March 1, 2013

ኣዋጅ ቊጽሪ 173/2013 ብቕጽበት ኣብ ባይታ ክትግበር ብምርኣዮም ኣዝዮም ከምእተሓጐሱ፣ ካብን ናብን ዝገሹ ዜጋታት ገሊጾም።

ኣዋጅ ቊጽሪ 173/2013 ብቕጽበት ኣብ ባይታ ክትግበር
ብምርኣዮም ኣዝዮም ከምእተሓጐሱ፣ ካብን ናብን ዝገሹ ዜጋታት ገሊጾም።

ኣዋጅ ቊጽሪ 173/2013 ብቕጽበት ኣብ ባይታ ክትግበር  ብምርኣዮም ኣዝዮም ከምእተሓጐሱ፣ ካብን ናብን ዝገሹ ዜጋታት ገሊጾም።ብባጤራ ወጻኢ ሕሳባት ንምኽፋት፣ ንኣከፋፍላ ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ዝካየዱ ንግዳዊ ትውጊታትን ዝእተዉ ውዕላትን፣ ንምሕዋልን ንምሽራፍን ባጤራ፣ ከምኡ’ውን ንምምዝጋብ ትሕዝቶ ገንዘብ ናብ ኤርትራ ናይ ዝኣትዉን ካብ ኤርትራ ዝወጹን ገያሾ ንዝምልከቱ ጉዳያት ዘጠቓልል ኣዋጅ ቊጽሪ 173/2013፣ ርሒብ ባይታ ንስራሕን ስሉጥነት ኣገልግሎትን ይፈጥር ከምዘሎ፣ ካብን ናብን ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ገያሾ ዜጋታት ገሊጾም።

እቶም ካብ ኣመሪካ፣ ካናዳን ኤውሮጳን ብመገዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ናብ ሃገሮም ዝኣተውን ብስራሕን ካልእ ጉዳያትን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝገሹን ዜጋታት፣ እቲ ኣዋጅ እዋናዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ እቲ ከየመዝገብካ ሒዝካዮ ክትኣቱን ክትወጽእን ተፈቒዱ ዘሎ 10 ሽሕ ዶላር እኹልን ዘገላብጥን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ወይዘሮ ገነት ገብረመድህንን ኣቶ ሃይለ ኣብርሃን፣ እቲ ኣዋጅ ብቕጽበት ኣብ ባይታ ክስራሓሉ ምርኣዮም ከምዘሐጐሶም ጠቒሶም፣ እዚ ንዝነበረ ስክፍታታት ኣብ ምቕንጣጥ ዓቢ ተራ ከምዝጻወት ጽኑዕ እምነቶም ገሊጾም።

ካብ ፍራንክፈርት – ጀርመን ዝመጸት ወይዘሮ መብራት ጋይምን ካብ ሎስኣንጀለስ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጸ ኣቶ ስዒድ በሺርን ድማ፣ መንግስቲ ከፊትዎ ዘሎ ዕድላት ኣብ ረብሓ ሃገርን ህዝብን እወታዊ ውጽኢት ከርኢ ምእንቲ፣ ህዝቢ ብሕጋዊ መገዲ ክጥቀመሉን ንትግባረኡ ብቕንዕና ክሰርሕን ኣዘኻኺሮም።

ምውጻእ ኣዋጅ ቊጽሪ 173/2013 ባህታ ከምዝወረሶም ዝሓበሩ ኣቶ መኮነን ባህታ ካብ ካናዳን ወይዘሮ ወሓዚት ወልደሚካኤል ካብ ለንደንን ብወገኖም፣ እቲ ኣዋጅ ኪኖ’ቲ ኣብ ምድንፋዕ ወፍሪን ምጕልባት ቊጠባ ሃገርን ዝህልዎ ጽልዋ፣ ንዋሕዚ ዜጋታት ናብ ሃገር መሊሱ ናህሪ ኣብ ምፍጣር ዘይንዓቕ ኣበርክቶ ከምዝጻወት ሓቢሮም።

ኣዋጅ ቊጽሪ 173/2013 ካብ 20 ለካቲት ተግባራዊ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

**** ኣ.ዜ.ኤ. ****

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...