September 20, 2013

ኣውስትርያ: ኤርትራ ንምግዛእ ዘካየደቶ ፍሹል ፈተነ ብ Prof. Dr. Michael Zach ትርጉም: ብሃብትኣብ ጽገ

ኣውስትርያ: ኤርትራ ንምግዛእ ዘካየደቶ ፍሹል ፈተነ
ብ Prof. Dr. Michael Zach
ትርጉም: ብሃብትኣብ ጽገ

ኣውስትርያ: ኤርትራ ንምግዛእ ዘካየደቶ ፍሹል ፈተነ ብ Prof. Dr. Michael Zach ትርጉም: ብሃብትኣብ ጽገ

ቀዳማይ ክፋል

ተመራመሪ ኣፍሪቃዊ ታሪኽ ዝኾነ: ኣውስትርያዊ ፕሮፈሰር ዶክ. ሚካኤል ዛክ: ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቪየና (ኣውስትርያ) ዝምህር ኮይኑ: ቅድሚ ሕጂ ካብ ዘካየዶም መጽናዕትታቱ ዝረኸቦም ውጽኢታት: ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ብጽሑፍ: መደረ:…ወዘተ ክገልጽ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ::

ፕሮፈሰር ዶክ. ሚካኤል ዛክ: ነዚ ታሪኻዊ መጽናዕትታቱ ብምቕጻል: ኣብዚ ሕጂ ብኤርትራ ዝፍለጥ ቦታ: ግዝኣት ክትምስርት: ኣውስትርያ ንነዊሕ ግዜ ከንቱ ፈተነ ከምዘካየደት: ኣብቲ ብዕለት 4.4.2005 ኣብ ቪየና: ዋና ከተማ ኣውስርትያ: ኣብ ትሕቲ „ኤርትራ – ተስፋ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ“ ዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ ሰሚናር ገሊጹ ከምዝነበረ: ዝዝከር ኢዩ:: እዚ ጽሑፍ ሽዑ ዘይምትርጓሙ: ይቕረታ ንሓትት። ይዶንጒ‘ምበር ግን ክቦክር ዘይግብኦ ጽሑፍ ብምዃኑ: ኣብ ክልተ ክፋል መቒልና: ሕጂ ንሓትሞ።

ካብዚ ቀጺሉ: ነቲ ፕሮፈሰር ዶክ. ሚካኤል ዛክ: ዘቕረቦ መጽናዕቲ; ትርጉሙ ይስዕብ::

ኣብ 2006 ዓ.ም. ኣብዛ ሕጂ ኤርትራ ኢልና እንሰምያ ዘለና ሃገር ትርከበሉ ቦታ: ሓደ ኣውስትርያዊ ዜጋ: ንፈለማ ግዜ እግሩ ካብ ዘንብር 175 ዓመት ክገብር ኢዩ:: ፕሮፈ. ሚካኤል ዛክ ቅድሚ‘ቲ ኣብ ዝርዝር ምእታዉ ካርታ ተጠቒሙ: ቀንዲ ሕመረት ህላወ ኣውስትርያ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምጽዋዕ: ደሴታት ዳህላክ: ከባቢ ከረን ከምዝነበረ ሓቢሩ::

