August 3, 2011

ኣትለት ኣዛርያ ወልደማርያም፣ ኣብ ኦስትርያ ኣብ ዝተኻየደ ጕያ ጐቦ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

ኤርትራዊ ኣትለት ኣዛርያ ወልደማርያም፣ ብሰንበት 31 ሓምለ ኣብ ማይርሆፈን – ኦስትርያ ኣብ ዝተኻየደ ጕያ ጐቦ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

ኣብዚ ካብ ልዕሊ 20 ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣትለታት ዝተሳተፍዎ ውድድር፣ ኣትለት ኣዛርያ ንውድድሩ ብ50 ደቓይቕ ብምዝዛም፣ ነቲ ካልኣይ ዝወጸ ጎብለል ኤውሮጳ – ቱርካዊ ኣሕመት ኣርስላን ብ23 ካልኢታት ቀዲሙ’ዩ ንዓወት ብምብቃዕ ተሸላሚ ወርቂ ሜዳልያ ዝኾነ።

ኤርትራዊ ኣትለት ኣዛርያ ወልደማርያም፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ውድድር ጕያ ጐቦ ካልኣይ ምውጽኡ ይፍለጥ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias

Seminar by President Isaias in Sawa