ፡ እንተኾነ ግን ሓደጋታት ትራፊክ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣሰካፊ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ነዞም ኣብ ምዕባለ ሃገር ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎም ጉዳያት ኣብ ምክልኻልን ምውጋድን፡ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ጻዕርታቶም ከሐይሉ ኣዘኻኺሩ፣

ዕላማ ፖሊስ፡ ገበንን ሓደጋታትን ንኸይፍጸሙ ምክልኻል፡ ትግባረ ሕጊ ምርግጋጽ፡ ብሓፈሻ ድማ ሰላምን ጸጥታን ሕብረተ-ሰብ ምውሓስ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኮሎኔል መሓሪ፡ ረብሓታት ህዝቢ ንዝትንክፉ ገበናት ቀዳምነት ከምዝህቦምን ብዕቱብ ከምዝከታተሎም ብምሕባር፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ንምትሕብባር ህዝቢ ልዑል ኣቓልቦ ሂቡ ከምዝሰርሓሉ ኣረዲኡ፣

“ራኢ ፖሊስ ኤርትራ፡ ሰላም፡ ርግኣትን ልዕልና ሕግን ዝሰፈኖ ሕብረተ-ሰብ ምህናጽ’ዩ” ዝበለ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ፡ ዓበይቲ ገበናት ብምቅላዕ ንጻዕቂ ስራሕ ፖሊስ ዘቃልል ዘሎ፡ ዛጊት ዘይተበከለ ክብርታት ሕብረተ-ሰብና ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ባህርያት እንታይ ገደሰኒ ክውገድን፡ ኣራሚን ዓገብ በሃልን ልምድታትና ክዂስኰሱን ክዕቀብን ተላብዩ፣

ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ኣብ መወዳእታ፡ ዝምድና ፖሊስን ኣባላት ዜናን ንምዕባይ ብኣተኲሮ ክስራሓሉ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ጸጥታ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተርእዮታትን ቤላ-ቤለውን ንምክልኻል፡ ህዝቢ ብልዑል ንቕሓት ምትሕብባሩ ከዛይድ ጸዊዑ፣

Funeral service of veteran fighters Brig. Gen....

National Council of Eritrean Americans (NCEA)...

Eritrean Sensation Aron Kifle and Awet Habte...

Eritrean Community festival in Eastern Canada

Diaspora News – Global compact for safe,...

Campaign to make Westerners aware of Ethiopia’s...