ዝምድና ኣውስትርያን ኤርትራን ብልክዕ መዓስ ከምዝጀመረ ኣይፍለጥን ኢዩ:: እንተኾነ ግን ብርግጽ ዝፍለጥ: ንግዳውያን ምህርትታት ኣውስትርያ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም: በቶም ኣብ ግብጺ (ኣለክሳንድሪያ): ዝነበሩ ወከልቲ: ኣብ ዕዳጋታት‘ቲ ከባቢ ይዝውተሩ ነይሮም ኢዮም:: ካብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ግን: ኣውስትርያ ኢንዱስትሪኣ ብቀጻሊ እንዳማዕበለት: ንኢንዱስትሪታታ ዝኸውን ጥረ ነገር ትእክበሉን: ነቲ ዝፈረየ ኸኣ ዕዳጋታት ንምርካብ ምእንቲ: ፖሊሲ ንግዳዊ መስመር ባሕሪ ከተማዕብል ጀሚራ:: ንግስቲ ማሪያ ተረዝያ (ኣውስትርያ) ኣብ 1753 ዓ.ም.: ሓደ ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ትምህርቲን ስልጠናን (ታሪኽን cü}cüpq}) ዝህብ ትካል ከምዝኽፈት ገይራ ኢያ:: ዕላማ ናይ‘ዚ ትካልዚ: ኣብቲ ከባቢታት‘ቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈታት: ቤ.ጽ. ንግዳዊ ወከልቲ ምስ ዝኽፈተሉ: ነቲ ኣብ መንጎ ኣውስትርያን ሃገራት ናይዚ ከባቢን ንዘሎ ዝምድና ኣገዳሲ ኣበርክቶ ስለዝነበሮ ኢዩ:: ካብዚ ብምብጋስ: እቲ ቁጠባዊ ጸጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብቲ ግዜ‘ቲ ጀሚሩ: ኣብ ጂዳ: ኣለክሳንድርያ: ኢየሩሳሌም: ኢስታንቡል ብዝነበሩ ወከልቲ ኣውስትርያ ተሰኒዱ ከምዝነበረ ይፍለጥ::

ካብ ፈለማ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ: እዛ ናይ ሕጂ ኤርትራ ኣብቲ ቁጠባዊ ጸብጻባት ኣውስትርያ (ንኣብነት ሎይድ ኣውሰትርያ): ከም ኣገዳሲት መሰጋገሪት ሃገር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ (ብፍላይ ናብ ኢትዮጵያ) ትግለጽ ኔራ:: ኣስታት ሓደ ሲሶ ካብቲ ካብ ወጻኢ ናብዚ ዞባ ዝኣቱ ኣቑሑ: ከኣ ካብ ንግስነት ኣውስትርያ ዝመጸ: ኣጽዋር ከምዝነበረ ይፍለጥ:: እዚ ኣጽዋር‘ዚ ኣብ ሽታያርማርክ (Steiermark): ክራይን (Krain): ከርንተን(Kärnten) ዝተሰርሑ ውጽኢታት ሓጺንን: ከምኡ‘ውን ብጥርሙዝ ዝተሰርሑ ቨነስያውያን ዕንቁታትን መስትያትን: ዝኣመሰሉ‘ውን ዘጠቓልል ኢዩ:: ካብዚ ብምብጋስ: እቲ ኣብ ቦመን (ኣወስትርያ): ዝርከብ ኢንዱስትሪ ጠራሙስ: ናብዚ ዞባ ዝልእኮ ምህርቱ እንተዕብዩ: ተወሳኺ ኣታዊ ከምዝረክብ ርዱእ ነይሩ:: ናይ‘ዚ ነጸብራቕ ከኣ: እቲ ኣብ መቐይሮ 18/19 ክፍለ ዘመን: ኣብ ምሉእ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቓ: ሰፊሕ ዝርገሐን ኣገልግሎትን ዝረኸበ ባጤራ ማሪያ-ቴረዛ (ባጤራ ንግስነት ኣውስትርያ) ኢዩ:: እዚ ባጤራ‘ዚ: ድሕሪ ንግስነት ኣኽሱም: ንፈለማ ግዜ: ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ካልኦት ናይ ክፍሊት ኣገባባት ተኪኡ::

714b

እዚ ባጤራ‘ዚ ብፉሉይ ውሑስ ዝገበሮ: ቅርጹን: ዕብየቱን ሚዛኑን: ተቐባልነት ነይርዎ:: እቲ ባጤራ ካብ ብሩር ዝተሰርሐ ብምንባሩ: ገለ ክፋሉ ከም ምንጪ ብሩር እንዳምከኽካ ንስልማታትን ቤተ-ክህነታውያን መሳርሕታት ይጥቀምሉ ነይሮም:: ብሕልፊ ኣብ ኢትዮጵያ ዓሚቕ ሰረት ብምሓዙ: ድሕሪ 2ይ ኲናት ዓለም: እቲ መንግስቲ ነቲ ባጤራ ብኻልእ ንኽትክእ: (ዋላ ብናይ መነሊክ ስእሊ ዝተዳለወ ተመሳሳሊ ስርሓቱ ባጤራ እንተቐረበ) ብዙሕ ጻዕሪ ሓቲትዎ።

