April 6, 2011

ኣኼባ ፈጻሚት ኮሚቴ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያን ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን ኣብ ኣስመራ ተቓኒዑ።

ኣኼባ ፈጻሚት ኮሚቴ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያን ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃን
ዓበይቲ ቀላያትን ኣብ ኣስመራ ተቓኒዑ።

ኣኼባ ፈጻሚት ኮሚቴ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያን ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን፣ ካብ 28 መጋቢት ክሳብ  1 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ኣስመራ ተቓኒዑ።

ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ ብሓቀኛ ፍቕርን ስኒትን ተጠሚርካ ምጕዓዝ ንመላእ ዓለም ዘገድስ ምዃኑ ብምግንዛብ፣ እቲ ማሕበር ነዚ ዕላማ’ዚ ኪወቅዕ ኣኼበኛታት ከይሰልከዩ ኪጽዕሩ ኣዘካኺሮም።ሙፍቲ ኤርትራ ሼኽ ኣልኣሚን ዑስማን ኣልኣሚን ብወገኖም፣ “ኤርትራ ካብ ጥንቲ፣ መሬት ሰላምን መዕቈቢት ሽጉራትን ምዃና፣ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ዝርከብ ማንም ዘይክሕዶ ሓቂ’ዩ” ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጐ ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን ዘሎ ምክብባርን ምንብባርን ዘመናት ዘቝጸረን ኣብ ደም ዝሰረጸን ከምዝኾነ ብምምልካት፣ ካልኦት ሃገራት ብዙሕ ክቐስማሉ ዝኽእላ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ዳይረክተር ፈጻሚት ኮሚቴ ናይ’ቲ ማሕበር ቀሺ ፍሬድ ናያባራ ድማ፣ “ከምቲ ኣብ ሓንቲ ሰብነት ዘለዋ ኣካላት ከም ሓደ ኣካል ኮይነን ብስምረት ዝሰርሓ፣ እዚ ማሕበር’ዚ’ውን ብፍቕሪን ስኒትን ተጠሚሩ ኪሰርሕ መንፈሳዊ ሓላፍነቱ’ዩ” ክብል፣ ማሕበር ዕላማኡ ንኽወቅዕ ከይተሓለለ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፣ ኣብ ገዳም ደብረሲናን ኣብ ከተማ ከረንን ከባቢኣን ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታታትን፤ ከምኡ’ውን ኣብ ከተማ ባጽዕን ከባቢኣን ዝርከብ ታሪኻዊ ስፍራታትን ቅርስታትን ናይ ልምዓትን ህንጸትን ስራሓት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታታትን በጺሖም።

እዚ ኮንጎ ቀዋሚት ኣቦ-መንበር፣ ኤርትራ ድማ ከም ምኽትል ቀዋሚት ኣቦ-መንበር ኮይነን ዝነጥፋሉ ዘለዋ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያን ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን፣ ሃገራት ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ታንዛንያ፣ ሩዋንዳ፣ ኬንያ፣ ብሩንድን ኢትዮጵያን ብኣባልነት ይጥርንፍ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...