October 8, 2011

ኣብ 13 ዓድታት ዞባ ጋሽ-ባርካ፣ ሰበኽ-ሳግማዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ተኸፊተን።

ኣብ 13 ዓድታት ዞባ ጋሽ-ባርካ፣ ሰበኽ-ሳግማዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ተኸፊተን።

ዝርግሐ ኣገልግሎት ትምህርቲ ንምስፋሕ ብዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፣ ኣብ 13 ዓድታት ዞባ ጋሽ-ባርካ ብመንገዲ ሰበኽ-ሳግማዊ ፕሮግራም ሓደስቲ ናይ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምእተኸፍታን ዝምስገን ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋን፣ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ’ቲ ዞባ ኣቶ ቀሊት ግርማይ ኣብሪሁ።

ኣቶ ቀሊት ኣብ ከተማ ባረንቱ ምስ ሓለፍቲ ክፍልታት ዞባ፣ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፣ ሓለፍቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡሳን ዞባታትን ሱፐርቫይዘራትን ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ብርክት ዝበላ ኣብያተ-ትምህርቲ ካብ’ቲ ዝነበርኦ ደረጃ ናብ ልዕሊኡ ብምስግጋረን፣ ኣብ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረት ከምእተቓለለ ገሊጹ።

ኣቶ ቀሊት ወሲኹ፣ ብዝተገብረ ወፍሪን ጻዕሪን ተሳታፍነት ጀመርቲ ኣብ ትምህርቲ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብ12.6 ሚእታዊት ከም ዝዓበየ ኣነጺሩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፣ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ትምህርቲ ካብ ዝተመዝገቡ ልዕሊ 97 ሽሕ ተማሃሮ እቶም 75 ሚእታዊት ትምህርቶም ዛዚሞም ናብ ዝቕጽል ደረጃ ከምዝሓለፉ ክግለጽ እንከሎ፣ ኣብ ምጅማር ትምህርቲ ብወገን መምህራን ይኹን ተማሃሮ ዘጋጥም ዘሎ ምድንጓያት ንምውጋድ፣ ወለዲ፣ መምህራንን መሻርኽትን ዕዙዝ ተራ ክጻወቱ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፣ ተሳታፍነት ደቂኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ንምዕባይ ፍሉይ ኣቓልቦ ክወሃቦ፤ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ብከም’ቲ ዝጀመሮ ናህሪ ክግስግስ ዝብሉን ካልኦትን ለበዋታት ኣቕሪቦም።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Messages of congratulations

Press Statement – Issue is not the lifting...

Joint Statement of the Bahr Dar Meeting Between...

President Isaias Afwerki on working visit to...

Interview of President Isaias Afwerki with...

Remarks of H.E. Osman Saleh Minister of Foreign...