714d

1. Eduard Ferdinand Baron von Callot (አድዋርድ ፈርዲናንድ ባሮን ፎን ካሎት)

እቲ ንፈለማ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ኣውስትርያዊ: ኣብ 1792 ኣብ ቪየና ዝተወልደ Eduard Ferdinand Baron von Callot (አድዋርድ ፈርዲናንድ ባሮን ፎን ካሎት) ኢዩ::

ብዛዕባ ኤርትራ ንፈለማ ጭቡጥ ሓበሬታ ዝለኣኸ: እዚ ኣውስትርያዊ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ኢዩ:: እሱ ከም ልኡኽ ግብጺ ኮይኑ ኣብ 1831: ናብ ኣብ ጎንደር ዝነበረ ንጉስ በጺሑ ክምለስ ከሎ: ብምጽዋዕ ስለዝተመለሰ: ኤርትራ ክበጽሓ ኪኢሉ። እቲ ዘገርም: ኣብቲ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ዑደቱ: ኣውስትርያ ኣብዚ ኤርትራ ትርከበሉ ቦታ ግዝኣት ክትተክል መኺሩ።

714

2. Ignaz Pallme (ኢግናዝ ፓልመ) (1806 – 1877:

ኣብ 1806 ኣብ ሽታይንሾናው ዝተባህለ ኣብ ዞባ ቦመን (ኣውስትርያ) ዝርከብ ዓዲ ዝተወልደ ኮይኑ: ብኣካል ኣብ ኤርትራ ኣይነበረን። ኣብ 1838/39 ግን ኣብ ሱዳን ከምዝነበረ ይፍለጥ::

እሱ: ኣብ ካርቱም ቆንሱል ንምዃን ኣብ ዘመልከተሉ ግዜ: ኣብ 1851 ንድፊ መደብ መግዛእቲ ኣቕረበ። ኣብ ትሕቲ „መደብን ምቅርራብን ኣውስትርያ ንምጉባጥ ኣበሲንያ: ዳርፉር: ትሪፖሊስ“ ብዝብል ኣርእስቲ: ዘዳለዎ ንድፊ ኢዩ። እዚ ኣብ መንግስታዊ ኣርካይቭስን ናይ ረፑብሊክ ቸክን: ኣብ ስድራቤታዊ ኣርካይቭስ ናይ በርሽቶልድ ዝተረኽበ ኢዩ።

ኣውስትርያ: ኤርትራ ንምግዛእ ዘካየደቶ ፍሹል ፈተነ
ብ Prof. Dr. Michael Zach
ትርጉም: ብሃብትኣብ ጽገ

ካልኣይ ክፋል

ኣብ ክሊ ቁጠባዊ ረብሓን ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያትን ናይ ኣውስትርያ: ዝስዕቡ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ነጥብታት ክርኣዩ ጀሚሮም: 1) ምኽፋት ዲፕሎማስያዊ ውክልናታት 2) ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ: ሓደ ግዝኣት ምትካል። ድሕር‘ቲ ኣብ 1851 ብደረጃ ምኽትል ቆንስል ኣውስትርያ ኣብ ካርቱም ቤ.ጽ. ንምኽፋት: ፈለማ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ሚሽን ኣብ 1852 ኣብ ትሕቲ Konstantin Reitz (ኮንስታንቲን ራይስ): ከምኡውን Theodor von Heuglin (ቴዎዶር ፎን ሆይግሊን) ዝተባህሉ ጀርመናውያን ደቂ ዞባ ቩርተምበርግ (ጀርመን): ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን: ተላኢኾም።

