June 16, 2011

ኣኼባ ኣማሓደርቲ ዞባታት ተኻዪዱ።

ኣኼባ ኣማሓደርቲ ዞባታት ተኻዪዱ።

ኣኼባ ኣማሓደርቲ ዞባታት ሎሚ 15 ሰነ ኣብ ኣዳራሽ ደንደን – ኣስመራ ተቓኒዑ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፣ ኣማሓደርቲ ዞባታት፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሽድሽተ ኣዋርሕ በብዞባኡ ዝተሰላሰሉ ስርሓትን ኣብ ክራማት 2011 ኪካየዱ ዝተወጠኑ ልምዓታዊ መደባትን ብዝርዝር ኣቕሪቦም።

ሕርሻዊ እቶት ንምስሳን – ብቐንዱ ድማ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፣ ኣብ ክራማት ሎም-ዘበን ክሕረስ ዝተወጠነ ስፍሓት መሬት፤ ዝርግሐ ዘራእቲ ብዓይነትን ስፍሓትን፤ ዘድሊ ጠለብ ትራክተራት፣ ማሽነሪን ድዅዕን ብዝርዝር ዝቐረበ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ገለ-ገለ ዞባታት ብዝናብ ኣዝመራ ዝተዘርአ ዓሰርተታት ሄክታራት ኣብ ደረጃ ምብቋል ከምዝርከብ በሪሁ።

ኣካል ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ዝኾነ ምምዕባል መስኖኣዊ ሕርሻ፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኩለን ዞባታት ክድፍኣሉ ምጽንሑ ዝጠቐሱ ኣማሓደርቲ ዞባታት፣ ንመስኖኣዊ ሕርሻ፣ ከምኡ’ውን ምንጪ ዝስተ ማይ ሰብን ጥሪትን ዝኾኑ ብርክት ዝበሉ ማእከሎትን ንኣሽቱን ዲጋታት፣ ራህያታትን መእለዪ ወሓይዝን ከምእተሃንጹን እቲ ዕዮ ቀጻሊ ምዃኑን ኣነጺሮም።

ኣማሓደርቲ ዞባታት ኣስዒቦም፣ ኣብ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስትራተጂያዊ ፕላን ተጠሚሮም ዝኸዱ ንጥፈታት – ምዕቃብ ማይን ሓመድን፤ ምስራሕን ምጽጋንን ከትርታትን ዛላታትን፤ ምትካል ፈልስታትን ምልማዕ ባህርያዊ ኣግራብን፤ ትሕተ-ባይታኣዊ ማይ ንምህብታምን እቶታውነት ንምኽዕባትን ዝተፈላለዩ ስርሓት ከምእተተግበሩን ኣብ መስርሕ ትግባረ ከምዝርከቡን ኣብሪሆም።

ብድሕሪ’ዚ፣ ኣማሓደርቲ ዞባታት፣ ብኹለን ምምሕዳራት ዞባታት ንዝቐረበ ጸብጻባት ምርኵስ ብምግባር፣ ዓሚቝ ዘተ ኣካዪዶም።

ኣብ መደምደምታ ናይ’ቲ ኣኼባ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝካየዱ ልምዓታዊ ስርሓት ዝያዳ ክትኰረሎም ድሕሪ ምዝኽኻር፣ ኩለን ዞባታት ብዘቘምኦም ማእከላት ሓበሬታ ተሓጊዘን ልምዓታዊ ውዳበአን ከሐይላን ከጽፍፋን ኣገንዚቡ።

“ዝኾነ ልምዓት ናይ ህዝቢ’ዩ” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኩለን ዞባታት ንህዝቢ ወዲበን ኣብ ኩሉ ዓውዲ ልምዓት ብኣድማዕነት ከሳትፋ ብተወሳኺ ኣዘኻኺሩ።

*******ኣ.ዜ.ኤ********

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias

Seminar by President Isaias in Sawa