May 20, 2013

ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፣ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ጃፓን፣ ሓድሽ ናይ’ቲ ውድድር ክብረ-ወሰን ኣመዝጊቡ።

ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፣ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ጃፓን፣
ሓድሽ ናይ’ቲ ውድድር ክብረ-ወሰን ኣመዝጊቡ።

ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፣ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ጃፓን፣ ሓድሽ ናይ’ቲ ውድድር ክብረ-ወሰን ኣመዝጊቡ።ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፣ ብሰንበት 19 ግንቦት ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ጊፉ ስየርዩ – ጃፓን፣ ሓድሽ ናይ’ቲ ውድድር ክብረ-ወሰን ኣመዝጊቡ።

ኣብዚ ሓያላት ኣትለታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተሳተፍዎ ሓያል ውድድር፣ ኣትለት ዘርእሰናይ ብ1 ሰዓትን 31 ካልኢትን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲ ናይቲ ውድድር ዝነበረ ኬንያዊ ማርቲን ማታቲ ካልኣይ፣ ካልእ ኬንያዊ ጃኮብ ዋንጁኪ ድማ ሳልሳይ ብምውጻእ ውድድሮም ዛዚሞም።

እቲ ውድድር ካብ ቀዳሞት ደቓይቕ ብኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ክቕለስ ስለዝጀመረ፣ ካብ ፈለማኡ ሓያል ምንባሩ፣ ብዘርኣዮ ሓያል ናይ ውድድር መንፈስ ድማ ኣትለት ዘርእሰናይ ብማዕከናት ዜና ጃፓን ልዑል ኣድናቖት ከምዝረኸበ፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Activities of Eritrean Nationals in the Diaspora

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ 2 ቀዳማይ ምዕራፍ፣ ጥልያን...

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ ቀዳማይ ክፋል ህርፋን 1

President Isaias’ speech in connection with the...

Eritrean nationals celebrate Independence Day...

መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