714e

ብሓፈሽኡ ቁጠባዊ ጸጋታት ናይቲ ከባቢ ንምጽናዕን ምስቶም ዝተፈላለዩ መሳፍንቲ ከም ራእሲ ዓሊ ናይ ጎንደር: ደግያት ውቤ ናይ ትግራይ) ተራኺብካ ውዕላት ንምእታውን ከምዝነበረ ይፍለጥ። እቲ ቀንዲ ሓሳቦም: ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ማለት ካብ ሱዳን ጀሚሮም ናብቲ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዝነበረ ንግዲ: ብንጥፈት ንምስታፍ ኢዩ። ካልእ: ምስኩሎም ፖለቲካዊ ሓለፍቲ ዘተ ብምክያድን: ስነፍልጠታዊ መጽናዕትታት: ከም ኣብ መዳያት ጂኦግራፍን ቁጠባን ንምክያድ‘ውን ዝዓለመ ነይሩ:: እንተኾነ በቶም ኣብቲ እዋን‘ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቶም ዝነበሩ ፖለቲካዊ ውሽጣዊ ወጥርታት (መን ዓብለለ): እዚ ጉዕዞ‘ዚ ፍረ-ኣልቦ ኮይኑ ተሪፉ። Konstantin Reitz (ኮንስታንቲን ራይስ): ነቶም ልዒሎም ዝተጠቕሱ መሳፍንቲ ከይረኸቦም ተሪፉ። እቲ እንኮ ክረኽቦ ዝኸኣለ ገዛኢ ወይ ኣመሓዳሪ: ራእሲ ካሳ (ጸኒሑ ሃጸይ ቴድሮስ ዳግማዊ ዝተባህለ) ኮይኑ: ነቲ ፍሉይነት ጠባዩን ኣተሓሳስብኡን ንዒቕዎ ዝነበረ ዝፍለጥ ኢዩ። ነቲ ምስ ራእሲ ካሳ ዝተገብረ ውዕል ነጻ-ንግዲ ከይተተግበረ ተረፈ።

ምስ መደብ ምጅማር ህንጻን ምኽፋትን ሱወዝ ካናል ግን: ቀይሕ ባሕሪ: ኣብ ሕመረት ረብሓ ዓበይቲ ሃገራት ብምእታዉ: ኣውስትርያ: ድሕሪት ክትተርፍ ስለዘይደለየትን: ኣብዚ ኣብ መጻኢ ኣገዳሲ ዝኸውን ንግዳዊ መስመር ሓደ ቦታ ክትሕዝ ከምዘድልያን ወሰነት::

714f

ስለዚ: ኣብ 1857 ከኣ Tegetthoff-Heuglin-Expedition (ዳህሳስ ጉዕዞ ተገቶፍ-ሆይግሊን) ሓድሽ ተበግሶ ወሲዳ:: ኣድሚራል ቪልሀልም ፎን ተገቶፍ ኣብ 1827 ኣብ ማርቡርግ (ስሎቨንያ) ዝተወልደ: ነቲ ጉጅለ ብምምራሕ: ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነ ቦታታት ኣፍሪቃ: ንግዳዊ መደበራትን መአከብ ካብ ሃገራ ዝስጎጉ ወጻእተኛታትን ንምትካል ዝሰማማዕ ቦታ ክድህስሱ ዕማም ተዋህቦም። ይኹን‘ምበር: እቲ መደብ ዘይምጥንቃቕ ዘስዓቦ ፈሺሉ። ምኽንያቱ ሆይግሊን ብዛዕባ‘ቲ መደብ ንስነ-ፍልጠታዊ መጽሔታት ደብዳበ ብምልኣኹ: ኢዩ። እዚ መጽሔታዊ ምቅላዕ‘ዚ: ነተን መወዳድርቲ ኣውስትርያ ዝኾነ ሃገራት: እንግሊዝ: ፈረንሳ…ወዘተ: ንኸፍሽልኦ ስጉምትታት ክወስዳ ከምዘለወን ቀሲብወን።ብዛዕባ‘ቲ ዕላማ ኣብ ዝነበረ ዘተ ግን: እቲ ርእይቶታት ኣብ ክልተ ከምዝተገምዐ ይፍለጥ። ሆይግሊን ንኤርትራ ምግዛእ ክብል ከሎ: ተገቶፍ ከኣ ንደሴት ሶኮታ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ምግዛእ ዝብል ርእይቶ ነይርዎ።

እዚ ብ“ውልቃዊ ተበግሶ“ ልዑል ፈርዲናንድ ማክሲሚሊያን ፎን ሃብስቡርግ-ሎትሪንገን (ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ) (Archduke Ferdinand Maximilian von Habsburg-Lothringen) ዝነበረ መደብ ድኣ ይኹን‘ምበር: ኣውስትርያ ግን ካልኦት ጸገማት ነይሮማ።

714g

(ንኣብነት: ጉርብትና ምስ ቱርካውያን ገዛእቲ ኣብ ሃገራት ባልካን: ውግኣት ኣብ ኢጣልያ: ኣብ ልዕሊ ጀርመን ዓብላልነት ንምርካብ ዝነበረ ጻዕራ)።
ኣብ 1861 – 1863 ኣብ ምጽዋዕ ቆንስላዊ ውክልና ኣውስትርያ ኔሩ። እቲ ምኽትል ቆንስል: ወዲ ሃምቡርግ (ጀርመን) ዝኾነን: ነጋዳይ ኣጽዋር ኣብቲ ቦታ ዝነበረ በርንሃርድ ገርሃርድ (Bernhard Gerhard) ኢዩ።
ኣብ 1862: ፎገል (Vogel) ዝተባህለ ተጎዓዛይ (ጀርመናዊ) ኣብ ዋዳይ ዝተባህለ ቦታ ጫድ ስለዝጠፍአ: ንዕኡ ንምድሓን ተባሂሉ ዝተወስደ ተበግሶ ጀርመን ይኹን‘ምበር: ማርቲን ሃንዛል (Martin Hansal) ዝተባህለ ኣውስትርያዊ ዝተሳተፎ ጻዕሪ ኢዩ:: ብሓቂ ግን: እቲ ጻዕሪ: ጀርመን ግዝኣታዊ ረብሓታታ ንምድህሳስ ኾይኑ: ናብ ምጽዋዕ ዝዓለመን ንደሴታት ዳህላክ (ሃቐነ ንምምስራት መደበር) ንከረንን ብዕምቆት ንምጽናዕን ዘንቀደ‘ዩ ኔሩ።

714h

ጉዕዞ ናረንታ (Narenta Expedition) 1869/70 ደድሕሪ ምኽፋት ሱወዝ ካናል ብእኡ ሓሊፋ: ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪቃን ተኽእሎ መግዛእታዊ መደበራት ንምድላይን ተባሂሉ ዝተፈጸመ: ናይታ መርከብ ባሕራዊ ጉዕዞ ኔሩ። ምኽንያቱ: ዓባይ ብሪጣንያ ዛጊት ኣብ ዓደን: ፈረንሳ ኣብ ዖቦቕ (ናይ ሕጂ ጂቡቲ) ህላውነተን ኣረጋጊጸን ኔረን።

714i

ናረንታ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ኣድሚራል ቪልሀልም ክሮፕ (Wilhelm Kropp) እትምራሕ ዝነበረት መርከብ ኔራ። ኣብኣ ተሳፊሮም ካብ ዝነበሩ ብዙሓት ኪኢላታት: እቲ ፍሉጥ ተሳታፊን መዋልን ስነ-ፍልጠታዊ ምርምራት ልዑል ራይናር ፎን ሃብስቡርግን-ሎትሪንገን ( Archduke Rainer von Habsburg-Lothringen): ናይ ስነ-ፍልጠታዊ ኣካዳሚ ናይ ክብሪ ኣባል ዝነበረ ኢዩ።

714j714k714l

ማዕረ‘ቲ ዝተኻየደ ሰፊሕ ስነ-ፍልጠታዊ-ካርቶግራፊያዊ መደባት: እተን ደሴታትን ዝተፈላለያ ወደባትን: ንመደበር ሓይሊ ባሕርን ዝኸውን ብቕዓትን ተጸኒዑ። እቲ ውጽኢቱ ዘተባብዕ ከምዘይነበረ ተገምጊሙ። ኣዛዚ‘ታ መርከብ ክሮፕ ክጽሕፍ ከሎ „እተን ወደባት ኩለን ዘሕዝንን: ኣትክልቲ-ኣልቦን: ብዝሒ ህዝቢ ዘይብለንን ምድረ-በዳዊ ኩነታት ዘለወን ኢየን“ ክብል ይገልጽ። ኣብታ መርከብ: ባልዕ ብምእታዉ: ብዙሕ ዕንወት ክወርዳ ድሕሪ ምጅማሩ ከኣ: ናብ ፖላ ተመሊሳ። እቲ ኣብ መንጎ‘ተን ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታትን በዓል-መዝታትን ቪየና (ኣውስትርያ) ካብ-ናብ ዝነበሩ ጽሑፋት ከምዝሕብርዎ ግን: እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ‘ታ ሃገር ሓይሊ ባሕርን ሚኒስትሪ ፋይናንስን: እዚ መግዛእታዊ ጥሙሕ: ነቲ ንግስነት ክስዕቦ ዝኽእል ፊናንስያዊ ብድሆታት ዝነበሮም ተሪር ዕቃበታት ብምግላጾም ኢዩ።

714m

ለዮ ራይኒሽ (Leo Reinisch) ኣብ ኦሰርቪስ (ዞባ ሽታየርማርክ): ኣውስትርያ: ዝተወልደን: ካብ 1896/97 ፕረሲደንት ቪየና ዩኒቨርሲቲ ዝነበረ ኮይኑ: ኣብ 1875/76 ከምኡ‘ውን 1879/80: ቋንቋታት ንምጽናዕ መጺኡ ከምዝነበረ ይፍለጥ። እሱ መስራቲ ናይ‘ቲ ኣብ ቪየና ዝርከብ ፕሮግራም መጽናዕቲ ኣፍሪቃ: ናይ ብዙሓት ኩሻውያን ቋንቋታት መጽሓፍቲ ስዋስው: መዝገበ-ቃላት: ጽሑፋትን ዘዳለወ ኢዩ። እዞም ሰነዳት‘ዚኦም ብከፊል ክሳብ ሕጂ እቶም እንኮ ጽሑፋዊ ምስክራት ኢዮም። እሱ ኪኢላ ኩሺካዊ ቋንቋታት: ኣባል መስረቲ ኦሪየንታሊስክ ትካል ቪየና ዪኒቨርሲቲ ኣብ 1886: ጸኒሑ ትካል መጽናዕቲ ስነ-ግብጽን ኣፍሪቃን (Egyptology & Africanistic)ኣብ 1923 ኢዩ።

ተወሰኽቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ዜጋታት ኣውስትርያ

ሉድቪግ አግበርት ግራፍ ቱርሃይም (Ludwig Egbert Graf Thürheim) ኣብ ቪየና ዝተወልደ ኮይኑ: ኣብ 1857/58 ኣብ ባጽዕ: ብፍላይ ኣብ ከባቢ ከረን በጺሑ ክምዝነበረን: ከም „ሃዳናይ ኣንበሳ“ ይፍለጥ ነይሩ።

ማቲያስ ቫግነር (Matthias Wagner) ኣብ ኣይዘንሽታት: ድሕሪ 1849 (ምዝዛም ሰውራ ሃንጋሪ): ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ: ኣብ 1862 ንልዑል አርንስት ዳግማዊ ንሃድን ኣሰንይዎ ከምዝነበረ: ኣብ 1871 ከም ነጋዳይ ኣብ ካርቱም ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ቪልሀልም ግራፍ ሲኪ (Wilhelm Graf Zichy)
ኣብ ብራቲስላቫ ዝተወልደ ኮይኑ: 1ብ 1875 ኣብቲ ግብጺ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዘካየደቶ ወራር ብምክፋሉ: ኣብ ከባቢ ጉንደት (ኤርትራ) ኣብቲ ኲናት ሞይቱ።

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...